ናይ መበል 21 ዘመን ሓደስቲ ነገራት ናይ መበል 21 ዘመን ሓደስቲ ነገራት 

ናይ መበል 21 ዘመን ሓደስቲ ነገራት

ድሕሪ እቲ ኣብ 2004 ዓ.ም. ንንባብ ዝበቕዔ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕብረተሰብኣዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ ኣስታት ዕስራ ዓመት ዘቝጽር ዘሎ ብቤት ማሕተም ቪታ ኤ ፐንሲየሮ ዝተሓትመ ሰነድ ብመረብብ ሓበሬታ ኣቢሉ ዘሀብትምን ንገዛእ ርእሱ ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕብረተሰብኣዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ መርበብ ሓበሬታ ዝሕድስ መደብ

ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕብረተሰብኣዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ “ሓደስቲ ነገራት።” መበል 21 ዘመን ዝግለጽን ዘረድእን ሓድሽ መዝገበ - ቓላት ብመርበብ ሓበሬታ ንምዝርጋሕ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕብረተሰብኣዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ ማእከል ዘዳለዎ መደብ ኮይኑ ኣብዚ መዳይ ዝተፈላለየ ክፍሊ መጽናዕተ ከከም ናይ መጽናዕቲ ባይታኡ ዝህቦ ኣገላልጻን ዘቕርብ ትንታነን ዘጠቓልልን እዚ እውን ነቲ ብሰንኪ ለብዒ ዝመጸን ዝመጽእን ለውጥታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ መጻኢ ዜጋጥም ብድሆታት ንምስጋር ኣብ መንጐ እተፈላለየ ዓውደ መጽናዕትታት ዘዛትይ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ማሓድሮኣዊ ጒዳይ ኣትሒዙ ክሳዕ ተመክሮ እቲ ለብዕን። ብተወሳኺ እውን ካብ ቍጽሪ ህዝቢ እትሒዙ ክሳዕ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገራትን ኣብ መንጐ ሃገራትን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኢማዕርነትን። ክሳዕ እቲ ዕደ ጥበባዊ ሰብ ሰርሖ መጋበርያ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ውልቀ ሰባትን ማሕበረሰባትን ዘሕድሮ ጽልዋን ዝብሉ ብሓፈሻ “ሓደስቲ ነጋራት ናይ 21 ክፍለ ዘመን” ዝምልከቱ ጉዳያት ድሕሪ እቲ ኣብ 2004 ዓ.ም. ንንባብ ዝበቕዔ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕብረተሰብኣዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ ኣስታት ዕስራ ዓመት ዘቝጽር ዘሎ ብቤት ማሕተም ቪታ ኤ ፐንሲየሮ ዝተሓትመ ሰነድ ብመረብብ ሓበሬታ ኣቢሉ ዘሀብትምን ንገዛእ ርእሱ ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕብረተሰብኣዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ መርበብ ሓበሬታ ዝሕድስ መደብ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ቐጻልን ናጻን ዝዀነ መዝገበ-ቓላት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ወርሒ በቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ክፍሊ መጽናዕቲ ኣብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ብዝርከብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ ማእከል ብዝቐርቡ ሓደስቲ ኣስተዋጽኦ እናሀብተመ ኣብቲ ብናይቲ ማእከል ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ንንባብ ዝበቕዕ ሰለስተ ወርሓዊ መጽሔት ኣቢሉ እውን ንንባብ ከብቅዖ ከምዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዕላማ ናይቲ መደብ ንዅሎም እቶም ንማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ ሕጂ ዘሎ ብድሆታት ክርድእዎን ከስተንትንዎን ዝደልዩ ንምብጻሕ ነቲ ኣብ ውሽጢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ክፍለ መጽናዕትታት ዝግበር ውስጠ ዘተ ዓቢይ ግምት ምሃብ ዝብል ከምዝኾነን ናይቲ መዝገበ - ቓላት ደራስያን እውን ኣብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ዝርከቡ ኣብ ሓሙሽተ ዝተፈላለየ ጨናፍር ናይቲ መንበረ ጥበብ ምሁራንን ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ መጽናዕቲ  ስነ ምርምራዊ ድልያ ዘካይዱ ሊቃውንትን መምህራንን ብንጥፈት ዚሳተፉ ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ።

08 July 2021, 17:56