ኣምነስይት፥ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ናይ ፍትሕን ሕግን ናጽነትን ኣብ ሓደጋ ኣምነስይት፥ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ናይ ፍትሕን ሕግን ናጽነትን ኣብ ሓደጋ 

ኣምነስይት፥ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ናይ ፍትሕን ሕግን ናጽነትን ኣብ ሓደጋ

ኣብ ኤውሮጳን ኣብ ካልእት ሃገራት ክትርእዮ ዘይትሓስቦ ዘሕዝን ፍጻሜታት ከምዝኽሰትን ናይ ሕግን ፍትሕን ናጽነት ናይ ዝኾነ ይኹን ኣብ ስልጣን ናይ ዘሎ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ጽግዕተይና ከመዘይኮነ ንምዝኽኻርደያኑ ዘካይድዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምዕፋን ዝተፈላለየ ስጉምቲ ከምዝውሰድ

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ማእከላይ ዞባ  እስያን ኣብ ልዕሊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ሕግን ፍትሕን ኣሰራርሓ ናጽነትን ንሓደጋ ተቓሊዑ ከምዘሎን ነዚ ጉዳይ’ዚ ዝቃወም ኣብ 2019 ዓ.ም. ዝተፈላለየ ናይ ተቓውሞ መግለጽታትን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታትን ምክያዱ ኣምነስትይ ኢንተርናሽናል እተሰምየ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ተሓላቒ ማሕበር ኣብ ዘውጸዖ ናይ 2019 ዓ.ም. ጸብጻብ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብሓደ ሸነኽ ናይ ሕዝብታት ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ንምዕፋንን ብኻልእ መዳይ እውን ናይ ሕግን ፍትሕን ናጽነት ንሓደጋ ምቅላዕን፡ ንኣብነት ኣብ ፖላንድን ሃንጋሪን ሮማኒያን ቱርክን፥ ናይ ሕግን ፍትሕን ኣሰራርሓ ንሓደጋ ይቃላዕ ከምዘሎ ማሕበር ደያኑ ክሕብር እንከሎ፡ ኣብ ኤውሮጳን ኣብ ካልእት ሃገራት ክትርእዮ ዘይትሓስቦ ዘሕዝን ፍጻሜታት ከምዝኽሰትን ናይ ሕግን ፍትሕን ናጽነት ናይ ዝኾነ ይኹን ኣብ ስልጣን ናይ ዘሎ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ጽግዕተይና ከመዘይኮነ ንምዝኽኻርደያኑ ዘካይድዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምዕፋን ዝተፈላለየ ስጉምቲ ከምዝውሰድን ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ናይ ኣምነትስት ኢንተርናሽናል ጸብጻብ 2019 ዓ.ም. ጠቒሰን ይሕብራ።

ሕዝብታት ዘካይድዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምንዕፋን ዝፍጽም ጸቕጢ እናኸፍኤ ይከይድ

ናይ ኣምነስት ኢንተርናሽናል - ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተሓላቒ ጨንፈር ኢጣሊያ  ወሃቢ ቃል ሪካርዶ ኑሪ፥ እቲ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ዘውጸኦ ናይ 2019 ዓ.ም. ጸብጻብ ኣማእኪሎም ምዝ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ኤውሮጳን ማእከላይ እስያን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ከምኡ እውን ናይ  ዝተፈላለያ ናይ መንግስቲ ተቕዋማት ርእሰ ምሕደራውን ናጽነት ብተደጋጋሚ ክገሃስ ከምዝረአይን ኣብ ልዕሊ እተን ናጻ ናይ መንግስቲ ተቕዋማት ጸቕጢ ከምዝፍጸምን እተን ናጻ ዝኾና መንግስቲ ዝቆጻጸራ ተቕዋማት ኣብ ስልጣን ናይ ዘሎ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ መጋበርያ ንኽኾና መንግስታት ዘካይድዎ ጸቕጥን ዝነድፍዎን ዘጽድቕዎን ሓደስቲ ሕግታት ዝምስክሮ ምዃኑ ይሕብሩ።

ኣብ ፖላንድ ሃንጋርን ሩሲያን ቱርክን ኣብ ልዕሊ ናይ መንግስቲ ናጻ ተቕዋማት ዝፍጸም ጸቕጥን ናይ ሕዝቢታት ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ንምዕፋት ዝውሰዱ ስጉምትታት ንኣብነት እቲ ኣብ ፈረንሳ ዝተራእየ ናይ ቀረባ ክስተት ጠቒሶም፡ ኣዚዩ ዘሰክፍ ምኻኑ እቲ ናይ 2019 ዓ.ም. ጸብጻብ ዘረጋግጾ ኢሎም።

እንገዳን ምትሕብባርን

መንግስታት ኣብላጺ ብዝብል ምስምስ ናጻ ናይ መንግስቲ ተቕዋማት ናጽነት ንምጽባብ ኮነ ዝተፈላለያ ዘይመንግስታውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ዘቕርበኦ ግብረ ሰናይን እንገዳ ዝኣመስሉ ከይህሉ ብሕጊ ዝተደገፈ ክኽከውን ይገብሩ ክምዘለዉን፡

ናይ ስደተይናታት መቆጻጸሪ ሕግታት

ካብ ውግእን ጥምየትን ዘምልጡ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ብጉዕዞ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዉ ዘጋጥሞም እንገዳን ዝጸድቑ ዘለዉ ሓደስቲ ሕግታት መቆጻጸሪ ጸኣት ስደተይናታትን ንዝተፈላለየ ሓደጋ የቃልዖም ከምዘሎ ሓቢሮም ኣተሓሒዞም እውን ናጻ ሕትመትን ሓበሬታን ናይ ሕግን ፍትሕን ርእሰ ምሕደራ ንዝተፈላለየ  ሓደጋ ተቓሊዑ ከምዘሎ ከም ኣብነት ቱርኪ ጠቒሶም ምስ ሓበሩ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ እውን ብሰላሕታዊ ኣገባባት ይፍጸም ከምዘሎ ኣብሪሆም፡ ናይ ሰብኣዊ ምሰልን ክብርን መምዘኒ ሰብኣዊ ክብሪ እምበር ሃብትን ድኽነትን ምሕዝነትን ምስ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ዝተተሓሓዘን ኣይኮነን፡ ኣብ ሓቂ ዝጸንዔ እዩ ክኸውን ዘለዎ።

ምክልኻል መሰረታዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ኣብ እዋን ኮቪድ-19

በርገሳዊ ሕብረተሰብን ጋዜጠይናታትን ብጠቕላላ እቶም መንግስታት ግብኦም ክፍጽሙ ድምጾም ዘስምዑ ንዝተፈላለየ ጸቕቲ ከምዝቃልዑን ኣብዚ እዋን ኮቪድ - 19 እውን ድምጾም ካብ ምስማዕ ከምዘይቦኸሩን ካብ ቀደም ብዝያዳ ጻውዒት የቕርቡ፡ ድህረ ኮረና ቫይረስ እውን ዘየቋርጽ ጻውዒት እዩ፡ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ናይ ስራሕን ውልቃዊ ስቱርነትን መሰል ብምኽንያት ሳዕቤን ኮቪድ - 19 ብዙሕ ኣቃልቦ ከይተወሃቦ ክተርፍ ይኽእል ዝብል ስግኣት ኣለዎ፡ ስለዚህ ኣብ ዝተፈላለየ ካባቢ ዓለም ሕዝቢ ድምጹ ንኸስምዕ ፍትሒ ንኽሓትት ሰላማዊ ሰልፍታት ከካይድ ከምዝክእል እዩ፡ ነዚ መሰረታዊ ሕቶ መንግስታት ዝህብዎ መልሲ እንታይ ይኸውን ብሓንሳብ እንርእዮ ጉዳይ ይኸውን እንክብሉ ኑርይ ዘካየድውዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ኣምነስይት፥ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ናይ ፍትሕን ሕግን ናጽነትን ኣብ ሓደጋ

 

 

 

 

17 April 2020, 16:11