ዩኑስ ኣብ ናይ ሕርሻን መግብን ውድብ፥ ኢማዕርነት ሰዓቱ ዝተመልአ ተፈንጃሪ ቦምቢ እዩ ዩኑስ ኣብ ናይ ሕርሻን መግብን ውድብ፥ ኢማዕርነት ሰዓቱ ዝተመልአ ተፈንጃሪ ቦምቢ እዩ 

ዩኑስ ኣብ ናይ ሕርሻን መግብን ውድብ፥ ኢማዕርነት ሰዓቱ ዝተመልአ ተፈንጃሪ ቦምቢ እዩ

ንውሑዳት ጥራሕ ሃብታም ዝገብርን እቲ 99 ሚእታዊ ብዝሒ ሕዝቢ ዓለም ነቲ ሕደ ሚእታዊ ሃብቲ ዓለም ዝውንን እቲ ዝተረፈ ሓደ ሚእታዊ ነቲ 99 ሚእታዊ ዝውንን ክኸውን ዝገበር ስርዓት ቁጠባን ኤኮኖምን ዓለም፡ እናተመሓየሸ ዘይኰነስ መግለጺ ናብ ዘይብሉ ድኽነት ዝድርክ ኰይኑ ከምዘሎን

ኣብ ሃገረ ማእከላይ ኣፍሪቃ ተስፋ ዳግም ንምሕናጽ፡ ዕለት 22 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ቅድሚ 2 ዓመት ኣብ መንጐ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብን 12 ናይ ሰላም ኖበል ተሰለምትን ዝቖመ ቃል ኪዳን፡ ቀዳማይ ውጽኢቱ ንምግላጽ ኣብ ዘተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ናይ  ስነ ኤኮኖሚ ሊቅ ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ሙሃማድ ዩኑስን ብፁ ኣቡነ ሰጉንዶ አኻዶ ሙንዮዝ ከምእተሳተፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ጠቕላላ ብዚሒ ዓለም እቲ 60 ሚእታዊ ዝሽፍን ኣብቲ ግጭትን ውጥረትን ዘለሉ ክፍሊ ዓለም ዝነብር እዩ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት መግቢ ንምብርካብ ብዝብል ምኽንያት ዝባራዕ ውግእ ክብ ከምዝበለ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ዋና ኣመሓዳሪ ኾሰ ግራዚኣኖ ዳ ሲልቫ ገሊጾም፡ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ብትኽክል ልክዕ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝቖመ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ምዃኑን ቀንዲ ምኽንያት ቅዋሜኡ ኣብ ዘብርህሉ መደረ ዘኪሮም፡ ዕላማኡ ንሕዝቢ ዓለም ውሕስነት መግቢ ብምርግጋጽ ሰላም ምዕታር ዝብል ምዃኑ ሓቢሮም። እቲ ዝኽተሎ ዕላማ ቅድሚ ክልተ ዓመት ቃል ኪዳን ኣብ መንጐ ናይ መግብን ሕርሻን ዓለም ሓቆፍ ውድብን ናይ ሰላም ኖበል ተሰለምትን ቃል ኪዳናዊ ርክብ ንኸቑም ከምዝድረኸ ኣብሪሆም፡ ፈለማ ኣብ መንጐ እቲ ውድብን ብናይ ኤኮኖሚ ሊቅ ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ተወላዲ ባንግላደሽ ሙሓማድ ዩኑስ ዝምራሕ ኣርባዕት ናይ ሰላም ኖበል ተሰለምቲ ዝሓቁፍ ከይኑ ከምእተበገሰን ሎሚ 12 ናይ ሰላም ኖበል ተሰለምቲ ዝሓቁፍ ኰይኑ ከምዘሎ ገሊጾም፡ ናይ ሃገራት መግባዊ ርእሰ ብቕዓት ንጸረ ጥምየትን ንምርግጋጽ ሰላም ኣብ ዓለምን ዝብል ዕላማ ዘለዎ ቃል ኪዳን እዩ ከምዝበሉ ጂሶቲ ኣሊጠን።

ሜላ ኤኮኖሚ ብሕጹጽ ምትኽኻል

ናይ ስነ ኤክኖሚ ሊቅ ተወላዲ ባንግላደሽ ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ፡ ፕሮፈሰር ሞሓማድ ዩኑስ እውን ብወገኖም፡ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ዓለም ሓቆፍ መግብን ሕርሻን ዋና መንበር ኣብ ዘሎ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብተኸታተልቲ ኣብ ዘዕለቕለቐ ዓውደ መግለጺ ተረኺቦም፡ እቲ ኣብ 1976 ዓ.ም. በቲ ኣብ ስራሕ ዘሎ ናይ ዓለም ኣባይቲ ባንኪ ዑደት ክዋስኡ ኰነ ልቓሕ እውን ክሓቱ ዘይክእሉ እቲ ናይ ዓለም ናይ ኤኮኖሚ ሜላ ዝሓርጎም ድኻታት ካብቲ ዝወደቕሉ ኢሰብኣዊ ኵነት ሕይወት ንኽላቐቑን ብቕዓተ ርእሰ ምሕዳር ክህልዎም ዝድግፍ እቲ ናይ ንኡስ ልቓሕ ኣቕራቢ ባንኪ ቤት ዘቖሙ ምዃኑ ዝዝኸር ኰይኑ፡ እቲ ንኡስ ልቓሕ ምቕራብ ዝብል ናይ ቁጠባ ፍልስፍና ሎሚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝትግበር ኰይኑ ከምዘሎ ይሕብሩ፡

ማሕበራዊ ቁጠባ ምንቕቓሕ

ንውሑዳት ጥራሕ ሃብታም ዝገብርን እቲ 99 ሚእታዊ ብዝሒ ሕዝቢ ዓለም ነቲ ሕደ ሚእታዊ ሃብቲ ዓለም ዝውንን እቲ ዝተረፈ ሓደ ሚእታዊ ነቲ 99 ሚእታዊ ዝውንን ክኸውን ዝገበር ስርዓት ቁጠባን ኤኮኖምን ዓለም፡ እናተመሓየሸ ዘይኰነስ መግለጺ ናብ ዘይብሉ ድኽነት ዝድርክ ኰይኑ ከምዘሎን፡ ነዚ ከይዲ ቁጠባን ከይዲ’ዚ ሰዓቱ ዝተመልኤ ተፈንጃሪ ቦምቢ እንክብሉ ገሊጾም፡ እዚ ተፈንጃሪ ቦምቢ’ዚ ብዓንተውኡ ዘፍሽሎ ዕድል እንተድኣ ዘይተፈጥረ ንማንም ዘየናሕስይ ሰደድ ባርዕ ከምዝኸውን ዝተረጋገጸ እዩ ከምዝበሉ ጂሶቲ ገሊጸን።

ዘሰክፉ ምልክታ ማሕበራዊ እንጽርጽሮት ድሮ ይቐላቐል ኣሎ

ንኣብነት ኣብ ፈረንሳ፥ ምንስቓስ ብጫ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ምውጻን ዝብል ምርጫን ጸኣት ስደተይናታትን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብቲ ምስ መክሲኮ ምስ ዘዳው ከባቢ ኣተቑሞ መንደቕን፡ … ድሮ ዝረአይ ዘሎ ምልክታ ማሕበራዊ እንጽርጽሮት እዩ፡ ውልቃዊ ረብሓ ሚዛን ኩሉ ክኸውን ዘይከኣል እዩ፡ ነቲ ውልቃዊ ረብሓ እውን ከይተረፈ ዘምክን ኩነት እዩ ዝፈጥር፡ ኤኮኖሚ ውቃዊ ረብሓ ጥራሕ ዘይኰነ ማሕበራዊ ረብሓ እውን ዝብል እዩ፡ ንናይ ዜጋታት ብቕዓት መሃዝነት ሃብቲ ገንዘብ ምፍሳስ ይሓትት፡ እቲ መኽሰብ ጥራሕ ዝብል ከይዲ ኤኮኖሚ ከብቅዕ ኣለዎ እንተዘይኰነ ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ዝሕብር ጭቡጥ ምልክታ ኣብ ዓለም ይቀላቕል ኣሎ።

ኵነታት ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ

ህልው ኩነታት ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ንምልዋጥን ካብቲ ደማዊ ሕድ ሕዳዊ ግርጭት ዝተላቀት እውን እተዀነ ካብ  ናብ ካልእ ሕድ ሕዳዊ ግጭት ከይእተው ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ክፍሊ ኣኮኖሚ ዘተባብዕ መደብ ሓገዝን ፍትሓዊ ከይዲ ዝስዕብ ቁጠባውን ኤኮኖሚያውን ሜላ ክዝርጋሕ ኣለዎ፡ እዚ ንምኽዋን እንተድኣ ዘይተኸኣለ ንሕድሕዳዊ ግጭት በራታ ንኽትከፍት ምሕዳግ እዩ ዝኸውን፡ ድጋፍን ምትሕብባርን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ የድልያ እንክብሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ጂሶቲ ኣፍሊጠን።  

ዩኑስ ኣብ ናይ ሕርሻን መግብን ውድብ፥ ኢማዕርነት ሰዓቱ ዝተመልአ ተፈፍንጃሪ ቦምቢ እዩ
23 May 2019, 17:53