ናይ ኒጀር ርእሰ ብሔር ሞሃመድ ቦዙም ናይ ኒጀር ርእሰ ብሔር ሞሃመድ ቦዙም  

ህልቂት ኣብ ኒጀር፥ ናይ ዝቕተሉ ዜጋታት ቁጽር ክብ ይብል

ኮምቦናዊ ካህን ናይቲ ማሕበር ኒግሪዚያ ናይ እተሰምየ መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኮይኖም ዘገልገሉ ኣባ ኣውረሊዮ ቦስካይኒ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ኒጀር ከምተን ጎረባብታ ማሊን ናይጀሪያን ካብ ዕለት ናብ ዕለት ጅሃዳውያን ብዝፍጽምዎ መጥቓዕቲ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ንሓደጋ ዝተቓልዓላ ሃገር

ኣብ ምዕራባዊት ዞባ ኣፍሪቃ እትርከብ ኒጀር ጅሃዳውያን ዝፍጽምዎ ዘለዉ መጥቓዒት ኣዚዩ ክብ እናበለ ይኸይድ ምህላዉ ይንገር። ዕለት 22 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ጅሃዳዊ መጥቓዕቲ ኣዚዩ ዘስካሕክሕን መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣረመናዊ ተግባር እንክብል ኮኒኑ እቶም ግብረ ሽበራ ዝፈጸሙ ኣልቦ ስርዓተ ሕግን እምነት እንክብል ከምዝገለጾምን፥ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኮምቦናዊ ኣባ ኣውረሊዮ ቦስካይኒ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ቅዱስ ኣቦና ዝላበውዎ ጐደና ዘተ ጥራሕ እዩ ናብ ሰላም ዘብጽሕ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኒጀር ብዘይ ሰላም ሎሚ እውን ጅሃዳውያን ብዝፍጽምዎ ዘስካሕክሕ መጥቓዕቲ ናይ ሞትን ማሕሰይትን ራዕድን መሬት ኮይና ትርከብ፡ ዕለት 22 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ካብቲ ኒጀር ምስ ማሊ ዘዳብው ከባቢ ዞባ ታሁ ዝመጹ ጅሃዳውያን ብዝፈጸመዎ መጥቓዕቲ 137 ሰባት ከምእተቐተሉን ናይታ ሃገር መንግስቲ ወሃቢ ቃል ዛካሪያ ኣብዱራሕማነ ኣብ ናይ ሃገሮም ብሔራው መደብር ረለቪዥን ተርኺቦም፥ እቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ዘስካሕክሕ እንክብሉ ከምዝገለጽዎን መንግስቲ ኒያመይ እውን ንሰለስተ መዓልቲ ብሔራዊ መዓልቲ ሓዘን ከምዝኣወጀ ይንገር።

ኣልቦ ሕግን እምነትን

ነቶም ዘሰንብድን ዘስካሕክሕን ንሹድሽተ መዓልቲ ዝቐጸለ ዓመጽን መጥቓዕትን ዝፈጸሙ፡ ኣልቦ ሕግን እምነትን እንክብል ናይ ኒጀር መንግስቲ ገሊጹ፡ ኣረመናዊ ተባር ሰላምዊ ናይ ሓባር ናብራ ዘናውጽን ኣብ መንጐ ሕዝቢ ግጭትን ዓመጽን ዘይምትእምማንን ዝዘርእን ምዃኑ ዝሓለፈ ሰሙን ንሞሃማዱ ኢሱፉ ዝተኽኡ ናይታ ሃገር ናይ ሕገ መግንስቲ ኣኽባሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሰዓሪ ቢሉ ኣፍልጦ ዝሃቦም ብ55.66 ሚእታዊ ድምጺ ኣብ ልዕሊ እቶም 45.34 ሚእታዊ ድምጺ ዝረኸቡ ተፎካኻሪኦም ሞሃማድ ኡሳማነ ዝሰዓሩ ናይታ ሃገር ሓድሽ ርእሰ ብሔር ኮይኖም ዝተመርጹ ሞሃመድ ቦዙም ከምዝገለጹ ይንገር።

ዘድሊ መፍትሒ ካብ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣይኮነን

ኮምቦናዊ ካህን ናይቲ ማሕበር ኒግሪዚያ ናይ እተሰምየ መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኮይኖም ዘገልገሉ ኣባ ኣውረሊዮ ቦስካይኒ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ኒጀር ከምተን ጎረባብታ ማሊን ናይጀሪያን ካብ ዕለት ናብ ዕለት ጅሃዳውያን ብዝፍጽምዎ መጥቓዕቲ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ንሓደጋ ዝተቓልዓላ ሃገር ትኸውን ከምዘላን፡  ዘይምርግጋእ ምስ ድኽነት ዝተተሓሕዘ ንሓሰራን መከራን ንስእነት ሰላም ዘቃልዕ ምዃኑ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርአ ዘሎ ሓቂ እዩ ኢሎም።

ር.ሊ.ጳ. ዘተ ክስዕር ዘቕርብዎ ጽዋዒት

እቲ ኣብ ኒጀር ዝረአይ ዘሎ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ውሽጣዊ ዘይኮነ ዞባዊ ሓቆፍ መሰረተ ዘለዎ ስርሒት እዩ፡ ማውሪታኒያ ኒጀርን ሰሜን ናይጀሪያን ዘጠቓልልን ብሓፈሻኡ ንዞባ ሳሄል ዝምልከት ጅሃዳዊ ፖለቲካ ዝፈጥሮ ዘሉ ኵነት እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ምስተን  ናይተን ሃገራት መንግስታት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ክንየው ኩሉ ምስሕሓብ፡ ዘተ ከቐድሙ ከምእተላበዉን እቲ ንብዙሕ ዓምታት ኣብ ሰላም ዝነበረ ሕዝቢ ሎሚ እዚ ሰላም’ዚ ክሕረሞ ክፈቅድ የብሉን፡ መሰረታዊ መፍትሒ ካብ ዘተ ምዃኑ ኣሚሉ ኣብ መገዲ ዘተ ክጓዓዝ እዩ ዘለዎ ኢሎም።

ቤተ ክርስቲያንን ልኡካነ ወግኔልን

ኣባ ቦስካይኒ ኣብ በኒኒ ልኡካነ ወንጌል ኮይኖም ንዓመታት ከምዘገልገሉን፡ ነቲ ሕዝቢ ዘለዎም ኣድናቖት ገሊጾም፡ ኣባ ማካሊ ኣብ ኒጀር ተጨውዮም ዝነበሩ ልኡካነ ወንጌል ድሕሪ ክልተ ዓመት ናጻ ዝተለቁን ኣብቲ ከባቢ ዘገልግሉ ልኡካነ ወንጌልን ኣብኡ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ሕዝቢ ናይቲ ሕዝቢ ኩነት ብሓባር እትነብርን እትካፈልን ምዃና ዝምስክር እዩ፡ ኣብ ኒጀር ማሕበረ ክርስቲያን ውሁዳን እያቶም ይኹን ደኣ እምበር ቤተ ክርስቲያን ብኣባይቲ ትምህርትን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ብኻልእ ዝተፈላለዩ መደብ ሕንጸት ኣቢላ ንሕዝቢ ቀረባ ብምዃን ንኹሉ እተገልግልን ማበራዊ ሰላም ውሑስ ኣብ ምግባር ኣበርቲዓ እትዓዪ እያ። ህልው ኩነታት ዘፍርሕ እውን እንተኾነ፡ ፍቕሪ ኢየሱስን ኵላዊ ሕውነት ምብሳርን ነቲ ዝሳቐይ ሕዝቢ ቀረባ ምዃን ዘራኢ ሰላም ይገብር እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

25 March 2021, 13:23