2018.11.14 ዓለምለኸ ዕለተ ሽኮርያ 2018.11.14 ዓለምለኸ ዕለተ ሽኮርያ 

ዓለምለኸ ዕለተ ሽኮርያ ኣብ ግደ ሥድራቤት የተኵር!

ኣብ`ዚ እዋን እዚ ካብ ሕዝቢ ዓለምና ልዕሊ 400 ሚልዮን ዝኸውን ሕማም ሽኮርያ ኣማዕቢሎም ከም ዘለዉ ይፍለጥ። ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 14 ሕዳር 2018 ዓ ም መዓልቲ ሽኮርያ ከምዝተዘከረ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ዓለም ለኻዊ ውድብ ጥዕና ንገለ ካብቶም እዚ ሕማም ዘለዎም ናይ ቀረባ ቤተ ሰብ፣ ብፍላይ ኣብ ወለዲ ምስ ዝህሉ፣ ኩነታት ሽኮርያ ንምፍላጥ ቅድሚ እቲ ሕማም መርመራ ክገብሩን፣ ጥጡሕ ሜለ ዘለዎ መነባብሮ ክኽተሉን ኣለዎም ክብል ኣተሓሳሲቡ።

 ሙሴ ዮሓንስ - ከተማ ቫቲካን!

ዓለምለኸ ዕለተ ሽኾርያ ንሎብዘበንን ንዓመታን መሪሕ ክኾኖ ዝወሰኖ ኣርእስቲ `ስድራቤትን ሽኮርያን ‘ ዝብል እዩ። ዓለም ለኸ ፈደረሽን ሽኮርያ ብ1991 ዓ ም ብደገፍ ዓለም ለኻዊ ውድብ ጥዕና ከምዝተመስረተን ቀንዲ ዕላማኡ ከኣ እዚ ሕማም እዚ ኣብ ማሕበራዊ ኩነታት ሕዝቢ ዘስዕቦ ጸገማት ተገኒዝብካ ንምክልካል ዝኣኽል ንጥፈታት ንምግባር እዩ ነሩ። ካብ 2006 ዓም ጀሚሩ ከኣ ብመሰረት ውሳኔ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዕለት 14 ሕዳር 2006 ዓ ም  ዓለም ለኸ ዕለተ ሽኮርያ ኮይና ዓመት ዓመት ትዝከር ኣላ።

ልዕሊ 425 ሚልዮን ህዝቢ ዓለም ኣብ ትሕቲ ሕማም ሽኾር ከምዝነብሩ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት እውን እዚ ቊጽሪ እዚ ከምዝውስኽ ይንገር። ሕማም ሽኮር ዘስዕቦ ሕማማት ከም በዓል ዑረት ዓይኒ፣ ድኽመት ናይ ኩሊት፣ ናይ ልቢ ወቅዒ ፣ ካብ ታሕታይ ማሕውር ሞቁረጽቲ ዝኣመሰሉ ሙዃኖም ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን እዚ 422 ሚልዮን ሚልዮን ሕዝቢ ዓለም ሽኮርያ ኣማዕቢሎም ከምዝነበሩ ኣብ ናይ 2014 ዓ ም ጸብጻብ ዓለም ለኸ ፈደረሽን ሽኮርያ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይንገር። ብተመሳሳሊ ውን ኣብ 1980 ዓ ም 108 ሚልዮን ሕዝቢ ዓለም ሕማም ሽኮርያ ከምዝነበሮም እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ኽሕበር እንከሎ፣ እዚ ምስ ናይ 2014 ዓ ም ዝነበረ ናህሪ ግዳያት ሕማም ሽኮር ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ብልዑል ናህሪ ይውስኽ ከምዘሎ ተመልኪቱ። እዚ ከኣ ካብ 4.7 ሚእታዊት ናብ 8.5 ሚእታዊት ክብ ብምባል ዝበዝሑ ኣብ ግርዝውና ዝርከቡ ህዝቢ ሙካኖም ይንገር።

እዚ ሕማም ሽኮር ብልዑል ናህሪ ኣዝዩ ሓደገኛ እና ኮነ ይመጽእ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብሓቂ ዓቢ ቁጽጽር ዘድልዮ ሙዃኑ ይንገር። ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት እዚ ልዑል ናህሪ ናይ ሕማም ሽኮርያ ብዝያዳ ኣብተን ትሑትን ማእከለይን እቶት ዘለወን ሃገራት፣ ካብተን ልዑል ኣታዊታት ዘለወን ሃገራት ብዝለዓለ የስፋሕፍሕ ምንባሩ ይፍለጥ።

ነዚ ሕማም ሽኮር ንዝግበር ናይ ምኽልካልን ሙቑጽጻርን ሜላታት ካብ`ዚ ዘለዎ እንተዘይተሰሪሕሉን፣ እንተዘይሓይሉን  ብሕማም ናይዝሳቀዩ ሰባት መጠን ቁጽሪ ኣብ 2030 ዓ ም፣ 522 ሚልዮን ኽበጽሑ ከምዝኽእሉ ይግመት። ብተወሳኺ እቲ ጸብጻብ ሰለስተ ካብ ኣርባዕተ ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት ኣብተን ትሑትን ማእከለይ እቶትን ዘለወን ሃገራት ከምዝነብሩ ከምኡ እውን 1 ካብ 2 ሕማም ሽኾር ዘለዎም ስባት (እዚ ከኣ 212 ሚልዮን ዝበጽሑ ምዃኖም እዩ) ግቡእ ሕክምና ኣይረኽቡን። ዕድል ናይ ምንቅቃሕ ተጻይ ሕማም ሽኮር ዝረኽቡ ትሕቲ ሓደ ካብ ክልተ ሕሙማት ከምኡ እውን ሓደ ካብ ኣርባዕተ ስድራ ቤታት ጥራይ እዮም።

ንመብዛሕትኦም ዘጥቅዕ ዓይነት ሽኮርያ ብቊጽሪ 2 ወይውን ታይፕ ቱ ዝፍለጥእዩ። እዚ ዓይነት ሽኮርያ እዚ ብቀሊሉ ክትከላኸሎ ዚከኣል ኮይኑ ነዚ ከኣ መዓልታዊ ምንቅስቃስ ኣካላት እናገበርካን ዝተመዛዘነ ኣመጋግባ እናኣዘውተርካን ጥዑይ ኣከባቢ ክህልወካ እናሰራሕካን እዩ። ናይዚ ዓይነት ሽኮርያ ሓደጋ ንምጉዳል ሥድራ ቤት ልዑር ግደ ኣለዎም እዚ ከኣ ዘድሊ ጐስጓስን ዝተመጣጠነ መነባብሮን ጥዑይ ኣከባብን ክፈጥሩ ኣለዎም።

ሕማም ሽኮር ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቊጠባ ሃገር ንኣገልግሎት ጥዕና ዝገብሮ ተጽዕኖ ኣብ ልዕሊ ሕሙማት ሥድራቤታቶምን እውን ከቢድ ቊጠባዊ ተጽዕኖ ስለዘስዕብ፣ ስድራቤታት ነዚ ኣለልየን ነዚ ሕምም ኣብ ምኽልኻልን፣ በዚ ሕማም ግዳይ ናይ ሕማም ዝኾኑ  ከቢድ ሓላፍነት ንኹወስዳሉ ዝዓለመ ሙዃኑ ተመልኪቱ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
14 November 2018, 17:32