ጸብጻብ ስደተይናታት 2017-2018 ዓ.ም. ጸብጻብ ስደተይናታት 2017-2018 ዓ.ም. 

ጸብጻብ ስደተይናታት 2017-2018 ዓ.ም.

ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታትን ከምቲ ኣብተን ስደተይናታት ዝኣትዉለን ሃገራት ዝረአይ ኣንጻር ወይ ከኣ ምስ ስደተይናታትን ዝብል ክልተ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዝተረሓሓቐ ኣመለኻኽታን ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን መድረኻት እውን ብኣኡ ዓይነት ኣመለኻኽታ ተወሲኑ ዝምራሕ ክትዕን ዘተን ካብ ዝጥቀመሉ ቋንቋ ናጻ ኰይንካ ሰብኣውነት ዘማእከለ ባህሊ ብምስፋሕ ጥራሕ ብቑዕ መልሲ ክረክብ ከምዝግብኦ

ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ተራድኦን ዛዕባ ስደተይናታት ዝሓልይ ቤት ጽሕፈት ብሓባር ካብ 2017 ክሳብ 2018 ዓ.ም.  ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታት ዝድህስስ ሰነድ ዕለት 28 መስከረም 2018 ዓ.ም.  ኣብ ሕንጻ ቫቲካን ራዲዮ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቕዔን፡ እቲ ጸብጻብ ኣብ ኢጣሊያ ዝኣተዉን ዝነብሩ ስደተይናታት ኩነታት ስእሊ ዘቕርብ ምዃኑ ተገሊጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ጸብጻብ ንንባብ ንምብቃዕ ናይ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ መርሕ ቃል፡ ሓድሽ ቋንቋ ንፍልሰት ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ በተን ክልተ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ተቕዋማት ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታትን ከምቲ ኣብተን ስደተይናታት ዝኣትዉለን ሃገራት ዝረአይ ኣንጻር ወይ ከኣ ምስ ስደተይናታትን ዝብል ክልተ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዝተረሓሓቐ ኣመለኻኽታን ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን መድረኻት እውን ብኣኡ ዓይነት ኣመለኻኽታ ተወሲኑ ዝምራሕ ክትዕን ዘተን ካብ ዝጥቀመሉ ቋንቋ ናጻ ኰይንካ ሰብኣውነት ዘማእከለ ባህሊ ብምስፋሕ ጥራሕ ብቑዕ መልሲ ክረክብ ከምዝግብኦ የመላኽት።

ጨንፈር ካሪታስ ኢጣሊያ ቤት ጽሕፈት ስደተይና ጉዳይ ሓላፊ ኦሊቪየሮ ፎርቲ፡ ብዛዕባ ስደተይናታትን እቲ ንስደት ዝዳርግ ምኽንያት ምስ ዜጋታት እተን ስደተይና ዝኣትዉለን ሃገራት ምዝራብን፡ ፍርሒ ክፈጥሮ ዝኽእል ፈላላይ መንደቕ መፍትሒ ከምዘይኰነ ቀሪብካ ምምስካር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣመልኪቶም።

ኣብ ናይ ኢጣሊያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ ሓላፊ ጃኒ ባርዲኒ እውን ብወገኖም፡ እቲ ናይ ዘመንና ዓቢይ ማሕበራዊ ክስተት ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ብደጋፍን ዘይደጋፍን ተፈላሊኻ እተመያየጠሉ ጉዳይ ዘይኰነስ እዚ ዓለም ለኻዊ ክስተት’ዚ ዓለም ለኻዊ መፍትሒ ዘድልዮ ምዃኑ ኣሚንካ፡ እቲ ንስደት ዝዳርግ ምኽንያት ግቡእ መልሲ ክረክብ ምግባር እዩ እቲ እውነተይና መፍትሒ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ዘረባ ከምዘስምዑን፡ እቲ ጸብጻብ ኣብ ኤውሮጳ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ 7.5 ሚእታዊ ብወጻእተይና ዝሽፍፍን ምዃኑ የመልክት።

 

29 September 2018, 16:59