ዝኽሪ ሕልፈት ናይ ጸረ ዓሌታዊ ፍልያ ተቓላሳይ ማንዴላ

ማንዴላ ንፍትሕን ንማዕርነትን ናጽነት ይቕረ ንምብህሃል ዝተቓለሱ ካብ ድላይ ሕነ ምፍዳይ ገዛእ ርእሶም ናጻ ዘውጽኡ፡ ሕነ ንምፍዳይ ምቹእ ጊዜ ካብ ዝጽበይ ሰብ ንላዕሊ ምቑሕ ሰብ የሎን ዝብሉ

ዕለት 5 ታሕሳስ ዝኽሪ መበል 5 ዓመት ሕልፈት ጸረ ዓሌታዊ ፍልያ ተቓላሳይ ማንደላ ኣብ መላእ ዓለም ታሪኾምን ቃልሶምን ምእንቲ ክብርን ሓለዋን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝኸፈልዎን ዝፈጸምዎን ገድሊ ብዝዘክር ስነ ስርዓት ተዘኪሩ ከምዝወዓለ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕለት 5 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ኣብ መበል 95 ዓመት ዕድመኦም ነበር ቀዳማይ ጸሊም ርእሰ ብሔር ደቡብ ኣፍሪቃ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሃገሮም ዝነበረ ዓሌታዊ ፍልያ ክውገድን ናይ ደቂ ሃገር መሰልን ክብርን ክሕለውን ነቶም ኣብ ድኽነትን መግዛእትን ዝነበሩ ጸለምቲ ተወለድቲ ሃገር መሰሎምን ክብሮምን ክሕለወሎም ከም ምሉእ ዜጋ ዝነብርሉ ኩነት ማዕርነት ክፍጠረሎም ዝተቓለሱ፡ እቲ ዘካይድዎ ቃልሲ ተዓዊቱን ንሶም ናይታ ሃገር መራሒ ናብ ምዃን ዝበቕዑን ኣብ ሃገርን ዓለም ሰላም ብፍትሕን ምሕረትን ክረጋገጽ ካብ ሃገሮም ወጻኢ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዘበርከቱ ኣፍሪቃዊ እዮም።

ናጽነት ንዅሉ

እቲ ንልዕሊ 20 ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሮበን ደሴት ዘሕለፍዎ ጽንኩር ተመክሮ ኣእምሮኦምን ድላይ ናጽነቶምን ዘየንበርከኸ ምዃኑ ዘመስከሩ፡ ምእንቲ ሰላምን ናጽነትን ዝቖሙ፡ ድሕሪ ሕልፈቶም ሎሚ እውን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣብ መላእ ዓለምን ቃላቶምን መደረኦምን ታሪዀምን ኣሰር ኣንቢሩ ዝሓለፈ ብምዃኑ ይቃላሕ ኣሎ። “ድኽነትን ሕማምን ክሳብ ዘሎ ኣብ ጸቕጥን ጭቆናን ዝነብር ሰብ ክሳብ ዘሎ፡ ናይ ኩሉን ንዅሉን ናጽነት ክሳብ ውሑስ ዘይኰነ ዕዮና ገና ኣየብቀዔን” ዝብሉ ዝነበሩን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየትን ማዕርነት ፍትሕን ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥሩ ውሕስ ምግባር ሰላም ምርግጋጽ እዩ ዝኸውን እንክብሉ ምስ ዝገልጽዎ ሃሳብ ዝማላእ እዩ፡ ዝዀነ ይዅን ዓይንት ዓሌታዊ ፍልያን ቀቢላውነትን ብሃይማኖትን ፖለቲካን ምኽንያት ዝፈጥረ ግጭት ክውገድ ከይተሓለሉ ኣብ ቅድሚ መንግስታት ዝብልዎን ዘቃልሕዎን ዕሴት እዩ።

ሓድሽ ኣድልዎ ምውጋድ

ዓሌታዊ ፍልያ ናይ ዝሓለፈ ዘመን ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘውረሶ ዘሕዝን ታሪኽ እዩ፡ ማንዴላ እዚ ዓይነት መግዛእትን ዓሌታዊ ፍልያን ካብ ሃገሩ ክውገድ ዝመረሔን ክሳብ ማእሰርቲ ዝወረዱን ዝተሳቐዩን ናይ ሰላም ተቓላሲ እዮም፡ ምእንቲ ፍትሕን ሰላምን ማዕርነት መግረፍትን ዓፈናን ኣድልዎን ስቓይን ማእሰርትን ዝተጻወሩ ማሕበራዊ ተነጽሎነት ክውገድን ማዕርነትን ፍትሕን ሰላምን ወይ ሞት ዝበሉ እዮም፡ ሎሚ ኣብ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ዝረአይ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ንምውጋድ ማሕበራዊ ፍትሒ ከም ምርጫ መፍትሒ ኣክንዲ ምጥቃም ፈላላይ መናድቕ ምስፋሕ ዝብል ምርጫ ክቃላሕ ይርኣይ ኣሎ፡ ኣብ ኤውሮጳ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብታ መሬት ማንዴላ ዝዀነት ኣፍሪቃ እውን ዝረኣይ ዘሎ ጸገም እዩ።

ውርሻ ማንዴላ

ማንዴላ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈለየላ ዕለት ምዝካር ነቲ ንናጽነትን ፍትሕን ማዕርነትን ንምርግጋጽን ኣድልዎ ንምውጋድን ዘካየድዎ ቃልሲ ኣብ እነብረሉ እዋን ብሓድሽ መንፈስ ብምዝካር ተመሳሳሊ ጸረ ስብኣዊ ተግባር ከይኽሰት ንዝብል ድላይ ምሕያል እዩ፡ ኣብ 1993 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖበል ተሰላምን ኣብ 2006 ዓ.ም. ብኣምነስት ኢንተርናሺናል-ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተማጓቲ ማሕበር ንናይ ሕልና ናጽነት ልኡኽ ገይሩ ዝሰመዮምን ካብ ዓለም ሕማም ኤይድስ ንኽወገድን እቶም በዚ ሕማም ዝተለኽፉ ድኻታት ምርካብ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት መሰሎምን ክብሮም ክኽበረሎም ዝተሟገቱን ንፍትሕን ንማዕርነትን ናጽነት ይቕረ ንምብህሃል ዝተቓለሱ፡ ካብ ድላይ ሕነ ምፍዳይ ገዛእ ርእሶም ናጻ ዘውጽኡ፡ ሕነ ንምፍዳይ ምቹእ ጊዜ ካብ ዝጽበይ ሰብ ንላዕሊ ምቑሕ ሰብ የሎን ዝብሉ  እዮም።  

07 December 2018, 16:29