ኣርመናዊ ፓትሮያርክ ቅዱስ ነርሰስ ኣርመናዊ ፓትሮያርክ ቅዱስ ነርሰስ  

ብዩነስኮ ዓበይቲ ሰባት ተባሂሎም ካብ ዝኽበሩ ኮፐርኒከስን መንደልን ተረዛ ዘሊሰን

ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ትምህርትን ስነ ፍልጠትን ባህልን ዝሓልይ ማሕበር ካብ 2022 ክሳብ 2023 ዓ.ም. ዝበዓሉ ኣብ ዓለም ብዝተፈላለየ ናይ ስነ ፍልጠትን ባህልን መዳይ ዓቢይ ኣበርክቶ ዘለዎም እንክብል ካብ ዝሰመዮም ስልሳ ሰባት፡ ኣርባዕተ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ከምዝርከብዎም

 ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ትምህርትን ስነ ፍልጠትን ባህልን ሓልዮ ማሕበር ፈጻሚ ኣካል ኣብ ክልተ ዓመት ውሽጢ ካብ 2022 ክሳብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ንኽበዓለሎም ናይ ስልሳ ሰባት ኣስማት ብድምጺ ውሳኔ ከምዘጽደቐን ካብዚኣቶም እውን ናይ ስነ ሰብእን ቲዮሎጊያን ሊቅ ጥንታዊ ኣርመናዊ ፓትሮያርክ ቅዱስ ነርሰስ እውን ሓደ ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ቅድስቲ ተረዛ ዘሊሰን
ቅድስቲ ተረዛ ዘሊሰን

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ስነ ሕሳብን ናይ ስነ ከዋኽብቲ ተመራማሪ ሊቅ እቲ ጥንቲ ዝነበረ መሬት ማእከል መላእ ዓለም ዝብል ህልዩ ዝቐየረን ናብ እዋናውነት ዘሰጋገረን ካብ ፈረሰይናን ደቂ ዓበይትን ተባሂሎም ኣብቲ እዋን ካብ ዝፍለጡ ዝነበረ እሞ ደሓር ጳጳስን ቅዱስን ዝተባህለ፡ ኣብ 300 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን ብቐዳምነት ሕዝቢ ኣምላኽ ዝብል ምዃኑ ነቲ ቤተ ልኡላን ዝብል ዝነበረ ኣመለኻኽታ ዝቐየረን፡ ኩሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ማዕረ እዩ ዝበለን፡ ናይ ሰብኣዊ ሕይወት ዓቢይ ሂምታ (big bang) ዝፈለየ፡ ናይ ስነ ሕይወት ተመራማርቲ፡ እዚ ኸኣ ብኣመንቲ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ዓለም ካብ ዝድነቑን ኣብቲ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ትምህርትን ስነ ፍልጠትን ባህልን ሓልዮ ማሕበር ተኸበርቲ እንክብል ካብ ዘስፈሮም 60 ኣስማት፡ ኒኮላውስ ኮፐርኒኩስን ነርሰስ ዓቢይን ጆርጅ መንደልን ቅድስቲ ተረዛ ዘሊሰን ብዝተፈላለየ መገዲ ንደቂሰብ ድማዕ ዓቢይ ኣበርክቶ ዝገበሩ ናይ ክርስቲያናዊ ብልሂ መግለጺ ዝኾኑን እቲ ቀዳማይ ካህን ኣቲ ካልእይ ጳጳስ እቲ ሳልሳይ ኣባል ማሕበር ገዳመ ኣጐስጢኖስን ኣባል ማሕበረ ደናግል ቀርመለሳውያንን ከምዝርከብዎም ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ጆርጅ መንደልን
ጆርጅ መንደልን

ጽምብል ኣብ 2022ን 2023 ዓ.ም.

ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ትምህርትን ስነ ፍልጠትን ባህልን ዝሓልይ ማሕበር ካብ 2022 ክሳብ 2023 ዓ.ም. ዝበዓሉ ኣብ ዓለም ብዝተፈላለየ ናይ ስነ ፍልጠትን ባህልን መዳይ ዓቢይ ኣበርክቶ ዘለዎም እንክብል ካብ ዝሰመዮም ስልሳ ሰባት፡ እቶም ኣርባዕተ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ከምዝርከብዎምን ንሳቶም ከኣ፥ መንደል ኣብ 2022 ዓ.ም. መበል 200 ዓመት ልደቱን ቅድስቲ ተረዛ ዘሊሰ ኣብ 2023 ዓ.ም. መበል 150 ዓመት ልደታን፡ ኮፐርኒኵስ መበል 550 ዓመት ውልደቱን ነርሰስ ዓቢይ መበል 850 ዓመት ኣብ ሰማይ ቤት ውልደቱን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ክኽበር እዩ። እዞም ኣርባዕተ ገዳማውያን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ተወላደቲ ፖላንድን ረፓብሊክ ቸክን ኣርመንያን ፈረንሳን ከምዝኾኑ ደ ካሮሊስ የዘኻኽሩ።

ኒኮላውስ ኮፐርኒከስን
ኒኮላውስ ኮፐርኒከስን

በሳል እምነት ባህሊ የፍርይ

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሕንጸትን ስነ ምርምርን ባህልን ጉዳይ ዝከታተል ማሕበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ፎሎ ምዛዕባ እቲ ውሳኔ ናይ ሕንጸትን ስነ ምርምርን ባህልን ጉዳይ ዝሓልይ ማሕበር ኣመልኪቶም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “በሊሕ ክርስትና ኣብ ኵሉ ዓይነት ዓውድታት ናይ ምዕያይ ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ክውለዱ ይገብር”፥ እቲ ውሳኔ ኣብ ሕበራዊ መዳይ ሃይማኖት ናይ ዘተ ርእሰ ጉዳይ ክኸውን ዝወሃቦ ቦታ እናሰፈሔን ክብ እናበለን ይኸድ ምህላዊ ዘረጋግጽ እዩ፡ ውልቃዊ ጉዳይ ዝበሃል ዘይኮነ ማሕበራዊ ጐድኑ ዘረጋግጽ ውሳኔ እዩ ቢሎም ምክብባርን ምቅብባልን ዝብሉ ክብርታት ዝምልከት እውን እዩ፡ ገለ ገለ ሃገራት እውን ብዛዕባ ባህልን ሕንጸትን ንኽንዛረብ ብዘይ መንፈሳውን ሃይማኖታውን ሕንጸት ከመይ ገርና ክንዛረብን ክንሓስብን ንኽእል ዝብል ሕቶ እውን ከልዕሉ ይስማዕ ኣሎ፡ ክርስትና ንኤውሮጳ ኵለ መዳያዊ ቅርጺ ዘውሃበን ኣናስራ እውን እዩ፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፥ ባህሊ ዘይኸውን እምነት ብሱል እምነት ኣይኮነ ከምዝበልዎ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

19 April 2021, 20:07