ኣድሕን ሕጻናት፥ ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ከባቢ ሕጻናት ንምክልኻል ሕጽረት መዋዕለ ንዋይ ኣድሕን ሕጻናት፥ ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ከባቢ ሕጻናት ንምክልኻል ሕጽረት መዋዕለ ንዋይ 

ኣድሕን ሕጻናት፥ ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ከባቢ ሕጻናት ንምክልኻል ሕጽረት መዋዕለ ንዋይ

እቲ ሰነድ ከምዝሕብሮ ካብ 1990 ክሳብ 2019 ዓ.ም. ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ውግእን ዓመጽን ኣብ ዝረአየሉ ከባቢ ሓለዋ ናይ ዘድልዮም ሕጻናት ብዝሒ ብዕጽፊ ክብ ከምዝበለን፡ ብፍላይ ካብ 2010 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ብሰለስተ ዕጽፊ ክብ ከምዝበለን

ናይ ሕጻናት ጉዳይ ዝሓልይ ዓለም ሓቆፍ ኣድሕን ሕጻናት ማሕበር፡ ኣብ ዘውጸኦ ናይ መወዳእታ ናይ ጸብጻብ ሰነድ፡ ኣብ ዓለም ብፍላይ ኣብቲ ውግእን ዓመጽን ኣብ ዝረኣየሉ ከባቢ ሕጻናት ንምክልኻልን ንምድሓንን ንዝካየድ ናይ ግብረ ሰናይ መደብ መሳለጢ ዝኸውን ሕጽረት መዋዕለ ንዋይ የጋጥም ከምዘሎ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓለም ሓቆፍ ኣድሕን ሕጻናት ማሕበር ግብረ ሰናይ፥ ኣልቦ ሓለዋን ንናይ ሕጻናት ሓለዋ ዝሕንጸጽ ናይ ሰብኣዊ መደብ መሳለጢ ሕጽረት ቁጠባ ብዝብል ኣርእስቲ ነቲ ዕለት 18 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ኣብ ነው ዮርክ ብውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ዝተጠለበ ዛዕባ ናይ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ምዕባለ ውድዖታት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝመክር ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ንምቕራብ ኣሚቱ ዘውጸኦ ክኸውን እንከሎ፡ ሓደ እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውድብ ሸቶታት ውግእን ዓመጽን ኣብ ዝረኣየሉ ከባቢ ዓለም ሕጻናት ንምክልኻል ዘኽእል መደብ ምርግጋጽ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ናይ ኣድሕን ሕጻናት ማሕበር ጸብጻብ ንዓለም ሓቆፍ ማሕበር ናይ መጠንቀቕታ ደወል ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ሕጻናት መሰልን ክብርን ግህሰትን ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ዓመጽ ብቕሉጡፍ ንምግታእን  ካብ ዓመጽን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሕጻናት ንምክልኻል ዘብቕዕ መገዲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ብቕልጡፍ ክቕንዕን ሕጽናት ንምክልኻል ዝሕንጸጹ መደባት ንኽሳለጥ ብቕዕ ድጋፍ ኣብ ምቕራብ ክተግህ ዝጸውዕ ሰነድ እውን እዩ።

ውግእን ዓመጽን ኣብ ዝረኣየሉ ከባቢ ዓለም ሕጻናት እዚዮን ንሓደጋ ዝተቓልዑ እያቶም

እቲ ሰነድ ከምዝሕብሮ ካብ 1990 ክሳብ 2019 ዓ.ም. ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ውግእን ዓመጽን ኣብ ዝረአየሉ ከባቢ ሓለዋ ናይ ዘድልዮም ሕጻናት ብዝሒ ብዕጽፊ ክብ ከምዝበለን፡ ብፍላይ ካብ 2010 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ብሰለስተ ዕጽፊ ክብ ከምዝበለን ከመልክት እንከሎ፡ ነዚ ዅሉ ግምት ብምሃብ ሕጻናት ንምክልኻል ዘድሊ መደባት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘብቕዕ ናይ መዋዕለ ንዋይ ሕጸረት የጋጥም ከምዘሎን፡ ኣብ ኣፍጋኒስታንን ኣባ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃን ንመደብ ሕጻናት ምክልኻል መሳለጢ ዘድሊ ናይ ገንዘብ ወጻኢ ክስላዕ ካብ ዝነበሮ 25 ሚእታዊ 18 ሚእታዊ ጥራሕ ከምእተሰልዐ ካብቲ ሰነድ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣድሕን ሕጻናት፥ ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ከባቢ ሕጻናት ንምክልኻል ሕጽረት መዋዕለ ንዋይ
13 July 2019, 18:16