ቤት ሕክምና ቅዱስ ዳሚያን ሃይቲ ቤት ሕክምና ቅዱስ ዳሚያን ሃይቲ 

ንዳግመ ውልደት ሃይቲ ዝካየድ ውፉይን ቀራጽን ጻዕሪ

ማሕበረሰብ ነታ ሃገር ዘቕርቦ ሓገዝ ጸገም ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ጥራሕ ክኸውን የብሉን፡ ብርግጹ ጸገም ኣብ ዘጓነፈሉ እዋን ሓገዝ ኣቕሪቡ እዩ፡ እቲ ሓገዝ ግና ንዕለቱ ዘጓጥም ጸገም ንምብዳህ ጥራሕ ዘይኮነ ንናይታ ሃገር መጻኢ ሕንጸት ዘማዕድው እውን እዩ ክኸውን ዘለዎ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ንሕክምና ካብ ዝርከቡሉ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኮይኖም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ልቢ ብዝትንክፍ ቃላት ዝዘከርዋ ሃገረ ሃይቲ፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብሰንኪ ርእደ መሬትን ደሓር እውን ለብዒ ፖለቲካዊ ሁከትን ድኽነትን ስዒቡ ካብ ዝተኣታተው ዘሎ ዓሚዩቕ ቅልውላው ንኽትላቐቕ ትቃለስ ኣላ። ኣብታ ዘይመንግስታው ማሕበር ግብረ ሰናይ ፍራንቸስኮ ራቫ ኣብ ዝተፈላለየ መዳይ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ የሳልጥ ከምዘሎን፡ ሕዝቢ ሃይቲ ዘደንቕ ተውህቦ ዘለዎ እዩ ካብቲ ኵሉ ኣጓኒፍዎ ዘሎ ጸገማት ንኽላቐቕ ናይ ኵሉ ሓገዝን ቅርበትን ከምዘድልዮ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዳ ናይቲ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ግብረ ሰናይ ኣደ መንበር ማሪያ ቪቶሪያ ራቫ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብቲ ምእንቲ ሃይቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ካብ ልቢ ዝመንጨወ ጻውዒትን ቅርበትን ሓልዮትን መቕተልቲ ርእሰ ብሔር ሞይዘን ካብቲ ቅድሚ 11 ዓመት ዘጋጠመ ዕንወት ዘስዓበ ርእደ መሬትን ከምኡ እውን ለብዒ ኮቪድን-19 ድኽህነትን እዚ ካልእ ሓቅታት እዚ እታ ሃገር ናብ ደልሃመት ከተብል ይድርኻ ከምዘሎ ኣብ ዓውዲ ጥዕናን ትምህርትን መዳይ ኣብ ሃይቲ ተዋፊሩ ናይ ዘገልግል ዘይመንግስታዊ ማሕበር ግብረ ሰናይ ፍራንቸስኮ ራቫ ኣደ መንበር ማርያ ቪቶሪያ ራቫ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ገሊጾን።

ሃይቲ ቅድሚ ርእደ መሬት ከይተረፈ ከም ምልካዊ ስርዓትን ውግእ ሓድሕድን ህቦብላ ነፋስን ልብዒ ሽሮኽን ከምኡ እውን ካልእ ዝተፈላለየ ባህርያዊ ሓደጋታት ዘጋጠማ ሃገር እያ፡ ህዝቢ ሃይቲ ግን ኣብዚ ኵሉ ጽንኩር ዓመታት ብርቱዕ ተጻዋርነት ዘለዎ እዩ። መቕተልቲ ርእሰ ብሔር ሞይዘን እቲ ዝርአይ ዘሎ ከቢድ ውጥረትን ሳልሳይ ማዕበል ለብዒ ኮቪድ - 19 ከይኣክል ብሓቂ ሃይቲ ናብ ዘስካሕክሕ ዓመጽን ሁከትን ከይተብል የስግእ፡ ኣብ ፖርት ኣው ፕሪንስ ዝርከባ በቲ ማሕበር ግብረ ሰናይ ዝመሓደራ ቤት ሕክምና ቅዱስ ዳሚያንን ቅዱስ ሉይክን ለብዒ ኾሮና ተህዋስ ንምቅላስ ዝሕግዝ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት መሳለጥን ከምኡ እውን መሸፈን ኣፍን ኣፍንጫ ብምቕራብ ሓኻይም ሃይቲ ንዘቕርብዎ ናይ ሓገዝ ሕቶ መልሲ ኣብ ምሃብ ዓቢይ ኣገልግሎት የቕርብ ከምዘሎ ሓቢረን።

ማሕበር ግብረ ሰናይ ፍራንቸስኮ ራቫ ኣብ ሃይቲ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ እንታይ ይመስል? ካብ 1987 ዓ.ም. ኣትሒዙ እቲ ዘይመግንስታዊ ትካል ግብረ ሰናይ ኣልቦ ስድራ ዝኾኑን ኣብ ጸገም ዝርከባ ኣባይቲ ስድራን ስንኵላን ቈልዑን ኣብ ሃይቲ እንኰ ቤት ሕክምና ህጻናት ቅዱስ ዳሚያን ኣገልግሎት ከምዝጀመረን 32 ናይ ጐደና ኣባይቲ ትምህርቲ ብፍላይ ኣብቲ ኣዚዩ መንበሪ ድኻታት ኣብ ዝኾነ ክፍለ ከተማታት እታ ሃገር ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣብ ምቕራብ ከምእተዋፈረን፡ እቲ ዘቕርቦ መደብ ትምህርቲ እውን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ናይ ተግባረ እደ ዝኸይድ እዩ፡ ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ናይቲ ግብረ ሰናይ ማሕበር እውን ልዕሊ 300 ሃይታውያን ሰራሕተይናታት ከምዘለዉን እቶም ኣብቲ ናይቲ ግብረ ሰናይ ማሕበር ኣባይቲ ትምህርቲ ዝተማሃሩ ናይ ስራሕ ዕድል ከምዝፈጥረሎምን፥ ጭርሖና ስራሕ ንሃይታውያን መጻኢ ንመንእሰይ ወለዶ ዝብል እዩ ኢለን። ብዝሒ ሕዝቢ ሃይቲ 11 ሚሊዮንን ፈረቓን እዩ ዝግመት ካብዚ ብዝሒ እቲ 80 ሚእታዊ እውን መንሰይ ወለዶ ክኸውን እንከሎ ዕምሪ ሕይወት ኣርብዕ ዓመት ዕድመ ዝበጽሕ ከምዝኾነን ስለዚህ ነቲ ዘጋጥም ናይ ሕጻናት ሞት ንምውጋድ ዝኣመተ ሕንጸት እቲ ማሕበር ግብረ ሰናይ ንሓኻይም ሃይቲ የቕርብ። ለብዒ ኮቪድ ምስ ተኸስተ እውን ፍሉይ ህሙማን ኮቪድ ዝእለይሉ ማእከል ከምእተመስረተን ወፈራ ክትባት ጸረ ኮቪድ ኣብ ሃይቲ ክብገስ እውን እቲ ማሕበር ናብ ዝምልከቶም ዓለም ሓቆፍ ውድባት ጽዋዒት የቕርብ ከምዘሎ ኣፍሊጠን።

ሃይቲ ድሕሪ እቲ ርእደ መሬት ከቢድ ለብዒ ሕማም ሽሮኽ ከምዘጋጠማ ዝርሳዕ ኣይኮነን፡ እዚ ፍጻሜ እዚ ካብ ዘጋጥም ልዕሊ 10 ዓመታት ሓሊፉ እዩ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ነዛ ሃገር እዚኣ ዳግማይ ውልደት ወሳኒ ኣበርክቶ ኺገብር ግብኡ እዩ፥ ብኸመይ እዩ ዝዋሳእ ዘሎ? ዓለም ሃቆፍ ማሕበረሰብ ነታ ሃገር ዘቕርቦ ሓገዝ ጸገም ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ጥራሕ ክኸውን የብሉን፡ ብርግጹ ጸገም ኣብ ዘጓነፈሉ እዋን ሓገዝ ኣቕሪቡ እዩ፡ እቲ ሓገዝ ግና ንዕለቱ ዘጓጥም ጸገም ንምብዳህ ጥራሕ ዘይኮነ ንናይታ ሃገር መጻኢ ሕንጸት ዘማዕድው እውን እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ዕቑር ጸጋታትን ዕቑር ሰብኣዊ ሓይልን ዘለዋ ሃገር እያ፡ ነዚ ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል ሓገዝ የድሊ፡ ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ግብረ ሰናይ ዝተዋፈሩ እውን ኣለዉ፡ ነዚ ዕቑር ሓይሊ እታ ሃገር ንምጥቓም ዘብቕዕ መደብ ግብረ ሰናይ ወሳኒ እዩ ኢለን።

ንሕሙማን ኾሮና ተህዋስ መእለዪ ዝኸውን 75 ዓራውቲ ዘለዎ ማእከል ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ጸረ ኮቪድ ከምዝቖመን ብዝተኻእለ መጠን እውን ኾሮና ተህዋስ ንምብዳህ ብዙሕ ጻዕሪ እዩ ዝግበር ዘሎ ቢለን ማሕበር ገዳማውያን ህማመ ክርስቶስ ናይ ስነ ሕክምና ሊቅ ኣባ ሪቻርድ ፍረከተ ናይቲ ማሕበር መደብ ኣገልግሎትን ክንክን ጥዕናን ሕንጸትን ዝከታተሉን ዘሳልጡን ከምዝኾኑ ገሊጸን፡ እዞም ካህን ብሓቂ ኣብቲ ኵሉ ጸገም ዘለሉ ስፍራ ብቅድመ ግንባር ዝዋፈሩ ለጋስን ለዋህን ኣፍቃሪ ድኻታትን እዮም ፍትው ብሕዝቢ ሃይቲ እውን እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመምን።

12 July 2021, 18:14