ኣብ መንጐ ኡክራይንን ሩሲያን ዘሎ ውጥረት ዝግ ዘብል ቀዳማይ ስጉምቲ ኣብ መንጐ ኡክራይንን ሩሲያን ዘሎ ውጥረት ዝግ ዘብል ቀዳማይ ስጉምቲ 

ኣብ መንጐ ኡክራይንን ሩሲያን ዘሎ ውጥረት ዝግ ዘብል ቀዳማይ ስጉምቲ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ኡክራይን ሰላም ውሑስ ንኽኸውን ኣብ መንጐ ናይ ኡክራይንን ናይ ሩሲያን ፈረንሳን ጀርመንን ኣብ ፓሪስ ንኽካየድ ዝተወሰነ ናይ ሰላም ዘተ እወታዊ ውጽኢት ክህልዎ ንጸልይ

ኣብ ፈረንሳ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ኡክራይን ዞባ ዶንባስ ተኸሲቱ ዘሎ ኣድማይ ውግእ ሰላማዊ መፍትሒ ንኽረክብ ናይ ፈረንሳን ጀርመንን ሩሲያን ኡክርይን መራሕቲ ዕለት 9 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ዘካየድዎ ዓውደ ዘተ ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ኣብ በርሊን ተመሳሳሊ ዓውደ ዘተ ንኸካየድ ኡክራይንን ሩሲያን ከምእተሰማምዓ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ንዞባ ዶንባስ ፍልዩ ሉኣላዊ መመሓደሪ ሕጊ ክህሉን ኣብ መንጐ ሩሲያን ኡክራይንን ናይ ውግእ ምሩኻት ምልውዋጥን ዝብል ስምምዕ ኣብቲ ኣብ ፓሪስ ናይ ፈረንሳ መራሔ መንግስትን ናይ ጀርመንን ኡክራይንን ሩሲያን ጉጅለ ኣርባእቱ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሰላም ዓውደ ዘተ ሩሲያን ኡክራይንን ከምእተሰማምዓ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሳባቲነሊ ኣስዒበን፡ እቲ ንልዕሊ 13 ሺሕ ዜጋታት ሞት ምኽንያት ዝዀነ ብዙሓት ዘመዛበለን ኣብ ምብራቕ ኡክራይን ናይ ሩሲያ ፖለቲካዊ ህልዮ ዝኽተሉን ናይ ኡክራይን ሓይሊ ምክልኻልን ዝተባርዔ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ከብቅዕ፡ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ዓ.ም.  ኣብ መንጐ ናይ ሩሲያ ርእሰ ብሔር ፑቲንን ናይ ኡክራይን ርእሰ ብሔር ዘለንስክይን ከምእተበጽሔን ስዒቡ እውን ክሳብ ወርሒ መጋቢት 2020 ዓ.ም. ሓይሊ ምክልኻልን ኣጽዋር ውግእ ካብ ከባቢ ዶንባስ ምዝላቕ ዝብል ውሳኔ ምሉእ ብምሉእ ትግቡር ክኸውን ኣብ ዝብል ሓሳብ  ከምእተሰማምዑ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ምእንቲ ሰላም ኣብ ኡክራይን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ኡክራይን ሰላም ውሑስ ንኽኸውን ኣብ መንጐ ናይ ኡክራይንን ናይ ሩሲያን ፈረንሳን ጀርመንን ኣብ ፓሪስ ንኽካየድ ዝተወሰነ ናይ ሰላም ዘተ እወታዊ ውጽኢት ክህልዎ ንጸልይ ከምዝበሉ ክዝከር እንከሎ፡ ኣብቲ ናይ ፓሪስ ጉጅለ ኣርባዕተ ዓውደ ዘተ፡ ናይ ፈደራላዊት ሩሲያ ርእሰ ብሔር ፑቲን፡ ኣብ ናይ ኡክራይን ቀዋም ሃገር ናይ ዞባ ዶንባስ ፍሉይ ናይ መመሓደሪ ሕጊ ክህልው ዝብል ዓንቀጽ ከሳዅዕ ዝብል ሓሳብ ከምዘቕረቡን፡ ናይ ኡክራይን ርእሰ ብሔር ዘለንስክይ እውን ብወገኖም እቲ ምስ ፑቲን ዘካይድዎ ርክብ ክርክቦ እዩ ቢሎም ዝሓሰብዎ ውጽኢት ከምዘየዕተረ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ናይ ጀርመን መራሔ መግንስቲ መርከልን ናይ ፍረንሳ ርእሰ ብሔር ማክሮንን በቲ ዝተኻየደ ናይ ሰላም ዘተ ከምዝዓገቡን ዝካየድ ውግእ ብናይ ሰላም ዘተ ንኽፍታሕ ምድላይ ንገዛእ ርእሱ ቀዳማይ ዓወት እዩ ዝብል መግለጺ ከምዝሃቡ ሳባቲነሊ ሓቢረን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ኡክራይን ዘሎ ውጥረት መዕለቢ ክረክብ ከምዝጽልዩን ኩሉ ኣብዚ ጸሎት’ዚ ክሓብር ከይተሓለሉ ጻውዒት ዘቕርቡ ምዃኖም እውን የዘኻኽራ።

ኣብ መንጐ ኡክራይንን ሩሲያን ዘሎ ውጥረት ዝግ ዘብል ቀዳማይ ስጉምቲ
10 December 2019, 17:03