ቨኔዝዌላ፡ ብጹዕ ኣቡነ ሞሮንታ፥ ክትባት ፖለቲካዊ ጉዳይ ኣይኰነን ቨኔዝዌላ፡ ብጹዕ ኣቡነ ሞሮንታ፥ ክትባት ፖለቲካዊ ጉዳይ ኣይኰነን 

ቨኔዝዌላ፡ ብጹዕ ኣቡነ ሞሮንታ፥ ክትባት ፖለቲካዊ ጉዳይ ኣይኰነን

ቨኔዝዌላ ኣብ ወርሒ ለካቲት እቲ ካብ ቻይና ዝተቐበለቶ ሲኖፋርምን ካብ ሩሲያ ዝተወሃባ ስፑቲንክ ብጠቕላላ 2.7 ሚሊዮን ክትባት ጸረ ኾሮና ተውህዋስ ኣቢላ ቀዳማይ ወፈራ ክትባት ኣበጊሳን ሕጂ እውን በቲ ብኮቫክስ መደብ መሰረት ብዝውሃባ ሓሙሽተ ሚሊዮን ጆህንሶን ኤንድ ጆንሶን ክትባት ጸረ ኾሮና ተህዋስ ኣቢላ ካልኣይ ወፈራ ክትባት ከተሳልጥ ምዃና

ብመርሓ ግብሪ ኮቫክስ መሰረት ሓሙሽተ ሚሊዮን ጸረ ኾሮና ተህዋስ ክትባት ክበጽሓ ምዃኑ ኣብ ዝነገረላ ሃገረ ቨኔዝዌላ ሓድሽ ጐስጓስ ክትባት ጸረ ኾሮና ተህዋስ ከምእተበገሰን እዚ እውን ነቲ ለብዒ ኣብ ምብዳህ ኪደት ኣብ እተካይዶ ጻዕሪ ንዘጋጥማ ዘሎ ከብዲ ጸገም ንምእላይ ሓገዝ ከምዝኾና ናይ ቨነዝዌላ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምኽትል ኣቦ መንበር ገሊጾም፥ ሓኻይምን ኣለይቲ ህሙማንን ተኣፋፍያንን ንዝኾኑ ቀዳምነት ክወሃብ ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቨኔዝዌላ በቲ እተካይዶ መደብ ወፈራ ጸረ ኾሮና ተህዋስ ኣቢላ ኣብ ወርሒ ሓምላ ሓሙሽተ ሚሊዮን ጸረ ኾሮና ተህዋስ ክትባት ክትረክብ ምዃናን በዚ ኣቢላ ነቲ እተሳልጦ ሓድሽ ወፈራ ስርዓት ምክልኻል ኮሮና ተህዋስ ከተበገስ ከምዝኾነትን እቲ ናይ ክትባት መድሃኒት እውን ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ኒኮላስ ማዱሮ ብውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለምን ብዓለም ሓቆፍ ውድብ ሓለዋ ጥዕናን ተሓጊዞም ካብ ጆንሶን ኤንድ ጆንሶን ዝቐረበሎም ከምዝኾነ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣፍሊጦም፥ ሃገሮም ቅድም ክብል ብኣስትራዘነካ ዝጽዋዕ ክልተ ሚሊዮን ናይ ክትባት መድሃኒት ጸረ ኾሮና ተህዋስ ተቐቢላ ከምዝነበረትን ደሓር ግና እዚ ዓይነት ክትባት እዚ ብፍቓዳ ከምዝነጸገቶ ርእሰ ብሔር ማዱሮ ኣፍሊጦም ከምዝነበሩን እዚ እውን ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ጓስጓስ ክትባት ከምዘደናጐዮን ክሳብ ሕጂ 230 ሺሕ ብኾሮና ተህዋስ ከምእተልፉን 3 ሺሕ እውን ከምዝሞቱን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ካልኣይ ወፈራ ክትባት

ቨኔዝዌላ ኣብ ወርሒ ለካቲት እቲ ካብ ቻይና ዝተቐበለቶ ሲኖፋርምን ካብ ሩሲያ ዝተወሃባ ስፑቲንክ ብጠቕላላ 2.7 ሚሊዮን ክትባት ጸረ ኾሮና ተውህዋስ ኣቢላ ቀዳማይ ወፈራ ክትባት ኣበጊሳን ሕጂ እውን በቲ ብኮቫክስ መደብ መሰረት ብዝውሃባ ሓሙሽተ ሚሊዮን ጆህንሶን ኤንድ ጆንሶን ክትባት ጸረ ኾሮና ተህዋስ ኣቢላ ካልኣይ ወፈራ ክትባት ከተሳልጥ ምዃና ናይታ ሃገር ሚኒስትር ሓለዋ ጥዕና ካርሎስ ኣልቫራዶ ሓቢሮም ዜጋታት ንኽኽተቡ ኣብቲ ናይ ምኒስትር ሓለዋ ጥዕና ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝተኸፍተ ፍሉይ መስኮት ክትባት ጸረ ኮቪድ-19 ኣብ ዘሎ ገጽ ክምዝገቡ ጻውዒት ከምዘቕረበ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ቨኔዝዌላ 14 ሚሊዮን ዓቐን ጸረ ኾሮና ተህዋስ ክትባት የድልያ

“ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዝተረኽበ ናይ ክትባት መድሃኒት ኣገዳሲ እውን እነተኾነ ምስ ብዝሒ ሕዝቢ እታ ሃገር ርኢኻ ብሓቂ ውሑድ እዩ” ነዚ ዝበሉ ናይታ ሃገር ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምኽትል ኣቦ መንበር ናይ ሳን ክሮስቶባል ሰበኻ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ማሪዮ ሞሮንታ ክዀኑ እንከለዉ፥ “ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ቨኔዝዌላ ምስ ማሕበር ሓኻይም ኣብ ዘካየዶ ርክብ፥ ቨኔዝዌላ ክሳብ 2021 ዓ.ም. መዛዘሚ ኣብ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ኣስታት 14 ሚሊዮን ዓቐን ጸር ኾሮና ተህዋስ ክትባት ከምዘድልያ ከምእተሓበሮም ገሊጾም፡ ኣብዚ ጓስጓስ ክትባት ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንዝዓዩን ንድኻታትን ተኣፋፍያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ቀዳምነት ክወሃቦም ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ወፈራ ክትባት ብግቡእ ምኽዋን

እቲ ናይ ክትባት ወፈራ ንሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ኣባላት ሓይሊ ምክልኻልን ሓለዋ ጸጥታን ዓበይቲ ሰበ ስልጣናት ሃገርን ቀዳምነት ዝሃበ ምንባሩ ዝገለጹ ብጹዕ ኣቡነ ሞሮንታ ኣስዒቦም፥ “ኣብ ገለ ገለ ዞባታት ግና ከምዚ ከይኮነ ፖለቲካዊ ሕቶ ኮይኑ ከምእተራእየን፡ ሃገር ካብቲ ተላባዒ ሕማም ንምክልኻል ቀዳምነት ካብ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ድኻታትን ተኣፋፍያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ምብጋስ ግንድ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

03 June 2021, 00:04