ሰብ ሰርሖ ምህዞ መስተውዕል ነገልግሎት እውነተይና ምዕባለ ሰብ ሰርሖ ምህዞ መስተውዕል ነገልግሎት እውነተይና ምዕባለ  

ሰብ ሰርሖ ምህዞ መስተውዕል ነገልግሎት እውነተይና ምዕባለ

ሰብ ሰርሖ መስተውዕልሰብ ዝትክእ መሳለጢ ዘይኰነስ ገለ ገለ ሒደት ግብረ ሰብ ከወግድ ይኽእል፡ ካብዚ ሓሊፉ ተካእ ክኸውን ከምዘይክእልን እዚ ሓቂ’ዚ ምቕባል ግድ ይኸውን፡

ናይ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ መርበባዊ ምዓባለን ናይ ስነ ምግባርን ስነ ምግባር ስነ ሕይወትን ሊቅን ደራስን ኣባል ማሕበር ሳልሳይ ስሩዕ ፍራንቸስካውያን ካህን ኣባ ፓውሎ በናቲ መስተውዓሊመሳለጢያ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ 150 ገጽ ዘጠቓልል ሓደስቲ ዕደ ጥበባዊ ምዕባሌታት ዝቐርቦም ስነ ምግባራውን ሕብረተ - ሰብኣውን ብድሆታት ፈልዩ ዝትንትን መጻሓፍ ብቤት ማሕተም ማሬቲ ተሓቲሙ ካብ ዕለት 22 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ንንባብ ከምዝበቕዔን ብዛዕባ እዚ መጽሓፍ’ዚ ኣመኪቶም ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካ

ተበጽሖታት ሓደስቲ ምዓበለ ዕደ ጥበብ ነቲ ቅድም ክብል ተማሂዙ ንዝነበረ ዘቀላጥፍ ንቕድሚት ክስጉም ዝገብር ጥራሕ ዘይኰነስ፥ ዝርጋሔኡ ፈጣንን ዓብላልን መስተውዓል መሳለጢ እናዀነ ኣብ መንጐ ሰብን መሳለጥንያ ዝነበረ ርክብ ናይ ምቕያር ብቕዓትን ኣብ ምንባርና እውን ማሕታ ዘለዎን ገለ ገለ ዓይነት ኩነት ምንባርና ኣውን ዝቕይር ዘሎ እዩ፡ ምዕባለን ዝርጋሔን ሰብ ሰርሖ መስተውዓል መሳለጢያ ኣብ ስነ ሕይወት ስነምግባርን ኣብ መዳይ ዕደ ጥበባዊ ከይድን ስነ ሕይወት ስነ ህንደሳን ስነ ምርምር ስነ መትንን ካልኦት ክፍሊ ስነ ምርምራት ዓቢይ ጥቕሚ ዘለዎ ኰይኑን ብስነ ሕክምንና ብዙሕ ንቕድሚት ክበሃል ይድግፍ ኣሎ፡ እዚ ብእውነተይና ሰብኣዊ ምዓበለ ዝምስረቕ ክኸው ኣለዎ ኢሎም።

ብዘይ ኣልቦ ፖለቲካዊ ርእየት ምስትውዓል

ኢፖለቲካውነት ምውጋድ የድሊ፡ ምቕያር ወይ ምምሕያሽ ኣይከኣል እዩ ዝብል መሕልም ከይህሉ ምጥንቓቕ የድሊ፡ ስለዚህ እቲ ዘድሊ ዕደ ጥበባዊ ምዓበለ ናብቲ ከብጽሕ ዝግብኦ ሸቶ ድዩ ዘብል ዘሎ ንምልላይ ግብረ ጥንቃቔን ኣስተውዕሎን ኣገዳሲ እዩ፡ ሰብ ሰርሖ መስተውዕልሰብ ዝትክእ  መሳለጢ ዘይኰነስ ገለ ገለ ሒደት ግብረ ሰብ ከወግድ ይኽእል፡ ካብዚ ሓሊፉ ተካእ ክኸውን ከምዘይክእልን እዚ ሓቂ’ዚ ምቕባል ግድ ይኸውን፡

ሰብ ሰርሖ መስተውዕልን ሕጹጽ ኣገዳስነት ስነ ምግባርን

ኣብዚ ኩርናዕ’ዚ ሕጹጽ ኣገዳስነት ስነ ምግባር ተስተውዕል፡ እቲ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ዘምጽኦ ዝተራቐ መሳለጢያ ብሕሳባዊ ሕግታት ወይ ኣገባባት እዩ ዝዓዪ፡ ከምቲ ቀደም ዝነበረ ተራ ስነ ኣመክንይ ሒዙ ዝኸይድ ኣይኰነን፡ ረቒቕ ንዋት ሓበሬታ እዩ ክስልጥኑ ተገይሮም ዝተመሃዙ እያቶም፡ ስለዚህ ናይ መሃዚኦም ኣሰር ዝተነብሮም እያቶም፡ ከምዚ ብምዃኖም ዝቆጻጸሮ ስነ ምግባር ሕጹጽ ይኸውን ኢሎም።

ሰብ ሰርሖ መስተውዕል ምሕደራ የድልዮ

ኣብዚ እዋን’ዚ ሰብ ሰርሖ መስተውዕል ዝኽተሎ ክልተ ዓይነት ኣገባባት ኣዩ ዘሎ፡ እቲ ሓደ ኣመሪካዊ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ከኣ ቻይናዊ እዩ፡ እቲ ብምዕራብ ዓለም ዝፍለጥ ጥንታዊ ስልጣኔ ካብዚ ወጻኢ ከይኑ ከም ተዓዛቢ ምዃን ዘይኰነ ነቲ ናይ ሓባር ጥቕሚ ድላይ ዝብል ስነ ምግባራዊ ባህሉ ዘንጸባርቕ ኣርኣያ ከቕርብ ክኽእል ይግብኦም እዚኸኣ ንግብኡ ምሕዳራን ክትትልን ዝድግፍ ይኸውን፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝምዕድዎ፡ ንዅለንተናዊ ስነ ምህዳር ዘተባብዕን ንመላእ ዘርኢ ሰብ ረብሓ ክውዕል ብፍላይ ነቶም ድኻታትን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣቃልቦ ዝብህል ክኸውን ይግባእ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

 

24 November 2018, 17:46