በለቲ፥ ንኣባይቲ ስድራ ደረት ትርኢት ምርሃው፡ ኣብ በይናውነት ብቐሊሉ ኢኻ እትጉዳእ በለቲ፥ ንኣባይቲ ስድራ ደረት ትርኢት ምርሃው፡ ኣብ በይናውነት ብቐሊሉ ኢኻ እትጉዳእ 

በለቲ፥ ንኣባይቲ ስድራ ደረት ትርኢት ምርሃው፡ ኣብ በይናውነት ብቐሊሉ ኢኻ እትጉዳእ

እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ ድኽነትን ስድራ ቤትን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ናይ ዝተገብረ መጽናዕቲ ውጽኢት እዩ፡ እቲ መጽናዕቲ እውን ኣብ 12 ሃገራት

“ብዛዕባ ናይ ስድራ ቤትን ናይ ምርኻብን ድኽነት” ዝገልጽ ናይ ዓለም ሓቆፍ ተዓዛቢ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ ማሕበርዊ ርክባት ካብ ሕዳገት ይከላኸል ይኹን ደኣ እምበር ኣባላት ኣባይቲ ስድራ ድጋፍ ንምቕራብ ኮነ ንምቅባል ኣብ ዓለም ርህዋት ክዕኑ ይግባእ፥ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዕጹው ምዃን ንኸቢድ ድኽነት እዩ ዝድርኽ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ኣብ መንጐ ወለዶታትን ምሕበራዊ ሃዋሁን ዘሎ ርክብ ዜሕድሮ ጽልዋ ኣብ ግምት ብምእታው ኣገዳሲ ጒዳያት ስድራ ቤት ምፍላጥ ከምዘድሊ እቲ ናይ 2020 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ተዓዛቢ ኩነታት ስድራ ቤት ብዛዕባ “ስድራ ቤትን ርካብት ድኽነትን” ብዝብል ኣርእስቲ ዘውጸኦ ጸብጻብ የመላኽት። እቲ ጸብጻብ ዕለት 5 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ተወከልቲ ክውንነት ኣሃዝ ዝትንትን ትካላትን ዝተፈላለያ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ዝጥርንፍ ካሪታስ እንተርናዚዮናሊስን ከምኡ እውን ጳጳሳዊ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም ዋና ሓላፊ ብጹዕ ኣቡነ ቪቸንዞፓሊያን ካልኦት ኣካላት ኣብ ዝተረክብሉ መድርክ ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቕዔ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ዓለም ሓቆፍ ተዓዛቢ ስድራ ቤት ማሕበር ናይ ምርምር ክፍሊ ሓላፊ ፍራንቸስኮ በለቲ ነቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ ድኽነትን ስድራ ቤትን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ናይ ዝተገብረ መጽናዕቲ ውጽኢት እዩ፡ እቲ መጽናዕቲ እውን ኣብ 12 ሃገራት፥ ካብ በኒን ክሳዕ ስፐይን ካብ ሓይቲ ክሳኦ ህንዲ ዓሚቝ መጽናዕቲ ዝተገበረሉን ቍጠባውን  ሃብቲ ዘይምህላው ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ማብርዊ ትካላትን ኣብ ኣባይቲ ስድራ ዝርአይ ሕማቕ ርክብ ምስ ድኽነት ኣጣሚሩ ድኽነት ስድራ ቤትን ርክባትን ዘጒልሕ እዩ . . . ስለዚ ስድራ ቤት ንሰባት ሓድከት ከም ዝህልዎምን ካብ ድኽነትን ካብ ከቢድ ማብራዊ ጒዳያት ከም ዜዕቍቦምን ክርብ ከም ዚህልዋ ክንገር ግድን እዩ ኢሎም።

08 July 2021, 09:23