ሽምዓ ዘምረሔ ዑደት ሕዝቢ ኣብ ፊት ካቴድራል ቅዱስ ስጢቫኖስ (ኣብ ቪየና) ሽምዓ ዘምረሔ ዑደት ሕዝቢ ኣብ ፊት ካቴድራል ቅዱስ ስጢቫኖስ (ኣብ ቪየና) 

መጥቃዕቲ ኣብ ቪየና፥ 14 ሰባት ንመርመራ ኣብ ግዚያዊ ቤት ማእሰርቲ ሓይሊ ጸጥታ

ናይ ኦስትሪያ መራሔ መግንስቲ ሰባስቲያን ክሩዝ ብተለቪዥን ንህዝቢ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ብሔራዊ መልእኽቲ፥ እቲ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ መንጐ ክርስቲያንን እስላምን ግጭት ኣሎ ዝብል ኣይኮነን፡ ኣብ መንጐ እዘን ሃይማኖታትን ከምኡ እውን ኣብ መንጐ ተወለደቲ ኦስትሪያን ስደተይናታትን እውን ምንም ዓይነት ውጥረት ከምዘየለ ምስትውዓል የድሊ

ኣብ ኣስትሪያ ርእሰ ከተማ ቪየና ሓሙሽተ ሰባት ንሞት ሓደጋ 22 ሰባት ንፎኪስን ከቢድን ማህሰይቲ ዘቃልዔ ምስ ዳዒሽ ጥምረት ዘለዎ ብሓይሊ ጸጥታ ፍሉጥ ብዝነበረ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤውሮጳ ጸጥታን ደሕንነትን ውሑስ ንምግባር ዝፍጸም ሓለዋ ክብ ክብል ከምዝዳረገን፡ ሕዝቢ ከምዚ ዝኣመሰለ ግብረ ሽበራ ኣብ ኦስትሪያ ክፍጸም ቢሉ ዘይሓስበ ከምዝነበረ ክሕበር እንከሎ፡ እቲ ኣሸባሪ ብሓይሊ ጸጥታ ከምእተቐትለ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ናይ ፍትሓት ጸሎት
ናይ ፍትሓት ጸሎት

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኦስትሪያ ሓይሊ ጸጥታ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ብዘካይዶ ዘሎ ጽኑዕ መርመራ 14 ሰባት ንመርመራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘውዓለን፡ ኣብቲ እቲ ከባቢ ዝነበረ ኩነት ዝሕብር ብጀካ እቲ ዝተቐትለ ኣሸባሪ ካልእ ተሓባባሪ ነይርዎ ዝብል ጥርጠራ ሓይሊ ጸጥታ ውድቂ ከምዝገበሮን እቲ ኣሸባሪ ከም እተቐትለ ናይ ኣሸበርቲ ጉጅለ ዳዒሽ ኣድናቒ ኣውን ምንባሩ ናይ ኦስትሪያ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒ. ካርል ነሃመር ከምዝሓበሩን መንግስቲ ኦስትሪያ ተቐማጦ ቪየና ካብ ኣባይቶም ከይወጹ ከምዝወሰነን 75 ሺሕ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ኣብቲ ንኣሸበርቲ ዒላማ ክኸውን ይኽእል ኣብ ዝበሃል ቦታ ክዋፈሩ ከምዝገበረን ጀርመንን ረፓብሊክ ቸክን ኣብ ዶባተን ጽኑዕ ሓለዋ ጸጥታ ክግበር ከምዝወሰናን ኣብቲ ኢጣልያን ኦስትሪያን ዘዳብው ዞባ ብረነሮ እውን ብርቱዕ ስርሒት ሓለዋ ጸጥታ ይካየድ ከምዘሎ ራቪያርት ሓቢሮም።

ሰበ ስልጣናት ኣብቲ ግብረ ሽበራ ዝተፈጸመሉ ስፍራ ቁኑን ዕንባባ ከንብሩ
ሰበ ስልጣናት ኣብቲ ግብረ ሽበራ ዝተፈጸመሉ ስፍራ ቁኑን ዕንባባ ከንብሩ

ኣብ ኦስትሪያ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉባኤ ወሃቢ ቃል ኤሪክ ላተንበርገር ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ከምዚ ዓይነት ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም እዩ ዝብል ጥርጣረ ኣይነበረናን ኣብ ፍረንሳን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝረአይ ዘሎን ኵሉ ርኢኻ ብሓቂ ህልው ኩነታት ዘተሓሳስብ እዩ፡ ቪየና በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ መላእ ሕዝባ ኣብ ተወሸብ እዩ ዘሎ እቲ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ተሓዊስዎ እታ ከተማ ዳርጋ ዝንቀሳቐስ ሰብ ዘይብላ ኮይና ኣላ፡ መንግስቲ ሕዝቢ ካብ ኣባይትኡ ከይወጽእ ዘመሓላለፎ ውሳኔ እውን ተመሳሳሊ ግብረ ሽበራ ክፍጸም ይኽእል ዝብል ጥርጣረ ስለ ዘለዎ እዩ ኢሎም።

ናይ ኦስትሪያ መራሔ መግንስቲ ሰባስቲያን ክሩዝ ብተለቪዥን ንህዝቢ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ብሔራዊ መልእኽቲ፥ እቲ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ መንጐ ክርስቲያንን እስላምን ግጭት ኣሎ ዝብል ኣይኮነን፡ ኣብ መንጐ እዘን ሃይማኖታትን ከምኡ እውን ኣብ መንጐ ተወለደቲ ኦስትሪያን ስደተይናታትን እውን ምንም ዓይነት ውጥረት ከምዘየለ ምስትውዓል የድሊ፡ እቲ ግጭት ኣብ መንጐ ስልጣነን ኣረመነነትን እዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ራቪያርት ኣስዒቦም፥ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ፖለቲካ ጉዳይ ላዕለዋይ ሓላፊ ጆሰፕ ቦረሊ፥ እቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ “ውረደተይናን ናይ ጽልእ ተግባር እዩ” እንክብሉ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ገሊጾም፥ “ሓሳበይ ናብ ኣባይቲ ስድራ ምዉታትን ተቐማጦ ቪየናን የብል” ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

04 November 2020, 15:31