ኾሮና-ተህዋስ፥ ኣብ ቶክዮ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ስፖርት ኦሎምፒክ ብዘይ ተዓዛቢ ሕዝቢ ኾሮና-ተህዋስ፥ ኣብ ቶክዮ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ስፖርት ኦሎምፒክ ብዘይ ተዓዛቢ ሕዝቢ 

ኾሮና-ተህዋስ፥ ኣብ ቶክዮ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ስፖርት ኦሎምፒክ ብዘይ ተዓዛቢ ሕዝቢ

በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዕን እናተቐያየረ ዝሰፍሕ ብዘሎ ተህዋስ ኾሮና ምኽንያት እቲ ኣብ ቶክዮ ንኽካየድ ተወሲኑ ዝነበረ ዓለም ሓቆፍ ውድድር ኦሎምፒክ ከምተሰጋገረ ዝዝከር ኮይኑ

ኣብ ዓለም ብኾሮና ተህዋስ ተለኺፎም ዝሞቱ ብዝሒ ኣርባዕቲ ሚሊዮን ከምዝበጸሔን ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ እዚዩ ዘስግእ ከምኾነን ፋይዘር ትካል መድሃኒት ብጀካ እቲ ቀዳማይን ክልኣይ ዓቐን ክትባት ሳልሳይ ውጽኢታዊ ዝኾነ ዓቐን ክትባት ክወሃብ ይሓትት ከምዘሎ ይንገር፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መላእ ዓለም ብሰንኪ እቲ ዝርአይ ዘሎ ሓድሽ ደልታ እተሰምየ ካልአ ኮቪድ - 19 ኣዚዩ እናሰፍሔ ምኻዱ የሻቕል ከምዘሎን ለብዒ ኾሮና ተህዋስ ካብ ዝተኸስተሉ እዋን ካሳብ ሕጂ ልዕሊ 4 ሚሊዮን ዝግመት ንሞት ከምዝዳረገን እዚ ቑጽሪ እዚ እውን ክብ ከብሎ ከምዝኽእል ኣብ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ጥዕና ጉዳያት ኣፍሪቃ ሓላፊ ማትሺዲሶ ሞኤቲ፥ ኣብ ታሪኽ ኣብ ዓለም ካብ ዝተኸስቱ ዝተፈላለዩ ለብዕታት እቲ ናይ ኮሮና ተህዋስ ኣዚዩ ዘስክፍ ከምዝኾነን ኣብ ኣፍሪቃ ብዝገደደ ከቢድ ሳዕቤን ከምዝህልዎ ይሕብሩ።

ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ ኣፍሪቃ ሓደ ሚእታዊ ጥራሕ ክትባት ጸረ ኮቪድ ከምእተኸትበ

ናይ ለብዒ ኮሮና ተህዋስ ሳልሳይ ማዕበል ድሮ ጀሚሩን ይሰፍሕ እውን ኣሎ” ዝበሉ ሞኤቲ ኣስዒቦም፥ ዝሓለፈ ሰሙን ድሮ 250 ሺሕ ሰባት ከምእተለኽፉን እዚ እውን ካብቲ ዝሓለፈ ብዕስራ ሚእታዊ ክብ ከምዝበለን እቲ ብደልታ ዝፍለጥ ካልአ ተሕዋስ ኾሮና ኣብ 15 ሃገራት ከምዝኣተወ እውን ገሊጾም፡ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ ኣፍሪቃ 1.19 ጥራሕ ጸረ ኾሮና ተህዋስ ክትባት ከምእተኸትበን ኣብ ዝመጽእ መዓልታት 20 ሚሊዮን ናይ ጸረ ኮሮና ተህዋስ ክትባት ናብ ኣፍሪቃ ክልኣኽ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ዓለም ሓቆፍ ኦሎፕሚክ - ቶክዮ

በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዕን እናተቐያየረ ዝሰፍሕ ብዘሎ ተህዋስ ኾሮና ምኽንያት እቲ ኣብ ቶክዮ ንኽካየድ ተወሲኑ ዝነበረ ዓለም ሓቆፍ ውድድር ኦሎምፒክ ከምተሰጋገረ ዝዝከር ኮይኑ ብዘይ ተዓዛቢ ሕዝቢ እውን ክካየድ ከምእተወሰነን ኣብ ቶክዮ ክሳዕ ዕለት 22 ሓምለ ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዝወሰነ ኣብታ ርእሰ ከተማ ጃፓን በቲ ደልታ እተሰምየ ካልአ ለብዒ ኾሮና ተህዋስ ክልተ ሺሕ ሕዝቢ ከምእተለኽፈ ካብ ጃፓን ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

ፋይዘር ትካል መድሃኒት፥ ሳልሳይ ዓቐን ክትባት ክፍቀድ ይሓትት

ናይ ዓለም ናይ ዕዳጋታት ኤኮኖሚ ብሰንኪ ፍርሂ ረኽሲ ናብ ዝኸፍኤ ቅልውላው የብል ከምዘሎን ዓለም ሓቆፍ መዋሊ ሃብቲ ገንዘብ ነቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ሕቶ ሸርፊ ገንዘብ ንምግጣም 650 ቢሊዮን ዶላር ከምዝመደበን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፋይዘር ትካል መድሃኒት ስላሳይ ዓቐን ክትባት ክወሃብ ካብ ሰበ ስልጣን ዓለም ፍቓድ ከምዝሓተተን እዚ እውን ንኣሳልጦ ጸረ ኣካል ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ዓሰርተ ዕጽፊ ክውስኽ ዝገብሮ እዩ ከምዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 July 2021, 19:00