ጣሊባን፥ ኣፍጋኒስታን ከም እስላማዊት ረፓብሊክ ኢራን ጣሊባን፥ ኣፍጋኒስታን ከም እስላማዊት ረፓብሊክ ኢራን 

ጣሊባን፥ ኣፍጋኒስታን ከም እስላማዊት ረፓብሊክ ኢራን

ጣሊባን ንኣፍጋኒስታ ዝውድቦ ዘሎ መንግስቲ እስላማዊት ረፓብሊክ ኢራን ኣርኣያ ዝገበረ ከምዝኾነ

ካብ ኣፍጋኒስታ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓይሊ ምክልኻል ምሉእ ብምሉእ ድሕሪ ምውጻኡ ነታ ሃገር ዝቆጻጸር ዘሎ ሓይሊ ጣሊባን ናይታ ውዳበ መዋቕር ኣፍጋኒስታን ከምዝጀመረን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ህዝባዊ ባይቶ ኣቦ መንበር ዳቪድ ሳሶሊ ኤውሮጳ ንናይ ኣፍጋኒስታን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝሃበቶ መልሲ ከምዘጒሃዮም ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቓጣር ከተማ ዶሓ ኣብ መንጐ ጣሊባንን ሎንደንን ክሌኣዊ ዘተ የካይዱ ኣለዉ። ዕላማ መንግስቲ ቦሪስ ጆንሶን ነቶም ወተሃደራት ኣመሪካ ምስ ወጹ ኣብ ካቡል ዘለዉ ዜጋታት ብሪጣኒያ ካብ ኣፍጋኒስታን ተሓባበርቶም ኣፍጋናውያን ንምውጻእ ዝብል ከምዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ብለድ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ስነ ሜላዊ ኣብ ዘማእከለ መጋባእያ ተረኺቦም ዘረባ ዘስምዑ ናይ ሕብረት ኤወሮጳ ሕዝባዊ ባይቶ ኣቦ መንበር ዳቪድ ሳሶሊ “ኣብ ኣፍጋኒስታን ሰላምን ምዕባለን ምርግጋእን ክህሉ ሕብረት ኤውሮጳ ድምጹ ከምስምዕ ኣለዎ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣፍጋኒስታ ከም እስላማዊት ረፓብሊክ ኢራን

ጣሊባን ንኣፍጋኒስታ ዝውድቦ ዘሎ መንግስቲ እስላማዊት ረፓብሊክ ኢራን ኣርኣያ ዝገበረ ከምዝኾነ ሲኤንኤን ዝጠቓሳ ዜና ማዕከታ እንክሕብራ፡ በቲ ምንጪ መሰረት እውን ሂባቱላህ ኣኩንድዛዳ ናይ ኣፍጋኒስታን ልዑል ምራሒ ክኾኑን ኣብታ ሃገር ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ሃይማኖታዊ ኣካል ናይ ኣጋኒስታ ፖለቲካዊ መስመር ናይ ምውሳንን ብጠቕላላ ጉዳይ ሃገርን መንግስትን ዝምልከት ሕቶ ናይ ምውሳን ስልጣን ክህልዎም እዩ። ኣክሁንድዛዳ ካብ 2016 ዓ.ም. ኣትሒዞም ንጣሊባን ዝመርሑ ከምዝኾኑን ብቐንዱ ካብ ካንዳሃር ኰይኖም ዝዓዩ ምዃኖም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

03 September 2021, 09:27