ኣብ ኮንጐ ዝተቐትሉ ናይ ኢጣሊያ ልኡካነ መንግስቲ 43 ዓመት ዝዕድመኦም በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን ሉካ ኣታናሲዮ ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግስቲ ኣብ ኮንጐ ዝተቐትሉ ናይ ኢጣሊያ ልኡካነ መንግስቲ 43 ዓመት ዝዕድመኦም በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን ሉካ ኣታናሲዮ ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግስቲ  

ኣብ ኮንጐ፥ መቕተልቲ ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግስትን ኣባል ወተሃደራዊ ሓለዋ ጸጥታን

ነፍሰ ሄር ልኡከ መንግስቲ ኣታናሲዮ ኣብ 2020 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ናሲሪያ እተሰምየ ናይ ሰላም ስልማት ብቑዕ ተባሂሎም ተሰላሚ ከምዝኾኑን ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ሰላም ክረጋገጽን ጸገም ናብ ዘለሉ ዞባ ሰብኣዊ ኣገልግሎትን ሓገዝን ክበጽሕ ብዙሕ ዝጽዕሩ ለጋስን ናይ ኣገልግሎትን ተወፋይነት መንፈስ ዝዓሰሎምን

ዕለት 22 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ኣብ ልዕሊ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዕጁባት መጓዓዝያ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣብታ ሃገር ናይ ኢጣሊያ ልኡካነ መንግስቲ 43 ዓመት ዝዕድመኦም በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን ሉካ ኣታናሲዮን ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግስቲ ወተሃደራዊ ሓለዋ ጸጥታ ኣባል 30 ዓመት ዝዕድመኦም ቪቶሪዮ ያኮቫቺን ናይታ መጓዓዚያ ማኪና መራሒ ተወላዲ እታ ሃገር ሙስታፋ ሚላምቦን ከምእተቐትሉ ክንገር እንከሎ እቲ መቕተልቲ ከምእተፈጸመ ሓበሬታ ዝሃቡ፡ ኣብቲ መቕተልቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ናይ ዝርከብ ናይ ቪሩንጋ ብሔራዊ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ማእከል ወሃቢ ቃል ከምዝኾኑን ስዒቡ እውን ናይ ኢጣሊያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትር ቤት ጽሕፈት ከምዘረጋገጾን ናይቶም ዝተቐትሉ ኢጣሊያዊ ልኡካነ መግስትን ኣባል ወተሃደራዊ ሓይሊ ጸጥታን ዓስከሬን ዕለት 23 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ኢጣሊያ ከምዝኣተወ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዕጁባት መጓዓዝያ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ወኪል እውን ከምዝነበሩን እቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ከይተሓስበ ናብ መቕተልቲ ዝተቐየረ ክዘርፉ ብዝፈተኑ ሰብት ዝተፈጸመ ክኸውን ከምዝኽእል ይንገር፡ ናይታ መኪና መራሒ ተወላዲ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ሙስታፋ ሚላምቦን እውን ከምእተቐትሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ናይ ኢጣልያ ልኡከ መግንስትን ናይ ወተሃደራዊ ሓለዋ ጸጥታ ኣባልን ካብ ጐማ ናብ ሩስሹሩ ሰሜናዊ ዞባ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ብናይ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ መርሓ ግብሪ መግባውነት ሓገዝ ዝተሓንጸ ቤት ትምህርቲ ንምብጻሕ ኣብ ጉዕዞ እንከለዉ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ከባቢ ውሑስ ተባሂሉ ዝንገረሉ ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ፡ እቲ መቕተልቲ ዝፈጸመ ሓይሊ በዓል ቤት እየ ዝበለ ጉጅለ ሓደ’ኳ ከምዘየለን ናይ ኪንሻሳ መንግስቲ ናይቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕትን ዘስካሕክሕ ቅትለት ተሓተትቲ መንነት ንምልላይን ንፍርዲ ንምቕራብን ኣበርቲዑ ክዓዩ ምዃኑ ከምዘፍለጠ ዜና ቫቲካን ካብታ ሃገር ዝፍነዉ ዘለዉ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግስቲ ኣታናሲዮ እንኮ ልኡከ መንግስቲ ኣብ ኪንሻሳ ከምዝነበሩን ኣብ 1977 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ቫረዘ ዝተወልዱን ብናይ ትካላት ስነ ኤኮኖሚ ትምህርቲ ካብ መንበረ ጥበብ ቦኪኒ ምሩቕን ካብ 2004 ዓ.ም. ጀሚሮም ኣብ ናይ ኢጣሊያ ናይ ስነ ሜላ ክሌኣዊ ርክብ ተልእኾ ተመዲቦም ኣብ በርናን ካሳብላንካን ኣቡጃንን ኒጀሪያን ኣብ ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግስቲ ቤት ጽሕፈት ዘገልገሉን ካብ 2017 ዓ.ም. ጀሚሮም ኣብ ኪንሻሻ ምሉእ ልኡከ መንግስቲ ኮይኖም ዝተላእኩ ከምዝነበሩ ክንገር እንከሎ፡ ናይ ኢጣሊያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ልዊጂ ዲ ማዮ ዝተሰምዖን ሓዘን ከምዝገለጹን ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ማታረላ እውን ንመላእ ሃገረ ኢጣሊያ ዓቢይ ናይ ሓዘን መዓልቲ እዩ እንክብሉ ዝተሰመዖም ሓዘን ከምዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነፍሰ ሄር ልኡከ መንግስቲ ኣታናሲዮ ኣብ 2020 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ናሲሪያ እተሰምየ ናይ ሰላም ስልማት ብቑዕ ተባሂሎም ተሰላሚ ከምዝኾኑን ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ሰላም ክረጋገጽን ጸገም ናብ ዘለሉ ዞባ ሰብኣዊ ኣገልግሎትን ሓገዝን ክበጽሕ ብዙሕ ዝጽዕሩ ለጋስን ናይ ኣገልግሎትን ተወፋይነት መንፈስ ዝዓሰሎምን ኣብ ጸገም ዝርከቡ ንምድጋፍ ስንደው ምንባሮም ዝንገረሎምን እዚ ፍሉይ ሰብኣውነቶም እዚ እውን ፍቱው ክኾኑ ዝገበሮምን እዚ ተወፋይነቶም እዚ እውን ነቲ ናሲሪያ ናይ ሰላም ስልማት ብቑዕ ከምዘበሎም ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ መበል 13 ናይ ኢጣሊያ ልኡካነ መንግስታት ዓውደ ርክብ ኣብ ዝተሳተፍሉ እዋን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ነበር ዛየር ለብዒ ኢቦላ ከቢድ ምዃኑን ዓለም ሓቆፍ ውድብ ሓልዮ ክንክን ጥዕና ከምዘረጋገጾ እውን ሓቢሮም ዓለም ሓቆፍ ግዳሴ ዝጠልብ ጽንኩር ኩነት እዩ እንክብሉ ንደሞክራሲያዊት ረፕባሊክ ኮንጐ ኵለ መዳያዊ ሓገዝ ክቐርብ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ እውን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

24 February 2021, 12:16