ዓሌታዊ ፍልያ፥ ካብ መስዋዕቲ ተመሃሮ ናጽነት ንዅሉ ዓሌታዊ ፍልያ፥ ካብ መስዋዕቲ ተመሃሮ ናጽነት ንዅሉ 

ዓሌታዊ ፍልያ፥ ካብ መስዋዕቲ ተመሃሮ ናጽነት ንዅሉ

ኣብቲ ተጸዊዑ ዝነበረ ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብሰላማዊ ኣገባብ ልዕሊ 15 ሺሕ ዝግምቱ ተመሃሮ ክሳተፉ እንከለዉ፡ ሓይሊ ጸጥታ ነቲ ሰላማዊ ስለፊ ንምዕጋት ዘንብዕ ጋዝ ክፍንዉ ምስ ጀመሩ ሓይሊ ጸጥታ በዚ ከይተወሰነ ጠያይጥ ከምዝተኮሰን ብዙሕ ሞትን ማህሰይትን ከምዘስዓበ ይዝከር

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኽሪ መበል ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓመት ዓሌታዊ ፍልያ ከብቅዕ እተለዓዓለ ሕዝባዊ ናዕቢ ብዝተፈላለዩ መደባት ይበዓል ከምዘሎ ክሕበር እንከሎ፡ ብትኽክል ዕለት 16 ሰነ 1976 ዓ.ም. በሸሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ስወቶ ኣብ ጆሃንስበርግ ዞባ ድኻታት መንእሰያት፡ መንግስቲ መላእ ሕዝቢ ቋንቋ ኣፍሪካንስ በስገዳድ ክመሃሮ ኣለዎ እንክብል ዘመሓላለፎ ውሳኔ ብምቅዋም ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ኣድማ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ተቓውሞ ስለፊ ዘካይዱ ዝነበሩ መንእሰያት ቶክሲ ድሕሪ ምፍናዉ፡ ነዚ ስዒቡ እውን መላእ ደቡብ ኣፍሪካ ብዓመጽ ዝተወሓጠትሉ እዋን ዘዘኻኽር እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቋንቋ ኣፍሪካንስ ከም ምልክት ናይቲ ዓፋንን ጨቋንን ባህሊ ገይርካ እዩ ዝርአ ዝነበረ፡ ስለዚ ከኣ እዮም እቶም ተመሃሮ ነዚ ቋንቋ እዚ ምጥቃም ክጻረርዎን እቲ ቋንቋ ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ኵሉ ከመሃሮ ኣለዎ ንዝብል ውሳኔ መንግስቲ እይእዘዝን ዝበለ። እዚ ምርጫ እዚ እውን ብምንቅስቓስ ማሕበር ተመሃሮ ደቡብ ኣፍሪቃ ተደጊፉን መንእሰያት ኣብ ስዌቶ ኣብ ዝርከብ ስታዲዮም ኦርላንዶ ዕለት 16 ሰነ 1976 ዓ.ም. መደብ ተቓውሞ ንኽካየድ ኣዳልዩን ካብ ዝተፈላለየ መንበሪ ድኻታት ተመሃሮ ናብቲ ናይ ስፖርት ሜዳ ዘምረሐ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱን እዚ ማሕበር ምንስቃስ ተመሃሮ ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ 60’ታት ዝተጨፍለቐ ኣብ 1944 ዓ.ም. ዝተወልደ ሃገራዊ ባይቶ ኣፍሪቃ ማለት እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሎዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሰልፊ ሓደ ካብቶም መስረቱ እውን ነልሶን ማንደላ ምዃኖም ይንገር።

ብዙሕ መስዋእቲ ዘኽፈለ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ

ኣብቲ ተጸዊዑ ዝነበረ ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብሰላማዊ ኣገባብ ልዕሊ 15 ሺሕ ዝግምቱ ተመሃሮ ክሳተፉ እንከለዉ፡ ሓይሊ ጸጥታ ነቲ ሰላማዊ ስለፊ ንምዕጋት ዘንብዕ ጋዝ ክፍንዉ ምስ ጀመሩ ሓይሊ ጸጥታ በዚ ከይተወሰነ ጠያይጥ ከምዝተኮሰን ብዙሕ ሞትን ማህሰይትን ከምዘስዓበ ይዝከር። ብዙሓት ብዕድመ ነኣሽቱ ዝኾኑ ዝርከብዎም ብጠቕላላ 618 ከምእተቐትሉን በሸሓት ዝቑጸሩ እውን ማህሰይቲ ከምዝወረዶም ኣብቲ እዋን ብመሰረት ወግዓዊ ምንጭታት ዝተሓበረ ኮይኑ፡ እቲ ሞትን ማህሰይትን ኣብታ ሃገር ንስርዓት ዓሌታዊ ፍልያ ዝቃወም ህዝባዊ ሓይሊ ክበራታዕ ገይሩ እዩ። ብተመሃሮ ዝተበገሰ ካልኦት ኣብ ዝተፈላለየ መዳይ ዝዓዩ እውን ከምእተጸንበርዎን፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ናጻ ክልቀቝን ትምህርቲ ባንቱ ምሉእ ብምሉእ ክዝረዝን ከምኡ እውን ምስ ስርዓት ዓሌታዊ ፍልያ ዝተተሓሕዘ ዘበለ ሕግታት ኵሉ ኪውገድ ዝጠልብ ኮነ።

ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዝሃቦ ምላሽ

ብዛዕባ እቲ ዝተፈጥረ ግጭት ዚገልጽ ምስልታት ንዓለም ከበጽሖ ምስ ጀመረ እዚ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ብዛዕባ ስርዓት ዓሌታዊ ፍልያ ኪግደስ ገበሮ፡ እዚ እውን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ስርዓት ዓሌታዊ ፍልያ ዝኹንኑ ውሳኔታትን ማዕቅባትን ክመሓላለፍ ጀመረ። ነቲ ስርዓት ዓሌታዊ ፍልያ ንምጥፋእ ኣብ ስፖርት ኮነ ኣብ ካልእ ዓውድታት እውን ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ጸቕጢ ተበራተዔ። ኣብ 1980 ዓ.ም. ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዓለም ሓቆፍ ኦሎምፒክ ስፖርት ተኣገደት። ነቲ ኣብ 1976 ዓ.ም. ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ኦሎምፒክ ስፖርት ኣይንሳተፍን ንምባለን ስዒቡ ዝተመሓላለፈ ውሳኔ እዩ።

ቀንዲ ግደ ማንደላ

ነልሶን ማንደላ ናይቲ ምስ ጸረ ስርዓት ዓሌታዊ ፍልያ እተባርዐ ቃልሲ ምልክት እዮም። ንሓያሎ ዓመታት ካብ 1952 ዓ.ም. ደሓር እውን ኣብ 1964 ዓ.ም. ነቲ ጸረ ስርዓት ዓሌታዊ ፍልያ ዝተፈላለዩ ተበግስታት ዝመርሑ ናይቲ ምንቅስቓስ ትእምርቲ ኮይኖም ክረኣዩ ስለ ዝጀመሩ ከምእተኣስሩን ኣብ 1984 ዓ.ም. ሕዝባዊ ባይቶ ደቡብ ኣፍሪቃ ብጸዓዱ ጥራሕ ንኽውከል ውሳኔ ኣመሓላለፈ።  እዚ ኸኣ ጸሊም ወዲ ሃገር ኣባል ህዝባዊ ባይቶ ክኸውን ዝኽልክል ውሳኔ ኣብ 1990 ዓ.ም. ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ፍረደሪክ ደ ክለርክ ነልሶን ማንደላ ናጻ ክልቀቑ ገይሮምን ኣብ 1993 ዓ.ም. ሳላ ማንደላ ዘካይድዎ ጻዕሪ ኣብታ ሃገር ንደሞክራሲ መሰረት ተነብረ ኣብ 1994 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ነልሶን ማንደላ ኣብ ታሪኽ ደቡብ ኣፍሪቃ ንመጀመሪያ ግዜ ጸሊም ርእሰ ብሔር ኮይኖም ተሓርዩ።

17 June 2021, 23:15