ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ኵባ ብሰንኪ ቍጠብዊ ቅልውላው ጥምየት ለብዒ ኮቪድን ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ኵባ ብሰንኪ ቍጠብዊ ቅልውላው ጥምየት ለብዒ ኮቪድን 

ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ኵባ ብሰንኪ ቍጠብዊ ቅልውላው ጥምየት ለብዒ ኮቪድን

ብጹዓን ጳጳሳት ኵባ ኣብ መግለጺኡ፥ “መፍትሒ ክርከብ ዝከኣል “ሓባራዊ ስምምዕ ምስ ዝግበርን ሓባራዊ ስምምዕ ክድልድ ጭቡጥ ስጒምትታት ኣብ ምውሳድ እዩ፡ እዚ ኸኣ ንመላ ሃገርን ሕዝብን ዘርብሕ እዩ

ኣብ ካሪብያናዊት ደሴት ብሰንኪ ቍጠባዊ ቅልውላው ጥምየትን ለብዒ ኮቪድን ዝተለዓዓለ ህዝባዊ ናይ ተቓውሞ ኣድማ ይቕጽል ከምዘሎን ሓይሊ ጸጥታ ነዚ ተፈጥሪ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ንምዕጋት ብዘሰዶ ስጉምቲ ብዙሓት ከምእተኣስሩ ክንገር እንከሎ፡ ርእሰ ብሔር ሚገል ዲያዝ ካነል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መበቈል ናይቲ ህዝባዊ መርኣያ እያ እንክብሉ ክኸሱ፡ ብጹዓን ጳጳሳት ኵባ እታ ሃገር ብዓመጻ ከይትሕለል የገዳስ ሓባራዊ ጥቕሚ ምእንቲ ክዕወት ንሓድሕዶም ክሰምዑን ክጻወሩን ይግባእ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ጽዋዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ኩባ ተባሪዑ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ውሽሒ ሒደት መዓልታት ካብታ ሳን ኣንቶንዮ ደ ሎስ ባኖስ እትበሃል ንእሽቶ ከተማ ኣትሒዙ ነታ ርእሰ ከተማ ሃቫና ሓዊስካ ናብ 25 ካልኦት ከተማታት ክውሕዝ ዝጀመረ ናይ ሓቂ ደገፍን ተሳትፎን መላእ ሕዝቢ ክረክብ ዝገበሮ መጋበርያ መርበብ ሓበሬታን ናይ ኢድ ተለፎንን ከምዝኾነ ክንገር እንከሎ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብታ ዴስት ከምዚ ዝኣመሰለ ተቓውሞ ኣይተራእየን። ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ንመንግስቲ ሚገል ዲያስ ካነል ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምእቲ ዘይቅቡል እንክብል ይኸሶም ከምዘሎን መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንሃቫና በቲ ዘጋጠመ ነገራት ከም ተሓታቲት ከይገብራ ኣጠንቂቝ፡ ሰበ ስልጣን ኩባ ንናይ ሕዝቢ ሕቶ ክሰምዕ እምበር ነቲ ሕቶ ንምዕጋት ሓይሊ ኮነ ዓመጽ ከይጥቀም እንክብል የጠንቅቕ። መንግስቲ ቻይናን ከምኡ እውን ኣርጀንቲናን መክሲኮን ካልኦት መንግስታት ሃገራት ላቲን ኣምሪካ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኵባ ዘንበረቶ ናይ ኤኮኖሚ ማዕቅብ ደው ከተብል ጻውዒት ከምዘቕረቡ ይንገር። ሩሲያ ኣብ ኵባ ዝኾነ ይኹን ዓይነት እደ ኣታውነት ወጻኢ ሃገራት ከይህሉ ኣጠንቂቓ ንሕዝቢ ኵባ ድጋፋ ከምዝገለጸት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ኵባ ብሰንኪ ቍጠብዊ ቅልውላው ጥምየት ለብዒ ኮቪድን
ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ኵባ ብሰንኪ ቍጠብዊ ቅልውላው ጥምየት ለብዒ ኮቪድን

ህዝቢ ኵባ ብጥምየትን ስእነት መግብን ኣብ ብርቱዕ ጸገም ይርከብ

ጋዜጠይናን ናይ ስነ ላቲን ኣመሪካ ክኢላ ኣልፍረዶ ሶሞዛ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “መንግስቲ ኵባ ነቲ ሓድሽ ህዝባዊ ክስተት ብግቡእ ክቆጻጸሮ ኣይከኣለን” ቢሎም እቲ ኮቪድ ዘበገሶ ለብዒ ኣብ ርእሲ እቲ ዘስዕቦ ኵለ መዳያዊ ጸገም እናገደደ ይኸይ ኣሎ። ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ እታ ሃገር 15 ሚእታዊ ጥራሕ ጸረ ኮሮና ተሕዋስ ክትባት ከምእተኸትበን እቲ ለብዒ ሕጂ እውን ንናይታ ሃገር ናይ ክንክን ጥዕና ስርዓት ንብርቱዕ ጸገም የቃልዕ ኣሎ” ይብሉ። እዚ ኹሉ ጸገም እዚ ምስቲ ናይ መስህብ ኤኮኖሚ ብዘይምህላዉ ዝገደደ ቍጠባዊ ቅልውላው ክህልው ይገብር ኣሎ” ቢሎም፡ መንግስቲ ንመግባውነት ዘገልግል ዝጥቀመሉ ዶላር እውን ብዘይ ምህላዉ እዚ ስእነት መግብን ጥምየትን ከተኣታትውን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ክዳኸምን ቍጠባዊ ቅልውላው ከብእስ ስለ ዝገበረ ህዝቢ በዚ ዅሉ እዚ ቅልውላው እዚ ተቖጢዑ ናብ ጐደንታት ክወጽእን ተቓውሞኡ ከምስምዕ ደሪኽዎ እዩ። ብኻልእ መዳይ እውን እቲ ተቓውሞኡ ዘስምዕ ዘሎ ሕዝቢ ርእሰ ብሔር ዲያዝ ካነል ኣብ ስልጣን ምስ ደየቡ ዝተበማጽዕዎ ተሓድሶ ብቕልጡፍ ንቕድሚት ከሰጉሙ ዝሓትት ድምጹ እውን የስምዕ ከምዘሎ የብርሁ።

ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ኵባ ብሰንኪ ቍጠብዊ ቅልውላው ጥምየት ለብዒ ኮቪድን
ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ኵባ ብሰንኪ ቍጠብዊ ቅልውላው ጥምየት ለብዒ ኮቪድን

ኣቨኒረ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለታዊ ጋዜጣ ጋዜጠይናን ናይ ስነ ላቲን ኣመሪካ ክኢላ ሉቺያ ካፑዚ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት፥ “ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣምሪካ ርእሰ ብሔር ባይደን መንግስቶም ኣብ ልዕሊ ኵባ ዝኽተሎ ፖለቲካዊ ውሳኔ ነቲ ቅድሚኦም ናይ ዝነበረ ብዙሕ ጸገም ዘስዕብ ዘሎ ናይ ትራምፕ መግንስቲ ንኵባ ብጥምየት ቀይዱ ናብቲ መንግስቲ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ዝደልዮ ፖለቲካዊ ኪደት ንኸተብል ዝብል ውሳኔ ዝስዕብ ድዩ ወይ ናይ ገዛእ ርእሱ ንህልው ኵነታት ኵባ ግምት ዝህብ ውሳኔ ከመሓላልፍ እዩ ዝደሊ። እዚ ህልው ኵነታት ኵባ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኵባ እደ ኣታውነት ንኽትገብር ዝድርካ ከይኸውን መክሲኮን ኣርጀንቲና ዘለወን ስግኣት ይገልጻ ኣለዋ ቢለን፥ እዚ ህልው ኩነታት እዚ እንተድኣ ብቕልጡፍ መፍትሒ ዘይረኸበ ኩባ ናብ ከቢድ ጸገም ከተብል እያ ብዙሓት ንስደት ክዳረጉ እያቶም ብፍላይ ከኣ ናብ ማያሚ” ኢለን።

ብጹዓን ጳጳሳት ኵባ

ናይ ኵባ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለት 13 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፥ “ህዝቢ ኵባ ሓድነቱ ኬደልድልን ንሓድሕዱ ክሰማማዕን” ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ንዅሎም ኵባውያን ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኵባ ዘሎ ፍጻሜታት መፍትሒ ክርከቦ ድሌቱን ባህግታቱን ተስፋታቱን ክገልጽ መሰሉ እዩ፡ ብተወሳኺ እቲ መግንስቲ “መልሲ ናይቲ ሕቶታትን ነቲ ግድላትን ከይፈትሖ ከምዘለዎ ንኽቕጽል ኣበርክቶ ዝገብር ዘይነቓነቕ ምዃኑ የሻቕለና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣስዒቡ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኵባ ኣብ መግለጺኡ፥ “መፍትሒ ክርከብ ዝከኣል “ሓባራዊ ስምምዕ ምስ ዝግበርን ሓባራዊ ስምምዕ ክድልድ ጭቡጥ ስጒምትታት ኣብ ምውሳድ እዩ፡ እዚ ኸኣ ንመላ ሃገርን ሕዝብን ዘርብሕ እዩ፡ ጸገም ብዓመጽ ኣይስከርን የግዳስ ብዘተን ምርድዳእን ብምጽውዋርን ኣረኣእያ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ መንግስቲ ኵባ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሕዝባዊ ቁጥዔ ዝግ ንምባልን ፍታሕ ክረክብ መታን ሕድገታት ክገብር ከምዝጀመረን፥ መሰረታውያን ነገራት ናብ ሃገር ብናጻ ክኣቱ ዕለት 15 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ከምዝፈቐደ ክሕበር እንከሎ፡ ኣባ ኣሬል ሱዋረዝ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብፍቕሪ ዝተዓረቑ ጥዑያት ሰባት የድልዩና” ይብሉ።

ናብ ኵባ መግብን መድሃኒትን መጸራረይን ዝኣመሰሉ ኣቝሑ ብዘይ ደረት ናይ ጉምሩክ ግብርታት ክፍሊት ንግዚኡ ብናጻ ንኽኣቱ መንግስቲ ኵባ ከምዝፈቐደን እዚ ናይ ፍቓድ ውሳኔ’ዚ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 19 ሓምለ ኣብ ግብሪ ዝውዕልን ክሳብ ዕለት 31 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ከኣ ዝቕጽል ምዃኑ መራሔ መንግስቲ ኵባ ማኑወል ማረሮ ከምዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ናይ ኵባ ርእሰ ብሔር ሚገል ዲያዝ ካነልጒድለታት መግንስቲ ነቲ ተቓውሞታት ከም ዝጸለዎ ንመጀመርታ ግዜ ከምእተኣመኑሉን፡ ነቶም ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ብጽልእን ስምዒትን ተደሪኾም ስጒምቲ ከምዝወሰደ ምኽሳስ ጌጋ እዩ፡ እዚ ዓይነት ፍጻመ እዚ ንህዝቢ ኵባ ዝውክሎ ኣይኮነን፡ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኵነት ብጥልቂ ብምምርማር ብሓባር ክንሰግሮን ከይድገም ክንገር ኣሎና። እቲ ኣብዚ እዋን ዝርአ ዘሎ “ዝተሓላለኸ ኵነት” በቶም ሰውራ ኩባ ከይምዕብል ንቕድሚት ከይስጒምን ወይ ምስ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ በርገሳዊ ርክብ ክምዕብል ዘይደልዩ ሰባት ይምዝመዝ ኣሎ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

17 July 2021, 01:21