ናይ ህንድን ፓኪስታንን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ንሰላም ናይ ህንድን ፓኪስታንን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ንሰላም 

ናይ ህንድን ፓኪስታንን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ንሰላም

ናይ ስላማባድን ራዋልፒንዲን ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ኣርሻድ እውን ብወገኖም ናይ ፓኪስታንን ህንድን መራሕቲ ናይ ሰላም ዘተ ከበግሱን

ናይ ህንዲ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ናይ ቦምባይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦዋልድ ግራሲያስን ኣብ ፓኪስታን ናይ ኢስላማባድን ራዋልፒንዲን ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ፓኪስታን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ኣርሻድ እቲ ኣብ መንጐ ህንድን ፓኪታንን ዘዘንብይ ዘሎ ናብ ውግእ ሃዋሁ ክውገድ ብሓባር ናይ ሰላም ጻውዒት ከምዘቕረቡ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዚና ልኡኽ ጋዜጠይናሮቦን ጐምዝ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ኣብ መንጐ እዘን ክልተ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ወነንቲ ሃገርት ዝተፈጥረ ውጥረት ብመገዲ ሰላምን ዘተን ክፍታሕ ናይ ህንድን ፓኪስታንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ነናብ መንግስታቶም ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ሪቢን ጐመዝ ኣስዒቦም፡

ቤተ ክርስቲያን ህንዲ

ናይ ቦምባይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦስዋልድ ግራሲያስ፡ ኣብ መንጐ ህንድን ፓኪስታንን ሰላም ክህሉን እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእ ብጐዳና ዘተ መፍትሒ ከናደየሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ግብረ ሽበራ ንኹንን፡ ናብ ውግእ ዘብጽሕ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ተግባር ከይህሉ ጸዋዕታና ነቕርብ፡ ናይ ደቡባዊ ከባብን መላእ ዓለም ሰላም ዝምልከት ጉዳይ እዩ፡ ስለዚህ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ውጥረት ብርግኣትን ብዘተን ሰላማዊ መፍትሒ ክድለየሉ ሓደራ ከምዝበሉ ገሊጾም።

እቲ ኣብ ግዝኣት ህንዲ ዞባ ካሽሚር ዕለት 14 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ናይ እስላማዊ ጃይሽን ሞሓመድ ዕጡቓት ሓይሊ ኣባል ቦምቢ ብዝተጸምዳ ማኪና ብዝፈጸሞ ግብረ ሽበራ ምኽንያት 40 ናይ ሕንዲ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ንሞት ምስ ዳረገ ነዚ ስዒቡ ዝተበገሰ ኣብ ሞንጐ ክልቲኣተን ሃገራት ደቡባዊ  ከባቢ እስያ ዝፈጠሮ ኩነታት ዘስግእ ምዃኑ ሓቢሮም፡

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፓኪስታን

ናይ ስላማባድን ራዋልፒንዲን ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ኣርሻድ እውን ብወገኖም ናይ ፓኪስታንን ህንድን መራሕቲ ናይ ሰላም ዘተ ከበግሱን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ብሰላማዊ መገዲ ክፈትሕዎ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ሕዝቢ ፓኪስታን ኰነ ሕዝቢ ህንዲ ደላይ ሰላም እዩ ክምዝበሉ ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዞባ ካሽሚር ብዙሓን ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ዝነብሮ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ንልዕሊ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ሃገራት ብይግብኣኒ ሕቶ ምኽንያት ውጥረት ኰይኑ ከምዝጸንሔን እዩ ዝፍለጥ። 

ናይ ህንድን ፓኪስታንን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ንሰላም
01 March 2019, 18:21