ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ማሕበር መዋሊ መደብ ሓልዮ ሕጻናት መግለጺ ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ማሕበር መዋሊ መደብ ሓልዮ ሕጻናት መግለጺ 

ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ማሕበር መዋሊ መደብ ሓልዮ ሕጻናት መግለጺ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቶም ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ ኰይኖም ውግእን ዓመጽን ክውገድን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ኵለ መዳያዊ ዓመጽ ክውገድ መንግስታት ዓለም ንናይ ሕጻናት ሕይወት ምድሓን ኣበርቲዖም ክዓዩ ከይተሓለሉ ኣብ ግላውን ዓለም ለኻውን ርካባቶም የቃልሑ

ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ማሕበር መዋሊ መደብ ሓልዮ ሕጻናት ውግእ ኣብ ዝካየደልን ሃገራት ዝርክቡ ሕጻናት ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት እቶም ብዝለዓለ ደረጃ ከቢድ ዋጋ ዝኸፍሉ ምዃኖም ኣብ ዘውጽኦ ጽብጻብ ከምዝሓበረን ሕጻናት ምቕታል ናይ ሃገራት መጻኢ ምቕታል ማለት ምዃኑ ነቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ኣማእኪሎም ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ዓለም ሃቆፍ መዋሊ ሓልዮ ሕጻናት ውድብ ጨንፈር ኢጣሊያ ወሃቢ ቃል ኣንድረያ ያኮሚኒ ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዘይ ጣቋ መደረ፡ እቶም ኣብተን ውግእን ግጭት ዝረኣየለን ከባቢ ሃገራት ዓለም ንሓደጋ ዝተቓልዑን ዝቕተሉን ሕጻናት ደቃትና እንተዝዀኑ ነይሮም እንታይ ምገበርና ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ካብ 2009 ዓ.ም. ክሳብ 2019 ዓ.ም. ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ኣብ ዝተኻየዱን ዝካየዱውግእን ግጭትን ኣዚዮም ተዓደይቲ ዝዀኑ ዘለዉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ሕጻናት እያቶም፡ ካብቶም ሞትን ማህሰይትን ስደትን ዘጋጥሞም ዜጋታት እቶም ዝበዝሑ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ምዃኖም ይገልጹ።

ኣብ የመንን ሶሪያን ደሞክራስያዊት ረፓብሊክ ኰንጐን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ማሊን ቡርኪናፋሶን ኣፍጋኒስታንን ኣብ ዝካየዱ ግጭት ብኸቢድ ዝሳቐዩን ንዝተፈላለየ ሓደጋ ኣዚዮም ዝቃልዑ ዘለዉ ሕጻናት እያቶም፡ ኣብቶም ዝካየዱ ውግኣት፡ ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ትምህርትን ኣባይቲ ሕክምናን ኣባይቲ ስድራን ብደይ መደይ መጥቃዕቲ ከምዝፍነውን፡ እዚ ኸኣ ናይ ሓንቲ ሃገር መጻኢ መንበሪ ኣብ ኣባይቲ ስድራን ኣባይቲ ትምህርትን ኣባይቲ ህክምናን ስለ ዝዀነ እዩ፡ ሕጻናት ምቕታል ማለት ናይ ሓንቲ ሃገር መጻኢ ምሕኻኽን እዩ ምስ በሉ፡ ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት እውን ንውግእን ዓመጽን መጋበርያ ክዀኑን ንለኪምካ ምጥፋእ መጥቃዕትን ብዘይ ንሕሰያ ኣእምሮኦም እናበከልካ፡ መጋበርያ ሞትን ሕልቂትን ክዀኑን ዕጸ ፋርስ ክጥቀሙን ይግደዱን ኣደ ዓመጽ ዕጡቓት ሓይሊ ይዀኑን ብፍላይ ደቀንስትዮ ንወሲብ ዓመጽ ተቓልዔን ገና ኣብ ንኡስ ዕድመኤን ንኡስ ዕድመኦም ብዘይ መጻኢ ንኽነብሩ ይግደዱ ኣለዉ ኢሎም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቶም ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ ኰይኖም ውግእን ዓመጽን ክውገድን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ኵለ መዳያዊ ዓመጽ ክውገድ መንግስታት ዓለም ንናይ ሕጻናት ሕይወት ምድሓን ኣበርቲዖም ክዓዩ ከይተሓለሉ ኣብ ግላውን ዓለም ለኻውን ርካባቶም የቃልሑ፡ ዘቕርብዎ ጻውዒት እዝንን ልብን ዘለዎ መንግስቲ ክረክብ ተስፋ ንገብር፡ እቲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ሓልዮ ሕጻናት ንበይኑ ክገብሮ ዝክእል ሓደ’ኳ የልቦን፡ ስለዚህ ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት ሱታፌ መግንስታትን ዓለም ሓቆፍ ማሕበራትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ይደልዮ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ማሕበር መዋሊ መደብ ሓልዮ ሕጻናት መግለጺ
02 January 2020, 17:19