ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ፥ ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ዝረአይ ዘሎ ምልክታ ሰላም ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ፥ ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ዝረአይ ዘሎ ምልክታ ሰላም 

ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ፥ ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ዝረአይ ዘሎ ምልክታ ሰላም

ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርአይ ዘሎ ተስፋ ብዙሕ ጊዜ ቅዱስ ኤጂዲዮ ምስ ቅዱስነቶም ከምዝመያየጥን እቲ ነቲ ልዕሊ 20 ዓመት ዘቑጽር ዝነበረ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ውጥረት ዘወግደ ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ ኣብቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካመ መንግስታት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ምዝካሮም ዓቢይ ምልክታ ሰላም እዩ

ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ዓለም ሓቆፋዊ ርክባት ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ማውሮ ጋሮፋሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ዝርከብ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ልኡካነ መንግስታት ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ዝተራእዩ ናይ ሰላም ምልክታ ኣመልኪቶም ካብቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ መንጐ ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ ፖለቲካ መራሕትን ኣብ መንጐ ሰሜንን ደቡብ ኰርያን ዝተራእዩ ናይ ሰላም ከይዲ ጀሚሮም ዘስመሩሉ ሓሳብ ተስፈይናን ንሰላም ዘነቓሕን እዩ እክብሉ ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ይብሉ ጋራፋሎ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምሕትት፡ እቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ ተስፈይና ምዃኑ ገሊጾም፡ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎን እተን ኣብ ዘይ ሰላምን ዘይ ውግእን ንዘለዋ ጥራሕ ዘይኰነ ነተን ኣብ ውሽጣዊ ሁከትን ቅልውላውን ንዝርከባ ሃገራት እውን ተስፋ ዘመላኽት እዩ፡ እዚ ሕቡራት መንስታት ዓለም ዘተቨረ ዝብል መጸውዕ ስም ዝወሃቦ ኣብ ዓለም ሰላም ንክረጋገጽ ውግእን ወረ ውግእን ክውገድ ኣበርቲዑ ዝንቀሳቐስ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣብ ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ዝተፈላለዮ ፖለቲካዊ ወተሃደራዊ ሓይልታት ዘካይድዎ ዘለዉ ግጭት ሰላማዊ መፍትሒ ንኽረክብ ኣበርቲዑ ይዓዪ ከምዘሎ እውን ኣዘኻኺሮም፡ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ በዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ኣብ 2019 ዓ.ም ወርሒ ጥሪ መወዳእታ ኣብ ርእሰ ከተማ ባንጉይ ኣብ መንጐ እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ናይ ሰላም ዘተ ክካየድ ምዃኑ ገሊጾም።

ኣብ ኣፍሪቃ ዝረአይ ዘሎ ተስፋ

ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርአይ ዘሎ ተስፋ ብዙሕ ጊዜ ቅዱስ ኤጂዲዮ ምስ ቅዱስነቶም ከምዝመያየጥን እቲ ነቲ ልዕሊ 20 ዓመት ዘቑጽር ዝነበረ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ውጥረት ዘወግድ ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ ኣብቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካመ መንግስታት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ምዝካሮም ዓቢይ ምልክታ ሰላም እዩ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ መንጐ ርእሰ ብሔር ሳልቫ ቒሪን ነበር ምኽትል ርእሰ ብሔር ራይክ ማቻርን ዝካየድ ዘሎ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ብሰላማዊ መገዲ መፍትሒ ንኽረክብ ዝገብረ ዘሎ ጻዕርን ነቲ ኣብ መንጐ ሰሜንን ደቡብ ኮርያ እውን ዘሎ ሓድሽ ርክብ ዘርእዮ ዘሎ ምልክታ ሰላም ምሕባሮም ንገዛእ ርእሱ ሰላም ዘነቓቕሕን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኣብ ጐደና ሰላም ክተሓባበርን ሰላም ቀዳማይ ዕላማኡ ክገብር ዘተሓሳስብ እዩ እንክብሉ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም። 

ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ፥ ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ዝረአይ ዘሎ ምልክታ ሰላም
11 January 2019, 17:17