ፈረንሳ - ሩዋንዳ፥ ሓባራዊ ተዘክሮ ፈረንሳ - ሩዋንዳ፥ ሓባራዊ ተዘክሮ 

ፈረንሳ - ሩዋንዳ፥ ሓባራዊ ተዘክሮ

ፈረንሳ ሓላፍነት ነይሩዋ ድዩ ኣይነበራን ብዝብል ክልተ ማዕዝን ተገማሚዑ ዝካየድ ዝነበረ ክትዕ ኣይሃሰሰን፡ ነቲ ብዛዕባ ኣብ ሩዋንዳ ዝተኸስተ ጉዳይ ዝምልከት መዛግብቲ ብፍሉይ ጠርኒፉ ሰነዳዊ ጸብጻብ ንኸቕርብ ርእሰ ብሔር ኤማኑኤል ማክሮን ዘቖምዎ ድርገት፡ ፈረንሳ ነቲ ዘካትዕ ጉዳይ ብጥልቂ ንኽትምርምር ከምዝገበራን፥ ፈረንሳ ናይቲ ዝተፈጸመ ጅማላዊ ቅትለት ብቐጥታ ተሓታቲት ቢልካ ናይ ሰብኣዊ ህልቂት ገበነይና ክትብላ ምግናን እዩ ዝኸውን፡ እንተዀነ ብእተፈላለየ ምኽንያት

ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ዝሓለፈ ሓሙስ ዕለት 27 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ኣብ ሩዋንዳ ታሪኻዊ ምብጻሕ ከምዘካይዱን፡ እዚ ምብጻሕ እዚ ድሕሪ እቲ ኣብ 1994 ዓ.ም. ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ጃማልዊ ቕትለት ዓሌት ቱትዚ ስዒቡ ተፈጥሪ ዝነበረ ውጥረት ተኣልዩ ዕርቂ ዘህልው ከምዝኾነን እቲ ኣብ ክልተኣተን ሃገራት ዘሎ ናይ ተዘክሮ ክእለትን ዓሚዩቕ ድላይን ነቲ በሰላ ከይሓኸኻ ነቲ ዝግበር ዘሎ ሓድሽ ምቅርራብ ባይታ ዝፈጠረ ምዃኑ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ 1994 ዓ.ም. ኣትሒዙ ሰበ ስልጣን ፈረንሳ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሩዋንዳ እተፈጸመ ጃማልዊ ቕትለት ኣብ ልዕሊ ዓሌት ቱትዚ፥ ፈረንሳ ሓላፍነት ነይሩዋ ድዩ ኣይነበራን ብዝብል ክልተ ማዕዝን ተገማሚዑ ዝካየድ ዝነበረ ክትዕ ኣይሃሰሰን፡ ነቲ ብዛዕባ ኣብ ሩዋንዳ ዝተኸስተ ጉዳይ ዝምልከት መዛግብቲ ብፍሉይ ጠርኒፉ ሰነዳዊ ጸብጻብ ንኸቕርብ ርእሰ ብሔር ኤማኑኤል ማክሮን ዘቖምዎ ድርገት፡ ፈረንሳ ነቲ ዘካትዕ ጉዳይ ብጥልቂ ንኽትምርምር ከምዝገበራን፥ ፈረንሳ ናይቲ ዝተፈጸመ ጅማላዊ ቅትለት ብቐጥታ ተሓታቲት ቢልካ ናይ ሰብኣዊ ህልቂት ገበነይና ክትብላ ምግናን እዩ ዝኸውን፡ እንተዀነ ብእተፈላለየ ምኽንያት ነቶም ጃምላዊ ቕትለት ዝፈጸሙ ሰባት ዕሽሽ ከምዝበሎቶም ምንጋሩ ቅኑዕ ምዃኑ ዝሕብር እዩ።

ስለዚ እቲ ጸብጻብ ዱክለርት ንፈረንሳ ጥራይ ዘይኮነ ንሩዋንዳ እውን ኣብቲ ኣብ 1994 ዓ.ም. ዘጋጠመ ዘሕዝን ልዕሊ 800 ሺሕ ዜጋታት ሩዋንዳ ንሞት ዝዳረገ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ኣነጺሩ ዝሕብር ክኸውን እንከሎ፡ ክሌኣዊ ርክባት ፍረንሳን ሩዋንዳን ዘህድእ ምዃኑ ይንገር።

ታሪኻዊ ምብጻሕ

ርእሰ ብሔር ኤማኑኤል ማክሮን ካብ 1994 ዓ.ም. ንደሓር ኣብ 2010 ዓ.ም. ናይ ፍረንሳ ርእሰ ብሔር ዝነበሩ ኒኮላስ ዛርኮዚ ኣብ ሩዋንዳ ምብጻሕ ዘካየዱ ካልኣይ ርእሰ ብሔር ከምዝኾኑን፥ እቲ ዕለት 27 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ዘካየድዎ ምብጻሕ “ኣብ መንጐ ክሌኣዊ ርክባተን ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍትን፡ ንቡር ርክብ ዘአንፍትን” ምዃኑ እዩ ዝንገረሉ ዘሎ። ማክሮን ኣብቲ ናይ ጃምላዊ ቕትለት ናይ ዝኽሪ ቦታ በጺሖምን መደረ ከምዘስምዑን ምስቶም ካብቲ ጃምላዊ ቕትለት ዝደሓኑ እውን ከምእተራኸቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጐ ፈረንሳን ሩዋንዳን ክሌኣዊ ርክብ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ብወገን ፈረንሳ ዝተወስደ እወታዊ ስጉምትን ብዛዕባ ሰነድ ዱክለርትን ኣማእኪለን ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዳ ተወልዳቲ በልጅም ንርዋንዳ ኣጸቢቐን ዝፈልጣኣን ነቲ ናይ 1994 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ጃማላዊ ቕትለት ብዓይነን ዝረኣያን ናይ በልጅም ለ ሶየር ናይ ኣተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ጋዜጠይና ኮለት ብሬክማን፥ “እቲ ምብጻሕ ብሓቂ ታሪኻዊ እዩ፥ እቲ ዳክለርት ዘቕረቦ ጸብጻብ “ሓቂ ዘዓውትን፥ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍትን ፈረንሳ ነቲ ሓቂ ክትፈልጦን ከተለልዮን ምናልባት እውን ሳዕቤናታ ከተዕሪ ዝድርኻ ኣገዳሲ እዩ፥ ካብቲ ዘሀልዎ ሰናይ ክሌላኣዊ ክርብ ክንየው እውን ንሕዝቢ ነቶም ካብቲ ጃምላዊ ቕትለት ዝተረፉን ኣባይቲ ስድራ ቤት ምውዋትን ስነ ኣእምሮኣዊ ምጽንናዕ እዩ” ይብላ።

እቲ ናይ ርእሰ ብሔር ማክሮን ናብ ሩዋንዳ ምብጻሕን ፈረንሳ ዘለዋ ሓላፍነትን በኣረኣእያ በልጅማዊት ጋዜጠይና፥ ነቲ ኣብ 1994 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ክጻረ ዝቐረበ ሕቶን ሰበ ስልጣናት ነዚ ጉዳይ እዚ ዝህብሉ ዝነበረ ዘሰሓሕብ መልስን ኣብ መንጐኦም ዝፈጥሮ ዝነበረ ዘይምርድዳእን ናብ ሓቂ ዘብጽሕ ጸብጻብ ኮይኑ፡ እቲ ምብጻሕ እውን ናይቲ ጸብጻብ ድምዳመ ዘኽብርን ንሕዝቢ ፈረንሳ እውን ዓቢይ ጥቕሚ ዘለዎ እዩ፡ ፈረንሳ ምስ ሩዋንዳ ሓድሽን ሰናይን ርክብ ክህልዋ ካብ ምግባር ሓሊፉ ፈረንሳ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ክሌኣዊ ክርብ ዘመሓይሽን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ፈረንሳ ዘለወን ኣርኣእያ ንኸመሓይሻ ዝድርኽ ምዃኑ ይሕብራ።

ርክባት ንቡር ምግባር

እቲ ምስ ፈረንሳ ዝተፈጥረ ዕርቂ ንርእሰ ብሔር ካጋሜ ርትዓዊ ምዃኑ ጋዜጠይና ኮለት ብሬክማን ገሊጸን፥ “ፓሪስን ኪጋሊን ብሓባር ንዘካየድኦ ጸረ ኣሸበርቲ ቃልሲ ዘበራትዕ እዩ፡ ኪጋሊ ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዓቃቢ ሰላም ኣብ ዘካይዶ ሓለዋ ጸጥታን ድሕንነትን ወተሃደራታ እተሳትፍ ዘላ ሃገር እያ፡ ሩዋንዳ ናብ እወታዊ ፍልቀት ተብል ዘላን ንሰላም ዘይሕለል ጻዕሪ እተካይድ ሃገር እውን እያ፡ ክልተኣተን ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃ እወታዊ ግደ ክህልወን ዝገብር፡ ኣገዳሲ ተበጽሖ እዩ” ይብላ።

ጋዜጠይና ኮለት ብሬክማን፥ እዚ ሓድሽ ርክብ ፈረንሳን ሩዋንዳን፥ ይብላ ሩዋንዳውያን ምስ ኮንጐኣውያን ዋላ’ኳ ኣብ መንጐ ናይ ክልቲኣተን ሃገራት መንግስታት እቲ ክሌኣዊ ርክብ ብወግዒ ኣገባባቱ ናብቲ ንቡር ዝተመልሰ እውን እንተኾነ፡ ኣብ መንጐ ናይ ክልቲኣተን ሃገራት ሕዝብታት ሰናይ ርክብ ክህሉ ዘተባብዕ እዩ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐን ሩዋንዳን ሕድሕዳዊ ዘይምትእምማን ክህሉ ዝገበረ ኣብ ልዕሊ ኮንጐ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ዝተፈጸመ ገበን ርእሰ ብሔር ካጋመ ኣብ ቀረባ እዋን እውን ምስ ፈረንሳ 24ን ከምኡ እውን ኣርየፍኣይ ምስ እተሰምያ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣብ ልዕሊ ምስራቓዊ ዞባ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ብሩዋንዳውያን ዝተፈጸመ ገበን የሎን ዝብል ብኣጽንዖት ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣብልዕሊ ሕዝቢ ኮንጐ ብርቱዕ ስምዒት ዘለዓዓለ ጉዳይ እውን ይኹን፡ እቲ ናይ ሕዝብታት ርክብ ንኽመሓየሽን ዕርቅን ፍትሕን ርትዕን ንሰናይ ክሌኣዊ ርክብ መሰረት ምዃኑ ዘነርጽ ምብጻሕ እዩ ኢለን።

31 May 2021, 23:37