ኡጋንዳ ኣብ ቅልውላው ለብዒ፥ ኡጋንዳ ኣብ ቅልውላው ለብዒ፥   ታሪኽ

ኡጋንዳ ኣብ ቅልውላው ለብዒ፥ ድምጺ ናይቶም ጽኑዓት

ምውሻብ ኣብ ድኻታት ሃገራት ዘስዕቦ ጸገም ከቢድ እዩ፡ ኩሉ ዕለታዊ እንገራኡ ውሕስ ዝገበር ካብ መዓልታዊ ዕዮ ብዝረኽቦ ረብሓታት ብምዃኑ ኣብ ገዛ ተዓጺኻ ምጽናሕ ንጥምየትን ንስእነት መግብን እዩ ዘቃልዖ

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ለብዒ ኾሮና ተህዋስ ኣዚዩ ትሑት እዩ። ይኹን ደኣ እምበር እዚ ውሕዶ ለብዒ’ዚ ምናልባት ናይ ሕክምና መርመራ ዋሕዲ ምኽንያት ዝገበረ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ዝብል ግምት እውን ከምዘሎን፡ ኣብ ኡጋንዳ ኣብቲ ኮርሱ እተሰምየ ቤት ሕክምና ሕጻናት ኣብታ ሃገር ምፍንታትን ምውሻብን ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋጌ ኣብ መስርሕ ስለ ዘሎ ንሕዝቢ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣብ ምቕራብ ልዑል ግደ ዘለዎ ከምዝኾነን፡ ናብ ናይ ኡጋንዳ ሰማዕታት ቅዱስ ስፍራ ክካየድ ዝነበሮ ንግደት በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ከምእተሰጋገረን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍንራንቸስኮ ካብ ቅድስቲ ማርታሕ ሕንጻ በመረብታዊ  ውሕዘት ዝመሓላለፈ ብዝነበረ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ስለ ቅርበቶም ጸሎትም እውን ካብ ናይ ኡጋንዳ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ልኡካነ ወንጌል ካህናትን ደናግልን ቃል ምስጋና ከምእተመሓላለፈ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣንቶነላ ፓለርሞ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ስነ ሕክምና በዓል ሙያ ናይ ስነ መጥባሕቲ ሓኪም ኢጣሊያዊ ኣንቶኒዮ ሎሮ ኣብ ኡጋንዳ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ካብ 2009 ዓ.ም. ኣትሒዞም ምሕብባርን ሓድነትን ሕይወትን ዘማእከለ ምስክርነትን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ይህቡ ከምዘለዉን፥

ውሸባን ኣብታ ኣዚያ ተኣፋፊት ዝኾነት ሃገር

ምውሻብ ኣብ ድኻታት ሃገራት ዘስዕቦ ጸገም ከቢድ እዩ፡ ኩሉ ዕለታዊ እንገራኡ ውሕስ ዝገበር ካብ መዓልታዊ ዕዮ ብዝረኽቦ ረብሓታት ብምዃኑ ኣብ ገዛ ተዓጺኻ ምጽናሕ ንጥምየትን ንስእነት መግብን እዩ ዘቃልዖ፡ ነዚ ተደራራቢ ሽግር’ዚ ንምብዳህ ብዙሕ ዕዩ ይሰላሰል ከምዘሎ እውን ሓኪም ኣንቶኒዮ ሎሮ ብስልኪ ምስ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፓለርሞ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ መንግስቲ እታ ሃገርን ርእሰ ብሔርን ንሕዝቦም ቀረባ ብምዃን ኣብዚ ጽንኩር እዋን ኩሉ ስሙር ከይኑ እቲ ምልባዕ ንምድራት ዘድሊ ጥንቓቔ ስነ ክንክን ጥዕና የኽብር እውን እንተሃለወ ናይታ ሃገር ሰማንያ ሚእታዊ ኤኮኖሚ ዘይስሩዕ ብምዃኑ እቲ ለብዒ ኣብ ልዕሊ ናይ ስራሕ ኤኮኖሚ ከቢድን ኣሉታዊ ተጽእኖን ከምዘለዎ ይሕብሩ።

ናይቲ ተህዋስ ምስጢራዊ ጸቕጢ

እቲ ቤት ሕክምና ዕዮኡን ዘቕርቦ ኣገልግሎት ከየቋረጸ ብዝከኣሎ ምስ ዝተፈላለያ ዘይመንግስታውን ማሕበራት ግብረ ሰናይ እናተራኸበን ንህሙማን ሕጻናት ዘድሊ ኣገልግሎት ሕክምና ምስቲ ኩሉ ዘሎ ዘሰክፍ ሕማም ለብዒ ድሕር ከይበለ የቕርብ ከምዘሎን፡ ኣብቲ ቤት ሕክምና ብኾሮና ተህዋስ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞ ከምዘየለ እውን ሓቢሮም፡ ብሓፈሻኡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እቲ ለብዒ ከምቲ ኣብ ካልእ ክፍለ ዓለም እንርእዮ ኣይኮነን፡ ይኹን ደኣ እምበር እዚ ቀስ ቢልካ ዝጽናዕ ጉዳይ እዩ ዝኸውን፥ ወይ ጸኒሑ ብዙሕ መጉዳእቲ ዘምጽእ ድዩ ኣይኮነን ገና ዕለት ብዕለት ክትትል ዝሓትት ጉዳይ እዩ፡ ዋሕዲ ዝተለኽፉ ምንባልባት ናይ ኾሮና መርመራ ከምቲ ዘድሊ ዝርጉሕ ዘይምዃኑ ዝፈጥሮ ዘሎ ኩነት ክኸውን ዝከኣል እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ክሳብ ሕጂ እቲ ለብዒ ግቱእ እዩ ዝመስል ዘሎ።

ናይ መንግስቲ ሓበሬትን ኢተግባራውነት ምፍንታትን

ናይ ኣፍንጫን ኣፍን መሸፈኒ ካብ ወጻኢ ክኣትው ድሕሪ ምጽናሕ ኣድላይነቱ ልዑል ብምዃኑ ነዚ ናይ ሕዝቢ ጠለብ መልሲ ንምሃብ ኣብታ ሃገር ብበላሕቲ ዜጋታት ክስራሕ ከምዝጀመረን ሓቢሮም፡ ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ዘድሊ ጥንቃቔ ከምዝግበርን እቲ ንምኽባሩ ኣሸጋሪ ኮይኑ ዘሎ ውሳኔ ምፍንታት እዩ፡ ብዙሓት ገዛውትን ክፍለ ከተማታትን ተቐራራብን ተደጋጋፍን እውን ብምዃኑ ዳርጋ ኩሉ ክትብሎ ይከኣል ሻውላይ እዩ፡ ኣብ ሽዱሽተ ሜትሮ ብሽዱስተ ካብ 6 ክሳብ 8 ሰባት እዮም ዝነብሩ፡ ይኹን ደኣ እምበር መንግስቲ ብዝህቦ ሓበሬታ ሕዝቢ ነቒሑ ብዝተኽእሎ መጠን ግብኡ ክፍጽም ዝገብሮ ጻዕሪ ዝንኣድ ከምዝኾነ ይሕብሩ።

ቤት ሕክምና ኮርሱ ኣብታ ሃገር ዓቢይ ናይ ተስፋ ጩራ እዩ

እቲ ንሶም ኣገልግሎት ሕክምና ዝህቡሉ ቤት ምክምና ብናጻ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዘቕርብ ዘይመንግታዊ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ንብረት እዩ፥ ዘይመኽሰባዊ እዩ፥ ኣብ 1908 ዓ.ም. ዝቖመ ብክርስቲያናዊ ማሕበር ኣለይቲ ዓይነ ስዉራን ዝተመስረተ እዩ፡ እዚ ግብረ ሰናይ ማሕበር ኣብ ውስትሪያን ጀርመንን ዓባይ ሪጣንያን ኣየርላንድ ከንያን ነውዘላንድ ሕቡራት መንግስታት ኣምሪካን ደቡብ ኣፍሪቃን ስዊዘርላንድን ዝርከባ ዝተፈላለያ ማሕበራት ግብረ ሰናይ ዝጥርንፍ እዩ፡ ኣብቲ ኣብ ካምፓላ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ካብ ደቡብ ሱዳንን ሩዋንዳን ብሩንዲን ከንያን ኮንጎን ዝመጹ ህሙማን እውን ይእለዩ እያቶም፡ ኣብቲ ቤት ሕክምና 50 ናይ ስነ ሕጻናት ሓኻይም ኣለዉ ምስቲ ናይታ ሃገር ልዕሊ 43 ሚሊዮን ዝኸውን ብዝሒ ሕዝቢ ርኢኻ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ብሓቂ ውሱን እዩ፡ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ንልዕሊ 70 ሺሕ ዝግመቱ ህጻናት ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ከምእተገብረሎምን እዚ ኹሉ ገበርቲ ሰናይ ብዝልግስዎ ዓይነታውን ገንዘባውን ድጋፍ እውን እዩ ዝሳለጥ ኢሎም።

ኡጋንዳ ኣብ ቅልውላው ለብዒ፥ ድምጺ ናይቶም ጽኑዓት
30 May 2020, 16:00