ኣንድረያ ሪካርዲ፥ ዝሓበረትን ንሕዝባ ቀረባ ዝዀነትን ኤውሮጳ ኣንድረያ ሪካርዲ፥ ዝሓበረትን ንሕዝባ ቀረባ ዝዀነትን ኤውሮጳ 

ኣንድረያ ሪካርዲ፥ ዝሓበረትን ንሕዝባ ቀረባ ዝዀነትን ኤውሮጳ

ኣብ ቅድሚ ናይ ህዝቢታት ተስፋ ምቑራጽን ዘይርጉጽነትን ኣብ ቅድሚ ዝተፈላለየ ትርግታ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብ ገዛእ ርእሱ ንኸይዕጸው መታን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበለዎ እቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መስረትቲ ኣበው ዝሓለምዎ ናይ ሕውነት ሓድነት ዳግም ምርካብ የድሊ፡

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኤውሮጳ ነቲ ኮቪድ 19 ዝፈጠሮ ኮነ ካልኦት ክፍጠሩ ዝኽእሉ ስደተይናታት ምእንጋድ ዝብል ጉዳይ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዘትርፍ ሓደጋ ሕጹጽ ኩነታት ንምብዳህ ክትኽእል እቶም ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መስረትቲ ኣበው ዝሓለምዎ ሕውነታዊ ሓድነት ዳግም ንኽተለልይ እንክብሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ክዝከርእንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ዘቕረብዎ ጻውዕቲ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ መስራቲ ናይ ስነ ታሪኽ ሊቅ ኣንድረያ ሪካርዲ ብሓቂ ሕብርቲ ኤውሮጳ መዋእላዊ ብድሆ እዩ፥ ዕለት 27 መጋቢት ንሮማን መላእ ዓለም ሓዋርዊ ቡርኬ እንክህቡ እቲ ጥንታዊ ክፍለ ዓለም ውልቃውነት ከሰንፍን ንናይ ህዝቢ ጸገም ቀረባ ክትከውን ከምእተላበዉ ዘኪሮም፡ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምዕዳንን ዕለት 27 መጋቢት ዝበልዎ ይብሉ፥ ኤውሮጳ ዓቢይ ኣትኩሮ ክትገብረሉን ብኣንደበተ ርቱዕ ኣገባብ ኣነጺራ ክትገልጾን ክትምርሓሉን ይግባእ፡ ንገዛእ ርእሳ ንኤውሮጳን ሕዝባን ካብኡ ሓሊፉ እውን ንመላእ ዓለም ዓቢይ ድጋፍን ኣብነትን ክትከውን ዘብቅዓ እዩ ኢሎም።

እቲ ቅዱስነቶም ዝገለጽዎ ሓሳብ ንናይ ፖለቲካ ውድባት ዝምልከት ራእይ ዘይኮነ ካብኡ ሰገር እዩ፡ ኤውሮጳ ነዚ ዓይነት ራእይ ብዙሕ ግዜ ኣይፋል ትብል፥ ንስደተይናታት ኣይፋል ትብል፡ ነተን ኣብ ጸገም ዝርከባ ሃገራት ድጋፍ ዝውዕል ናይ ምትሕብባር ኤኮኖምን ቁጠባን ንምቛም ኣይፋል ትብል፡ እዚ ኖእ ናብ ሕራይ ንምቕያር እዩ ዘድሊ፡ እንተዘይኮነ እቲ ኣይፋል ምባል እናዓበየ ናብ ዝኸፍኤ ደረጃ እዩ ዝብጽሕ።

ኣብ ቅድሚ ናይ ህዝቢታት ተስፋ ምቑራጽን ዘይርጉጽነትን ኣብ ቅድሚ ዝተፈላለየ ትርግታ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብ ገዛእ ርእሱ ንኸይዕጸው መታን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበለዎ እቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መስረትቲ ኣበው ዝሓለምዎ ናይ ሕውነት ሓድነት ዳግም ምርካብ የድሊ፡ ናብቲ ናይ ኤውሮጳ ኣበው ሕልሚ ምምላስ።

ቅዱስነቶም ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. እዋኑ ንኤውሮጳ ዓቢይ መዋእላዊ ብድሆ እዩ እንክብሉ ገሊጾም፡ እቲ ናይ ሓድነት ብድሆ እንተድኣ ዘይተሳዕረ ጽባሕ ኤውሮጳ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣዚዩ ዓውሎማዊ እናኾነ ምስ ዝኸይድ ዘሎ ዓለም ክትዝትን ክትነጻጸርን ኣይክትኽእልን እያ፡ እዚ ከኣ ፍጻሜኣ እዩ ዝኸውን፥ ኣብ ዓለማዊ መድረኽን ኣብቶም ዓበይቲ ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ጉዳያት ድስነይላንድ ኮይና ስለ እትተርፍ እዩ ኢሎም።

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሃገር ንናይ ሓባር ግብረ መልሲ ክፉት ከይከውንን ከይዋሳእን የሰናኽል ዘሎ ይመስል ወይ የሰናኽል ኣሎ ከበሃል ዶ ይከኣኣል ንዝብል ሕቶ ሪካርዲ ክምልሱ እንከለዉ፥ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዕ ሓድነትን ጥምርነትን ዝሓትት ሓደ ሕጹጽ ሓደጋ እዩ ዘደበኸ፥ ስለዚ ንናይ ሓባር ግብረ መልሲ ምቹእ እምበር የሰናኽል ክበሃል ዘይከኣል እዩ፡ እቲ ሓቂ ክንርእይ ንደሊ እንተድኣ ኮይንና፡ ጸገም የተሓባብር፡ ኣብ ጸግም ምትሕብባር ዝኣምን ኣብ ሓጐስ እውን ተሓባባርነት ይህልዎ ኢሎም።

ኤውሮጳ ኣብ ዝተፈላለየ ጠለብ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሃገር ብዘራኽብ መገዲ ብቕዕቲ ምዃን ኣብ ውሽጣ ክትርኽቦ ኣለዋ፡ ከም ኤውሮጳ ብጥምረትን ሓድነት ንምጉዓዝ፡ ምስ በሉ ኣብዚ እዋን’ዚ ኤውሮጳ ሰብኣውን ዘጣምሩን ጉዳያት ንድሕሪት ሓዲጋ ትጓዓዝ ዘላ ትመስል፡ ኣብ ኢጣሊያ ኣብ ዝተፈላለየ ዕይ ዝተዋፈሩ፡ 600 ሺሕ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ኣለዉ፡ ኩሉ ዝፈልጦን ዝርእዮን እዩ፡ ነዚኣቶም ሕጋውነት ምልባስ የድሊ፡ እዚ ከኣ ስድራ ቤትን ሕይወትን ምኽባር ማለት እዩ፡ እቲ ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ ብዙሕ ብዕድመ ዝደፍኡ ዜጋታት ማለት ኣረጋውያን ኣብ ዝእለይሉ ማእከላት ብዙሓት ናይ ሞት ሓደጋ የጋጥሞም ኣሎ፡ ስለዝ እዚ ንኢጣሊያ ብሓፈሻኡ ንኤውሮጳ ዓቢይ ሕቶ እዩ ቢሎም፡ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣብ ግብሪ ንምውዓል እንተዝፍተን እቲ ሎሚ ኣብ ኤውሮጳ ዝርአይ ዘሎ ጸገም ምተሰግረ ነይሩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ኣንድረያ ሪካርዲ፥ ዝሓበረትን ንሕዝባ ቀረባ ዝዀነትን ኤውሮጳ
23 April 2020, 15:41