ሃይቲ፥ ግዚያዊ መንግስቲ ሓገዝ ሕ መ. ኣመሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ይሓትቱ ሃይቲ፥ ግዚያዊ መንግስቲ ሓገዝ ሕ መ. ኣመሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ይሓትቱ 

ሃይቲ፥ ግዚያዊ መንግስቲ ሓገዝ ሕ መ. ኣመሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ይሓትቱ

ኣብ 1915 ዓ.ም. ኣብ ሃይቲ ርእሰ ብሔር ዝነበሩ ቪልብሩን ጒይላውመ ሳም ምስ ተቐትሉ መግንስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ወተሃደራቱ ናብ ሃይቲ ልኢኹ ከምዝነበረ

ንናይ ሃይቲ ስልታዊ መልክዓ ምድርታታት ንምዕቃብ ግዚያዊ መንግስቲ ሓገዝ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለምን ይሓትት ከምዘሎን ነቶም ኣብ ልዕሊ ርእሰ ብሔር ሞይዘ ግብረ ቅትለት ዝፈጸሙን ነቲ ግብረ ቅትለት ዝሓንጸጹን ንምልላይ ካብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት መርመራ ሓገዝ ክግብረሉ ከምዝሓተተ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ብሔር ጆቨነል ሞይዘ ካብ ዝቕተሉ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ሰበ ስልጣን ሃይቲ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ንውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ንናይ ሃይቲ ስልታዊ መልክዓ ምድርን ትሕተ ቅርጽታትን ንምዕቃብ ወተሃደራዊ ሓገዝ ከምዝሓተቱን፡ እቶም ግዚያዊ መራሔ መንግስቲ ክላውደ ጆሰፍ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ድጋፍ የድልየና እዩ ንመሻረኽትና ሃገራት እውን ሓገዘ ንሓትት” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዕሱባት ሓይልታት ነታ ሃገር ከጥፍእዋ ይኽእሉ እዮም

ንናይ ሃይቲ ስልታዊ ቦታታት ንምዕቋብን ንኸይጠፍእን ነታ ሃገር ናብ ሓድሽ ህዝባዊ ምርጫ ንምምራሕ ከምዘድሊ ሓድሽ ናይ ሕዝባዊ ምርጫ ጉዳይ ሚኒ. ማቲያስ ፒየር ገሊጾም፥ “ኣብ ሃይቲ ፋሕ ዝበሉ ዝተፈላለዩ ዕሱባት ሓይልታት ሕንፍሽፍሽ ንምፍጣርን ንመሰረታዊ መዋቕራትን ትሕቲ ቅርጽታትን ከጥፍኡ ክእለት ዘለዎም ኮይኑ እዩ ዝስምዓና ምእንቲ እዚ ካብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኮነ ካብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክግበረልና ሓቲትና ኣሎና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

መንነት ቀተልቲ ሞይዘ

ኣብ 1915 ዓ.ም. ኣብ ሃይቲ ርእሰ ብሔር ዝነበሩ ቪልብሩን ጒይላውመ ሳም ምስ ተቐትሉ መግንስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ወተሃደራቱ ናብ ሃይቲ ልኢኹ ከምዝነበረ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብዚ እዋን’ዚ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እታ ኣብ 2010 ዓ.ም. ብዝተኸስተ ብርቱዕ ርእሰ መሬት ካብ ዘጋጠማ ኵለ መዳያዊ ዕንወት ንኽትላቐቕ እትቃለስ ናብ ዘላ ሃገር ወተሃደራዊ ድጋፍ ንምቕራብ መደብ ከምዘይብሉ ምንጭታት መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከምዘፍለጠን ኣብ ልዕሊ ርእሰ ብሔር ሞይዘ መቕተልቲ ዝወሰነን ነቲ መቕተልቲ ብቐጥታ ዝፍጸሙን ንምልላይ ዝግበር ዘሎ መርመራ ኣማእኪሉ ሓይሊ ጸጥታ ሃይቲ ዝሃቦ መግለጺ ጠቒሱ ኣተሓሒዙ እቲ ስርሒት መቕተልቲ ዝፈጸመ ሓይሊ 26 ዜጋታት ኮሞምቢያን ክልተ ሃይታዊ መበቈል ዘለዎም ኣመርካውያን ብጠቕላላ 28 ኣባላት ዝሓቍፍ ምንባሩ ይሕብር።

10 July 2021, 19:05