ጅሃዳዊ መጥቓዕት ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ቡርኪና ፋሶ ጅሃዳዊ መጥቓዕት ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ቡርኪና ፋሶ 

ጅሃዳዊ መጥቓዕት ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ቡርኪና ፋሶ

ኣብቲ ከባቢ ሰላም ውሑስ ንምግባር ድሮ ናይ ፈረንሳ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ከምዘለዉን ኣብ ቀረባ እዋን እውን ናይ ኢጣሊያ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ዝርከብዎም ካብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዝተዋጽኡ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ዝጽበርዎ ስርሒት ከምዝኸውን

ኣብ ቡርኪናፋሶ ጅሃዳውያን ኣብታ ንናይ ብሔራዊ ጸጥታ ድሕንነትን ወለንተይና ኣባላት ንምዕላም ዝተሓንጸጸ መደብ ኣብ ዝተቐበለት ቑሸት መጥቓዕቲ ከምዝፈጸሙን ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ እውን ሰለስተ ኤውሮጳውያን ዜጋታት ከምዝቐተሉ ክዝከር እንከሎ፡ ኣብታ ሃገር ኣሸበርቲ መኽራርቲ ሃይማኖት ምስልምና ብተድጋጋሚ ዝፍጽምዎ ዘለዉ መጥቓዕቲ ብሓፈሻኡ ነቲ ኣብ ሃገራት ሳሄል እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ግብረ ሽበራ ንምዕጋት ዓለም ሓቆፍ ሓይሊ ጸጥታ ክለኣኽ ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ይቐርብ ከምዘሎ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካም ማርኮ ጉወራ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቡርኪናፋሶ ምብራቓዊ ዞባ ምስ ኒጀር ኣብ ዘዳብው ከባቢ ኣብ እትርከብ ኮድየል ኣብ እተሰምየት ቑሸት ጅሃዳውያን ብዝፈጸምዎ ግብረ ሽበራ 30 ሰባት ከምእተቐትሉን ካልኦት ልዕሊ 20 ዝግመቱ እውን ማህሰይቲ ከምዝወረዶምን እቶም ኣሸበርቲ ነታ ቑሸት ከቢቦም ብምሓዝ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣባይቲ እናኣተዉ ዝፈጸመዎ ግብረ ቅትለት እውን ምዃኑ ካብ ቡርኪናፋሶ ናይ መንግስቲ ኣካላት ዝሃብዎ ሓበሬታ ዝጠቐሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጉወራ ኣስዒቦም፥ እቶም ጅሃዳውያን እታ ቑሸት መንግስቲ ኣብ መላእ ቡርኪናፋሶ ዘሳልጦ ዘሎ ንናይታ ሃገር ሓይሊ ምክልኻል ሓገዝ ዝኾኑ ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ወለንተይና ኣባላት መደብ ታዕሊም ተቐቢላን ኣብቲ መደብ ታዕሊም ተሳታፊት ብምዃና ዝፈጸመዎ መጥቓዕቲ ከምዝኾነ ናይ መግንስቲ ኣካላት ከምዝሓበሩ የመላኽቱ።

እቶም ኣሸበርቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ክልተ ጋዜጠይናታት ተወለድቲ ስፐይንን ሓደ ተወላዲ ኣየርላንድ ናይ ማሓድሮ ተኻናኻኒ ማሕበር ኣባልን ከምዝቐትሉ ክዝከር እንከሎ፡ እቶም ምስ ዓልቃይንዳን ዳዒሽን ምትእስሳር ዘለዎም ኣሸበርቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ሞትን ራዕድን ይዘርኡ ከምዘለዉ ጐወራ ሓቢሮ፥ ኣብ ሃገራት ዞባ ሳሄል ግብረ ሽበራ እናሰፈሔ ይኸይድ ከምዘሎን እዚ እውን ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው የብእሶ ምህላዉን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፥ ኣብ ዞባ ሳሄል ልዕሊ 29 ሚሊዮን ዝግመቱ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝን ዑቕባን ከምዘድልዮምን ብዝሒ ናይቶም ረድኤት ዘድልዮም ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብሓሙሽተ ሚሊዮን ክብ ከምዝበለ ኣፍሊጡ፡ እቶም ጅሃዳውያን ኣብቲ ከባቢ ሃይማኖትን ዓሌትን መሰረት ዝገበረ ወጥረት የስፍሑ ከምዘለዉ የመላኽት።

መጽሔት - ኣፍሪቃ፥ ቡርኪናፋሶ ተነቃፊት ሃገር

እቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝርአይ ዘሎ ዓመጽ ናይቲ ኣብ ዞባ ሳሄል ዘሎ ቅልውላው መግለጺ እዩ፡ ቡርኪናፋሶ ካብ 2015 ዓ.ም. ኣትሒዛ ናብ ደሞክራሲያዊ ስርዓተ ከተብል ኣብ ዘኽእላ መገዲ ትጓዕዝ ከምዘላን፡ ፖለቲካዊ ተቕዋማታን ሓይሊ ምክልኻል እውን ሰንኮፍ ብምዃኑ ነቲ ኣሸበርቲ ዝፍጽምዎ መጥቓዕቲ ድዩ ዝነዝሕዎ ዘለዎ ራዕዲ ንምብዳህ ይሰኣኖ ከምዘሎ መጽሔት ኣፍሪቃ ናይ እተሰምየ ሰሙናዊ መጽሔት ጋዜጠይና ናይ ከባቢ ሳሄል ፖለቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ጉዳይ ተንታኒ ኤንሪኮ ካዛለ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝአካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ ዞባ ሳሄል ብቅልውላው ካባቢ ኣየር ኣዚዩ ዝጥቓዕ ዘሎን ኣብ ልዕሊ እዚ እውን ኣሸበርቲ ዕጡቓት ሓይሊ ዝፍጽምዎ ዘለዎ ግብረ ሸበራ ተወሲኽዎን ብውሕዱ 30 ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ኵለ መዳያዊ ሓገዝን ዑቕባን ዘድልዮ ኮይኑ ከምዘሎን እቲ ከባቢ ዘይሕጋዊ ዝውውር ንግድ ኣጽዋር ውግእን ንግድ ዕጸ ፋርስን ዘይሕጋዊ ሽጋራን ንግድ ሰብን ብሰፊሕ ዝርአየሉ እዩ ኢሎም።

ዓለም ሓቆፍ መልሲ

ኣብቲ ከባቢ ሰላም ውሑስ ንምግባር ድሮ ናይ ፈረንሳ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ከምዘለዉን ኣብ ቀረባ እዋን እውን ናይ ኢጣሊያ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ዝርከብዎም ካብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዝተዋጽኡ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ዝጽበርዎ ስርሒት ከምዝኸውን ካዛለ ሓቢሮም፡ ብውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ዝምራሕ ዓቃቢ ሰላም ናብቲ ከባቢ ምልኣኽን ናይ ከባቢ ሳሄል ሃገራት ሓይሊ ምክልኻል ዝድግፍ ጸረ ዓመጽን ጸረ ሽበራን ስርሒት  ኣገዳሲ እዩ፥ በዚ ኣገባቢ እዚ ኣቢልካ እውን ኣብቲ ከባቢ ስርዓት ደሞክራሲ ክሰርጽ ምግባር የድሊ፥ እዚ እዩ ናይቲ ከባቢ ሃገራት ሓድነትን ማዕርንትን ፍትሕን ውሑስ ዝገብር እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

05 May 2021, 15:58