ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ክልተ ካህናት ዝርከብዎ ጃምላዊ ቅትለት ተፈጺሙ ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ክልተ ካህናት ዝርከብዎ ጃምላዊ ቅትለት ተፈጺሙ 

ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ክልተ ካህናት ዝርከብዎ ጃምላዊ ቅትለት ተፈጺሙ

ቤተ ክርስቲያን ሕጂ እውን ኣብታ ሃገር ሰላም ክወርድ ከይተሓለለት ጻውዒት ኣብ ምቕራብ ጥራሕ ከይተሓጸረት ኣብቲ ሰላም ኣልቦ ዝዀነሉ ከባቢ እናተረኸበት

ኣብ ማእከልዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ከተማ ኣሊንዳኦ ኣብ ዝክረብ ካቴድራል መንበረ ናይ ሰበኻ ጳጳስ ፊት ዘሎ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ማእከል ብባርዕ ሓዊ ከምዝነደደን ከምእተቓለዔን ካቴድራል እውን ከምእተዘምተን፡ እጂ እውን እቲ ጸጥታን ሰላም ዘይተወሃሰሉ ሰላማዊ ሕዝቢ ንሓደጋ ከምእተቓልዔን ብጠቕላላ 42 ሰባት ከምእተቐትሉ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ሰበኻ ኣሊንዳኦ ካቴድራል መንበር ጳጳስ ፊት ዝርከብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ በቶም ብናይ ዓሊ ዳራስ ዕጡቓት ሓይሊ ኣባላት ንባርዕ ሓደጋ ሓዊ ከምእተቓለዔን ብዝፈጸመዎ ናይ ቶክሲ መጥቓዕቲ እውን ክሳብ ሕጂ ካብቲ ከባቢ ዝወጸ መግለጺ ከምዝሕብሮ 42 ሰባት ከምእተቐትሉ ክፍልጥ እንከሎ፡ ኡፕሰ  እተሰምየ ግንባር ዕጡቓት ሓይሊ ነቲ ብጸረ ባላካ ተቐቲሉ ዝበሃል ስዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ዜጋ ደም ሕነ ንምፍዳይ እንክብሉ ዝፈጸመዎ ከምዝዀነ ይንገር። ክልተ ካህናት ኣውን ከምእተቐትሉ ካብ ኣሊንዳኦ ዝወጸ ሓበሬታ ኣፍሊጡ

ቤተ ክርስቲያን ሕጂ እውን ኣብታ ሃገር ሰላም ክወርድ ከይተሓለለት ጻውዒት ኣብ ምቕራብ ጥራሕ ከይተሓጸረት ኣብቲ ሰላም ኣልቦ ዝዀነሉ ከባቢ እናተረኸበት ኣብ ጐድኒ ሰላማዊ ሕዝቢ ቆይማ ኩሉ ኣብ ሰላም ክሓብርን ዕጡቓት ሓይሊ ኰነ መንግስቲ ኣብ ዘተ ከኣምኑን ትምዕድ።

ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ክልተ ካህናት ዝርከብዎ ጃምላዊ ቅትለት ተፈጺሙ
17 November 2018, 17:46