ዕለት 13 መስከረም ተበግሶታት ው.ሕ.መ. ዓለም ንኣፍጋኒስታ ዕለት 13 መስከረም ተበግሶታት ው.ሕ.መ. ዓለም ንኣፍጋኒስታ 

ዕለት 13 መስከረም ተበግሶታት ው.ሕ.መ. ዓለም ንኣፍጋኒስታ

ዕጡቓት ሓይሊ ጣሊባን ነቲ ክሳብ ሕጂ እንኮ ዕርዲ ተቓውሞ ዝበሃል ስንጭሮ ፓንሺር ከምዝኣተዉ ክገልጹ እንከለዉ

ኣብ ኣፍጋኒስታ ዳርጋ ፍርቂ ካብ ጥቕላላ ብዚሕ ሕዝቢ ሓገዝ የድልዮም። ብዛዕባ ግብረ ሰናይ መዳያት ኣብታ ኣብ ቅልውላው ኣትርከብ ሃገር ዝመክር ብሚስትራት ደረጃ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ጀነቭ ዕለት 13 መስከረም ንኽካየድ ከምእተጠልበን እቲ ኣኼባ ብዛዕባ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝሳለጥ ግብረ ሰናይ ዝመያየጥ ምዃኑ ተሓቢሩ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለም መንግስቲ ጣሊባን ዝህቦ ምልክታት ኣብ ዝጽበየሉ ዘሎ እዋን ኣብ ፓንሺር ኣብ መንጐ ዕጡቓት ሓይሊ ጣሊባንን ንጣሊባን ዝቃወም ግንባርን ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ዕለት 13 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ጀነቭ ዛዕባ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ መደባት ዝመክር ዓውደ ኣኼባ ከምዝጠለበን ኣብ ውሽጢ ኣፍጋኒስታን ብርቱዕ ዝኾነ ምምዝባል ምፍልላይ ኣባይቲ ስድራተ ፈጢሩን ብዙሓት ቈልዑ ብዘይ ወለድን ዝርከብዎም ኣብ ግዚያዊ ናይ ተመዛበልቲ መዕቆቢ ከምዝርከቡን መዕቆቢ ተመዛበልቲ ተጨናኒቑ ከምዘሎን ኔው ዮርክ ታይምስ ከመላኽት እቲ ኣብ ጀነቭ ንኽካየድ ብውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም እተጠልበ ዋዕላ “ንኣፍጋናውያን ዜድሊ ሰብኣዊ ሓገዝን ተመሳሳሊ ኣገልግሎትን ምሉእ ብምሉእ ብዘይ ዕንቅፋት ብቐጻሊ ምእንቲ ኽረኽቡ ጻውዒት ዘቕርብ” ምዃኑ ኔው ዮርክ ታይስ ኣፍሊጡ።

ኣብ ባይታ ዘሎ ህልው ኵነታትን ሓደስቲ ምዕባለታትን ኣብ ፍጋኒስታን

ዕጡቓት ሓይሊ ጣሊባን ነቲ ክሳብ ሕጂ እንኮ ዕርዲ ተቓውሞ ዝበሃል ስንጭሮ ፓንሺር ከምዝኣተዉ ክገልጹ እንከለዉ፡ ቦታ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብሩስያውያን እውን ከይተረፈ ፈጺሙ ዘይተተሓዘ ስፍራ እውን ከምዝኣተዉ ይገልጹ። መራሒ እቶም ናይ ተቓወምቲ ሓይልታት ዝኾኑ ኣህማድ ማሱድ (ወዲ እቶም ኣንበሳ ፓንሺር ታሪኻዊ ኣዛዚ ናይ ኣፍጋኒስታ ሰሜናዊ ኪዳን ዝነበሩ) ነበር ርእሰ ብሔር ኣምሩላህ ሳላሕ ናብ ታጂኪስታን ከምዝሃደሙ እዩ ዝንገር ዘሎ። እዚ ሓበሬታ እዚ ኣብ ዝፍነወሉ ዘሎ እዋን ማሱድ በቲ ኣብ ፈይስ ቡክ ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ቃልስና ዘይሕለልን ቀጻልን እዩ ዝብል መልእኽቲ ከምዝፈነዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ፣

ኣብ ስነ ሜላዊ ርክባት ደረጃ

ዕለት 3 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ኢዝላማባድ ኣብ መንጐ ሚኒስተረ ወጻኢ ሃገረ ፓኪስታን ሻህ ማሕሙድ ኮረሺን ናይ ብሪጣንያ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስተር ዶሚኒክ ራዓብ ከምእተራኸቡን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ብሊንከን ናብ ዶሓ ክኸዱ ከምዝኾኑን ናይ ሰሜን ቃል ኪዳን ሃገራት ውድብ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ራምስታይን ኣብ ጀርመን ከምዝኣተዉን ቻይና እውን ብወገና ነቲ ጣሊባን ዚመርሕዎ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዚምስረት ዘሎ ሓድሽ መንግስቲ ተጠንቅቕን ትከታተሎን ከምዘላ ናይታ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስትር ወሃቢ ቃል ዋንግ ዌንቢን ገሊጾም ፐኪንግ ኣብ ካቡል ዘሎ ቤት ጽሕፈት ልኡክ መንግስታ ክትዓጽው ድላይ ከምዘይብላ ይንገር።

ቅዋመ ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን

ጣሊባን ንኣፍጋኒስታ ዝውድቦ ዘሎ መንግስቲ እስላማዊት ረፓብሊክ ኢራን ኣርኣያ ዝገበረ ከምዝኾነ ሲኤንኤን ዝጠቓሳ ዜና ማዕከታ እንክሕብራ፡ በቲ ምንጪ መሰረት እውን ሂባቱላህ ኣኩንድዛዳ ናይ ኣፍጋኒስታን ልዑል ምራሒ ክኾኑን ኣብታ ሃገር ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ሃይማኖታዊ ኣካል ናይ ኣጋኒስታ ፖለቲካዊ መስመር ናይ ምውሳንን ብጠቕላላ ጉዳይ ሃገርን መንግስትን ዝምልከት ሕቶ ናይ ምውሳን ስልጣን ክህልዎም እዩ። ኣክሁንድዛዳ ካብ 2016 ዓ.ም. ኣትሒዞም ንጣሊባን ዝመርሑ ከምዝኾኑን ብቐንዱ ካብ ካንዳሃር ኰይኖም ዝዓዩ ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ ትሕቲኦም ኰይኑ ዝዓዪ መራሔ መንግስቲ ወይ ብርእሰ ብሔር ዝምራሕ መግንስቲ ይዅን ክሳዕ ሕጂ ዘይተፈልጠ ከምዝኾነን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ዕለት 26 ነሓሰ ካቡል ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ከባቢ ዝተፈጸመ 13 ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ዝርከብዎም ብጠቕላላ 170 ንሞት ዝዳረገ ለኪምካ ናይ ፍጥፋእ ግብረ ዝሽበራ ዝፈጸመ ኣባል ዳዒሽ፡ ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ምስተቖጻጸሩ ካብ ቤት ማእሰርቱ ናጻ ዝተለቁ ምንባሮም ይንገር።

07 September 2021, 01:06