ኦፐን ኣርምስ ዝተባህለት መርከብ ኦፐን ኣርምስ ዝተባህለት መርከብ  

ቆሞስ ላምፐዱሳ ኣብ ኦፐንኣርምስ ዝተባህለት መርከብ ዘለዉ ስደተይናታት ብቅልጡፍ ናብ መሬት ኣውርድዎም

ኩነታት’ታ ስደተይናታት ጽዒና ካብ ሓያሎ መዓልታት ጀሚራ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ናይ ኣስታት 800 ሜትሮ ካብ ደሴት ሲሲልያ ርሒቓ እትርከብ ኦፐን ኣርምስ ዝተባህለት መርከብ፡ ናብ ወደብ ንምእታውን ሒዛቶም ዘላ ስደተይናታት ናይ ምርጋፍን ፍቓድ ብዘይምርካብ ትጽበ ዘላ ኣመልኪቶም ክቡር ኣባ ካርመሎ ላ ማግራ ምስ ራድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-ምልልስ፡ ነቲ ብፖሎቲካዊ ረብሓ ተደፊኡ ኣብ ልዕሊ ድኹማትን ድኻታትን ዝግበር ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕን ድራማን ብምኹናን፡ ከተማ ላምፐዱሳ ንቁምስንኣ ኣምሪሓ፡ ነቶም ኣብ’ታ መርከብ ዘለዉ ስደተይናታት ተቀቢላ ፍቅራ ክትገልጸሎምን ክትሕግዞምን ከተጸናንዖም ስንድውቲ ኢያ ኢሎም።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ቆሞስ ናይ ኣብ ደቡብ ጥርልያን እትርከብ ላምፐዱሳ ዝተባህለት ደሴት ዝኾኑ ክቡር ኣባ ካርመሎ ላ ማግራ፡ ብዛዕባ’ታ ስደተያናታት ጽዒና ካብ ገማግም ሲሲልያ ናይ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ወደብ ከይትጽጋዕን ስደተይናታት ከይተራግፍን ተኸልኪላ ዘላ ኦፐን ኣርምስ እትበሃል መርከብ ኣመልኪቶም ምስ ራድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፡ ነቲ ፍጻሜ ብሰንኪ ዘይቅርዑይ ፖሎቲካዊ ግጭት ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ ብብዙሕ መከራን ግፍዕን ሓሊፎ ዝመጹ ድኹማትን ድኻታትን  ስደተይናታት ዳግም ብኢሰብኣዊ ጭካነ ይግፍዑ ኣለዉ ብምባል ነቲ ዘይሓላፍነታዊ ፍጻሜ ኣትሪሮም ከምዝኾነንዎ ገሊጾም።

እታ መርከብ 88 ስደተይናታት ጽዒና ከምዘላን እንክሕበር፡ ብምልኦም ኣብ’ታ መርከብ ተጻዒኖም ዘለዉ፡ ብኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን መዳያት ኣዝዮም ተሰኒፎም ከምዘለዉ ግሊጾም። እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰዓታት፡ 9 ካብ’ቶም ስደተይናታት ናይ ጥዕና መርመራ ክገብሩ ክገብሩ ከምዝተራገፉን ናብ ካልእ ቦታ ክሰጋገሩን እንከለዉ፡ ካልኦት 9 እውን ካብ ዓቅሊ -ጽበት ዝተላዕለ፡ ናብ መሬት ንምውጻእ ካብ’ታ መርከብ ናብ ባሕሪ ከዝዘለሉን ብሓይሊ ባሕሪ ተደጊፎም ከምዝደሓኑን ሓቢሮም።

ነዚ ዘጉህን ዘሕፍርን ኣካይዳ ዘስተውዓሉ ኣባ ካርመሎ፡ ብተሪር ቃላት፡ እቲ እንኮን ቅኑዕን ኣማራጺ፡ ግዜ ከይወሰድካ ብቕልጡፍ ንኩሎም ኣብ’ታ መርከብ ዘለዉ ስደተይናታት ምርጋፍን ምቕባልን እዩ ኢሎም።

ኣባ ካርመሎ፡ ኣብ ኩነታት`ቲ ፍጻሜ ዘለዎም ርእይቶ ድሕሪ ገሊጾም፡ ንገለ ሓጸርቲ ሕቶታት ብከምዚ ዝስዕብ መሊሶም፥

መጀመርያ ዝቐረበሎም ሕቶ ʽኣብዞም ስደተይናታት ወሪዱ ዘሎ ግፍዒ፡ ብሓቂ ብሰንኪ ህሉው ፖሎቲካዊ ረጽሚ ዝሰዓበ እዩ`ዶ ትብሉ፧ʼ ዝብል ኮይኑ፡ ነዚ ንምምላስ ብርግጽ ይብሉ ኣባ ካርሜሎ ʽብርግጽ! እቲ ኣብ ሕዝቢ ዘሎ፡ ንስደተይናታት ከም ጥንቂ ናይ ፍርሕን ካልእ ኩሉ ኣብ’ዚ ሃገር ዘሎ ሽግር ጌርካ ምውሳዶም፡ ፈጺሙ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ከምዝኾነ ካብ’ዞም ኣብ’ዛ መርከብ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዘለዉን፡ ሓገዝ ዘድልዮምን ስደተይናታት ክንመሃር ንኽእል ኢናʼ ብምባል መሊሶም።

ስዒቡ ዝቐረበ ሕቶ ʽብዙሕ ጊዜ ንኣተኩሮ ናይ ህሉው ፖሎቲካ ኣመለኪትና፡ ከምዝርአ ዘሎ፡ ብዛዕባ ብባሕሪ ዝመጹ፡ ብመራኸቢ ብዙሓን ʽብዘይሕጋውያን ስደተይናታትʼ ዝብል ስም ዝጽውዑ ስደተይናታት ምስ ዝለዓል፡ ንዘይመንግስታውያን መራክብ፡ ብፍላይ ንኦፐን ኣርምስ ʽናይ ባሕሪ ታክሲʼ ዝብል ስም ብምጥማእቕ፡ ንዝዕየ ዘሎ ወፍሪ ናይ ሕይወት ኣድሕን፡ ጎሲኻ ብምሕላፍ፡ ከም ጠንቂ ምምእጻ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ዝሕሰባ ስለምንታይ`ዩ፧ʼ ዝብል ሕቶ ንምምላስ ʽእዚ ፍጻሜ`ዚ ኣብ ኦፐን ኣርምስ ጥራሕ ዝተኸስተ ዘይኮነ፡ ኣቐድም ኣቢሉ’ውን ኣብ ሲ ዎችን ካልኦትን ተፈጺሙ ኢዩ። ኮይኑ ግን እዘን ዘይ-መንግስታውያን መራክብ፡ ኣብ ወፍሪ ሕይወት ኣድሕን ተጸሚደን፡ ሕይወት ብዙሓት ስደተይናታት ከምዘድሓና ምስክርነት ዘየድልዮ ጭቡጥ ስራሕ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ሕይወት ንምድሓን ካብ ዝብል ሓሳብ ዝተላዕለ፡ ካብ ሊብያ ብዘይ ውሑሳት ጀላቡ ከይብገሱ’ውን ብዙሕ ዘበርክቱ እዮም። ብተወሳኺ ብውሑድ ቁጽሪ ደኣ ይኹኑ እምበር፡ ኣብ’ቲ ከባቢ መዓልታዊ ዕድለይናታት ዝኾኑ ስደተያናታት ጽዒነን ዝኣትዋ ናእሽቱ ጀላቡ ከምዘለዋን፡ ሓይሊ ባሕሪ ከምዝቕበልወንን ንርኢ ኢና።  ስለ`ዚ ነቲ ስራሕ ንምትዕንቓፍን ንዕኦም ንምጽላምን ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉ ክህልዎ ኣይክእልን’ዩʼ ብምባል መሊሶም።

ስዒቡ ዝተሓተተ ሕቶ ʽኣብ ላምፐዱሳ ዘላ ቤተክርስትያን፡ ብባሕሪ ንዝኣትዉ ስደተይናታት ኣብ ምቕባል ዘለዋ ተራ ከመይ`ዩ፧ʼ ዝብል ህሕቶ ንምምላስ፡ ʽኣብ ላምፐዱሳ እትርከብ ቁምስና፡ ኣቀማምጥኣ ኣብ ቃልዕ ንኹሉ ክፉት ዝኾነ ቦታ ዝተደኮነት ኮይና፣ ኩሉ ጊዜ ንሽጉራትን ንድኻታትን ስደተይናታት ንምቕባልን ምሕጋዝን ማዕጾኣ ክፉት ኮይኑ፡ ቀጥታ ካብ ባሕሪ ድሕሪ ምርጋፎም፡ ናብ’ቲ ቁምስና ብምምጻእ፡ ነጻ ናይ ኢንተርነትን ተለፎን ኣገልግሎት ብምሃብ፡ ምስ ኣብ መበቆል ዓዶም ዘለዉ ስድራቤታቶም ከምዝራኸቡን ብምግባር፡ ናይ መጀምረያ ፍቕራውን መሰረታውን ሓገዝ ኣብ ምሃብ ንነጥፍን ንቐጻሊ’ውን ክንቅጽሎን ኢናʼ ብምባል ቃለምልልሶም ዛዚሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
21 August 2019, 18:53