የመን ሰለስተ ዓይነት ለብዒ፥ ኮቪድ - 19ን ጃምላዊ መቓብርን ምዕጻው ኣባይቲ ሕክምናን የመን ሰለስተ ዓይነት ለብዒ፥ ኮቪድ - 19ን ጃምላዊ መቓብርን ምዕጻው ኣባይቲ ሕክምናን 

የመን ሰለስተ ዓይነት ለብዒ፥ ኮቪድ - 19ን ጃምላዊ መቓብርን ምዕጻው ኣባይቲ ሕክምናን

እቲ ዝሓለፈ ቅነ ናይ የመን ለገስቲ ሃገር ዝሓንጸጸኦ መደብ ከምቲ ዝተሓሰቦ ዘድሊ ውጽኢት ከምዘይሃበን፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ እተን ለገስቲ ሃገራት ኣብ ናይ የመን ውሽጣዊ ፖለቲካ ጉዳይ ዝተፈላለየ ኣመለኻኽታ ስለ ዘለወን እዩ

የመንን ሕዝባን ኣብ ትሕቲ ኢድ ናይ ውግእ ጐይቶትን ካብ 2015 ዓ.ም. ኣባይቲ ሕክምና እታ ሃገር ብዘይ ኣገዳሲ ኣፋውስን ካብ 2017 ዓ.ም. ንነጀው ከኣ ሓኻይም ብዘይ ደሞዝን እዚ ናይ እዋናዊት የመን ጭብጥ ኩነት ምዃኑ ናይ ዞባ ደቡባዊ ሃገራት ዓረብ ሓዋርያዊ መስተናብር ብጹዕ ኣቡነ ፓውል ሂንደር እውን የረጋግጽዎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዛዕባ ህልው ኩነታት የመን ኣብ ቀረባ እዋን ሲኤንኤን ኣብ ዘቕረቦ ሰነዳዊ ሓበሬታ፥ ብምኽንያት ኮቪድ - 19 ኣብ ዓደን ጥራሕ በቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ውግእ ናይ ሞት ሓደጋ ካብ ዘጋጠሞም ንላዕሊ ብትክኽል ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ ጥራሕ 950 ከምዝዓረፉን ካብ 251 ንላዕሊ ዝግመቱ እውን በቲ ኾሮና ተህዋስ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2020 ዓ.ም. ከምእተለኽፉን ናይታ ሃገር ሚኒስትር ጥዕና ዝሃብዎ ወግዓዊ ጸብጻብ ጠቒሱ የመላኽት።

ካብ ከተማታት ወጻኢ ዝርከብ ዝነበረ ናይ መቓብር ስፍራ ብውግእን ብስእነት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ኮቪድ - 19ን  ብጣንጡ ዝመሓላለፍ ካልእ ዓይነት ተህዋስ እውን ተወሲኽዎ ናይ ዝሞቱ ቅጽሪ ክብ ይብል ብምህላዉ እናመለኤ ሕዝቢ ናብ ዝቕመጠሉ ዞባ ይቐርብ ከምዘሎን ብሕማም ሽሮኽ ልዕሊ 100 ሺሕ እውን ከምዝሞቱ ይንገር።

ንኽልተ ዝተገምዔት ኣብ ኣልቦ ስእነት እትርከብ የመን

ጋዜጠይናን ዘጋቢት ሰነዳዊ ሓበሬታን ናይ ስነ የመን ፓለቲካውን ማህበራውን ፈላጥ ሲልቪያ ላውራ ባታሊያ ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ የመን ናይ ዞባ ደቡብ ናጽነት ግንባር ኣልቦ ብቕዓት ምሕደራ ዝረኣየሉን ሰሜናዊ ዞባ ብሁቲን ተገሚዓን ብውግእ ተሓሚሳን ከምዘላን ንሕዝቢ እውን ብዛዕባ ኮቪድ - 19 ግቡእን ብቑዕን ሓበሬታ ዘይረክብ ምዃኑ ይገልጻ።

ኣብ ዓደንን ካልኦት ከባቢ ናይታ ሃገር ጃምላዊ ናይ መቓብር ስፍራ ይርከብ ከምዘሎን ምኽንያት ሕልፈቶም ብግልጺ ዝተነግረ እውን ኣይዅን ብኾሮና ተህዋስ ተለኺፎም ከምዝሞቱ እዩ ዝንገር። ኣብ ሰሜን የመን ዝርከባ ናይ ዓለባ ፋብሪካታት እውን ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኑ ኣብ ምቕራብ ከምዝርከባን ናይ ሕዝቢ ጠለብ ንምርዋይ ዓቕሚ ከምዘይብለን እውን ይሕብራ።

ኣባይቲ ሕክምና ኣብ ካርቶን እናንጸፍካ ኣብ መሬት ህሙማን የአንግዳ ከምዘለዋን፡ ኣብ ገለ ገለ ከተማታት እታ ሃገር እውን ገለ ገለ ጥንታውያን ሕንጽታት ህሙማን ንምእንጋድ ናብ ኣባይቲ ሕክምና ይቕይር ከምዘሎን ምስቲ ዅሉ ዘሎ ጸገም እቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ውግእ ይቕጽል ከምዘሎን ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዕርዲ እናገበርካ ከተማታት ናይ ምቁጽጻር ቅድምም ዝረአይ እዩ ዝመስል ኢለን።

ብዓረብ ሃገራት ማህበር ዝተደገፈ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዘቕረቦ ውግእ ደው ናይ ምባል ሓሳብ ብኢራን ዝድገፍ ሁቲ ናይ ሰሜን ዕጡቓት ሓይሊ ኮነ ብማእከላዊ መንግስቲ ተቐባልነት ዘይተወሃቦ እዩ ይመስል፡ እዞም ክልተ ተጻባእቲ ሓይሊ ናይ ደቡብ የመን ናይ ናጽነት ግንባር ተሓዊስዎ ኩነታት የመን ክትገልጾ ናብ ዘይከኣልን ዝኸፈአን ኩነታት የንቆልቁል ከምዘሎን፡ ዕጡቓት ሓይሊ ንለብዒ ኮቪድ - 19 ዞባታት ንምቁጽጻር ይጥቀምሉ ስለ ዘለዉ እውን ብግልጺ ብዛዕባ ኮቪድ -19 ዝሞቱን ዝተለኽፉን ካበይን በየንን ይሰፍሕ ከምዘሎ ዘመላኽት ሓበሬታ ምቕራብ ከምዘይረአይ ይሕብራ።

ዝእከብ ሓገዝ ንዘድልዮ ሕብዚ ንምቕራብ ዘይከኣል ምዃኑ

እቲ ዝሓለፈ ቅነ ናይ የመን ለገስቲ ሃገር ዝሓንጸጸኦ መደብ ከምቲ ዝተሓሰቦ ዘድሊ ውጽኢት ከምዘይሃበን፡ እቲ ቀንዲ  ምኽንያት ከኣ እተን ለገስቲ ሃገራት ኣብ ናይ የመን ውሽጣዊ ፖለቲካ ጉዳይ ዝተፈላለየ ኣመለኻኽታ ስለ ዘለወን እዩ፡ ሰብኣዊ ድጋፍን ፖለቲካን ምጥማር ዝፈጥሮ ጸገም እዩ ምስ በላ፡ ንኣብነት ክዋይት ንዕጥቓት ሓይሊ ድጋፍ ዘየቋረጸት ብምዃና ሰብኣዊ ድጋፍ ምቕራብ ንየመን ነቲ ዘይትድግፎ ሓይሊ እውን ሓገዝ ምቕራብ ስለ ዝኸውን፡ ካብቲ ጉጅለ ለገስቲ ሃገራት ንየመን ገዛእ ርእሳ ከምዘንሳሕበት እተን ሃገራት ኤውሮጳ ኣባላት ለገስቲ ሃገራት እውን እቲ ዘቕርብኦ ሓገዝ ብትኽክል ንሕዝቢ ዝበጽሕ ምዃኑ ዝውሕስ ኩነት ኣብ ባይታ የሎን ብዝብል ምኽንያት ካብ ምትሕብባር የንሳሕባ ኣለዋ እንክብላ ሲልቪያ ላውራ ባታሊያ  ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

የመን ሰለስተ ዓይነት ለብዒ፥ ኮቪድ - 19ን ጃምላዊ መቓብርን ምዕጻው ኣባይቲ ሕክምናን
17 June 2020, 16:05