ምያንማር ካብ ደልሃመት ንምድሓን ምያንማር ካብ ደልሃመት ንምድሓን 

ምያንማር ካብ ደልሃመት ንምድሓን

ዕለት 17 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምያንማር ዘሎ መዓት ዝበጽሖም ሓበሬታ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሕይወት መንእሰያት ዘንጸላልው ዘሎ መዓት ኣዚዩ ዘሕዝኖምን ልቦብ ብጓሂ ዝመልኦን ምዃኑ

ዕለት 23 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ሎ ሶርቫቶረ ሮማና - ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ምያምናር ካብ ደልሃመት ምድሓን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ብዘቕረቦ ሓተታ፥ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ውጥረትን ዓመጽን ብሰፊሕ ተንቲኑ፥ እዚ ገና መዕለቢ ዘይረኸበ ሁከት ንዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ናይ ሕልና ሕቶ ምዃኑን ንሕዝቢ እታ ሃገር ካብቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝፍጽሞ ዘሎ ዓመጽ ምድሓን ሓላፍነት ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ከምዘስመረሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ህዝቢ ምያንማር ዝከላኸለሉ ስኢኑ ኣብ ስቓይ ኣብ ዘለሉ እዋን፡ ማሕበርሰብ ዓለም ነቲ ከቢድ ኵነት ካብ ምውጋዝ ክንየው ዘይብል ውሳኔ ከመሓላልፍ ጥራሕ እዩ ዝረአይ ዘሎ፡ ኣብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ናይ ምያንማር ወኪል ከምዝገለጹን፡ እቲ ኣብ ምያንማር ዘሎ ኵነት ፖለቲካዊ ክትዕ ወይ ውን ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ዘለዓዓልዎ ቅኑዕ ምንጽጻር ኣይኮነን። ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሞ ዘሎ ዓመጽ ዘሰክፍ ጽንኩር ኩነት እዩ ስለዚህ እደ ኣታውነት ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ይጠልብ ከምዝበሉን፡ ኣብ ምያንማር ዘሎ ህልው ኵነታት ከም ዘለዎ እንተድኣ ቀጺሉ ኣናረኣኻ ከምዘይረኣኻ ምዃን ኣብ ቅድሚ እቲ ጭካኔ ዝተመልኦ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝፍጸም ዘሎ መቕተልቲ ተሓታቲ ዝገብር ምዃኑ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ  ይሕብር።

ዕለት 18 መስከረ 1999 ዓ.ም. ዘ ኤኮኖሚስት እተሰምየ መጽሔት ኣብቲ እዋን ናይ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ዝነበሩ ነፍሰ ሄር ኮፊ ኣናና ኣብቲ እዋን ዝነበረ ህልው ኩነታት ምያንማር ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ብቕልጡፍ እደ ኣታውነት ብምግባር መላእ ሕዝቢ እታ ሃገር ካብ ስቓይ ክብጀው ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ሰባኣዊ መሰልን ክብርን ሕይወት ንጹሃን ዜጋታትን ምክልኻልን ንሕብዚ ናይ ሕይወት ተስፋ ምቕራብ የድሊ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ንንባብ ኣብ ዘብቀዖ ሓተታት ይዝክር።

ዕለት 17 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምያንማር ዘሎ መዓት ዝበጽሖም ሓበሬታ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሕይወት መንእሰያት ዘንጸላልው ዘሎ መዓት ኣዚዩ ዘሕዝኖምን ልቦብ ብጓሂ ዝመልኦን ምዃኑ ገሊጾም፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኣተኵሮ ክገብረሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ክዝከር እንከሎ፡ “ኣነ እውን ኣብ ጐደናታት ምያንማር ኣእዳወይ ንላዕሊ ሓፍ ኣቢለን ተምበርኪኸን ዘተ ሓለፋ ክበሃልን ምፍሳስ ደም ከብቅዕን፡ ንዘተ ሓለፋ በሉ” ብዝብላ ቃላት ምእንቲ ምያንማር ከምእተማሕጸኑ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣብ ዘቕረቦ ሓተታ የዘኻኽር።

25 March 2021, 13:27