ኣብ የመን ብሚሊዮናት ዝቑጸር ሕዝቢ ብጥምየት ይሳቐይ፡ ውግእን ኮቪድን ጠንቂ ሕሱም ድኽነት ኣብ የመን ብሚሊዮናት ዝቑጸር ሕዝቢ ብጥምየት ይሳቐይ፡ ውግእን ኮቪድን ጠንቂ ሕሱም ድኽነት 

ኣብ የመን ብሚሊዮናት ዝቑጸር ሕዝቢ ብጥምየት ይሳቐይ፡ ውግእን ኮቪድን ጠንቂ ሕሱም ድኽነት

ኣንጻር ጥምየትን ስእነት መግብን ዝግበር ቃልሲ ነቲ ኣብ መንጎ ውግእን ጥሜትን ዘሎ ሕሱም መተሓላልኾ ንኽእለይ ሓድሽ ናይ ግብረ ሰናይ ደግፍን ንሰብኣዊ ሕይወት ኣድላዪ ዘበለ ኵሉ ምቕራብን ኣገዳሲ እዩ

የመን እታ ኣብ ዓለም በቲ ዝኸፍአን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ትሳቐ ዘላ ሃገር ምዃና ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ዝወሃብ መጠንቀቕታ ኣመላኺቱ፡ እቲ ዝወሃብ ዘሎ ሓበሬታ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ መሪር ሰብኣዊ ቅልውላው ዝዅንን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ እውን ኣብ እታ ሃገር ኣብርቲዑ ክዓዪ ዝጸውዕ እዩ። እዛ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ውግእ ዘላ ሃገር ለብዒ ኮቪድ - 19 ተወሲኽዎ ናብ ዘሰንብድ ጥምየትን ናብ ከቢድ ቅልውላው ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ተንቆልቁል ኣላ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ የመን ንሸውዓተ ዓመት ዝካየድ ዘሎ ግጭት ልዕሊ 250 ሺሕ ዜጋታት ንሞት ዳሪጉን ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ዝሞቱ እቲ ውግእ ብዝቶኽቶኾ ሕጽረት መግቢ ወይ ክንክን ጥዕናን ዝሞቱ ምዃኖም ይንገር። ብቐጻሊ ካብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመት እውን የመን ኣብ ዓለም እታ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝረኣየላ ሃገር ኮይና ኣላ። ማሕበር ጸረ ስእነት መግቢ ተግባር ዋና ኣመሓዳሪ ሲሞነ ጋሮኒ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዝሓበርዎ፥ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ የመን እቲ ልዕሊ 80 ሚእታዊ ዝሽፍን ትሕቲ ድኽነት ዚነብር እዩ። እንተ ወሓደ 20 ሚሊዮ ዝዀኑ ሰባት ከኣ ተጸበይቲ ግብረ ሰናይ እያቶም፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብሚሊዮናት ዝቝጸሩ የመናውያን ኣድላዪ ናይ ሕክምና ክንክን ጥዕና መሳለጥያታትን ዝስተ ጽሩይ ማይን ከምኡ እውን ኣድላዪ ነገራት ዘበለ ኵሉ ንኽረኽቡ ዘኽእሎም ስራሕ ዘይብሎም እያቶም፡ እዚ ዘሎ ለብዒ ቅድሚ ምጅማሩ እውን ከይተረፈ እቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ዕጥቃዊ ውግእ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኵለ መዳያዊ ቅልውላው ከምዘተኣታተወን ብሰንኪ ሳዕቤን ኮቪድ - 19 እውን ናይ መግቢ ሻቕሎትን ጒድለት ዝተመጣጠነ መግብን ኣዚዩ ከምዝሰፈሐን ልዕሊ 16 ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ እታ ሃገር እውን ይብሉ ጋሮኒ - ብስእነት መግቢ ዚሳቐዩ ምዃኖምን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝእድመኦም 400 ሺሕ ቈልዑ ህጹጽ ክንክን እንተ ዘይተገብረሎም ንኸቢድ ስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ነዚ ስዒቡ እውን ንሓደጋ ሞት ክቃልዑ እያቶም ይብሉ።

የመን ካብቲ ዘሰንብድ ትርኢት ንኽትላቐቕ ምሕጋዝ

ኣንጻር ጥምየትን ስእነት መግብን ዝግበር ቃልሲ ነቲ ኣብ መንጎ ውግእን ጥሜትን ዘሎ ሕሱም መተሓላልኾ ንኽእለይ ሓድሽ ናይ ግብረ ሰናይ ደግፍን ንሰብኣዊ ሕይወት ኣድላዪ ዘበለ ኵሉ ምቕራብን ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብ ርእሲ እዚ እውን ኣብታ ሃገር ሕይወት ኣድሕን መደባት ምዝርጋሕን እዚ ንምስላጥን ከምኡ እውን ሕዝቢ ካብ ለብዒ ኮቪድ - 19 ገዛእ ርእሱ ንኽከላኸል መታን ኣገዳሲ ሓበሬታ ንዘቕርቡ ኣካላት ኣብ የመን ሓገዝ ምቕራብ፥ ሓበሬታ ናይ ምቕራብ ግብረ ሰናይ ወሳኒ እዩ፡ ካብ ለብዒ ኮቪድ - 19 ጥራይ ዘይኮነ ካብ ዝተፈላለየ ንሕይወት ንሓደጋ ሞት ካብ ዘቃልዕ ኵነታት እውን ገዛእ ርእሱ ንምክልኻል መታን ክኽእል ኵለ መዳያዊ ሓበሬታ ወሳኒ ምዃኑ ገሊጾም፥ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ንየመን ኣብ ምድጋፍ ኣበርቲዑ ክዓዪ ጻውዒት ኣቕሪቦም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

21 July 2021, 21:15