ጳጳሳት ኣመሪካን ካናዳን ንመግለጺ ቫቲካን ንብዛዕባ “ጠመቕ ርኽበት” ብሓጎስ ይቕበልዎ ጳጳሳት ኣመሪካን ካናዳን ንመግለጺ ቫቲካን ንብዛዕባ “ጠመቕ ርኽበት” ብሓጎስ ይቕበልዎ  (2022 Getty Images)

ጳጳሳት ኣመሪካን ካናዳን ንመግለጺ ቫቲካን ንብዛዕባ “ጠመቕ ርኽበት” ብሓጎስ ይቕበልዎ

ብሰንኪ መግዛእቲ ዓቢይ ስቓይ ከም ዘጋጠመን ነቲ መግለጺ መሰረት ዝገበረ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ለክነቓቓሕ ተማሕጺኑ

ጉባኤ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ናይ ካናዳ ጉባኤ ጳጳሳትን ነቲ ዕለት 30 መጋቢት 2023 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ናይ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ውሁድ ኩለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝግደስ ላዕይዋይ ቤት ጽሕፈት ብሓባር ዘውጸእዎ እቲ  ናይቶም መግዛእታዊ ሓይልታት ይግብኣኒ ዝብል ሕቶታቶም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእተዉ ናይ ገለ ገለ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ኣዋጅ ሰነዳት ማዕረ ክብርን መሰልን ደቀባት ብምሉእ መልክዑ ዘየንጸባርቑ ግጉይ ምዃኑ ብዘየማትእ መገዲ ዝሕብር ናይ ቫቲካን መግለጺ ብሓጎስ ከም እተቐበልዎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብቅድስቲ መንበር “ጠመቕ ርኽበት” ብዝብል ኣርእስቲ ወግዓዊ ዝኾነ መግለጺ ኣመልኪቶም ጳጳሳት ካናዳን ጉባኤ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ንቕድስቲ መንበር ደገፎም ዝገልጽ ነናቶም መግለጽታት ከም ዘውጽኡ ዜና  ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጳጳሳት ካናዳ

ናይ ካናዳ ብጽዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እቲ ዕለት 30 መጋቢት ዝወጸ መግለጺ መሰረት ገይሩ ቅድስቲ መንበር ነዚ ኣዋጅ ብምውጻኣ ምስጋናኡ ገሊጹ፡ እዚ እዋጅ እዚ ከኣ “ብዛዕባ ኣቶም ኣብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ክፍለ ዘመን ዝንበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት እቲ ናቶም መግዛእታዊ ሓይልታት ይግብኣኒ ዝብል ሕቶታቶም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእተዉ ማዕረ ክብርን መሰልን ደቀባት ብምሉእ መልክዑ ዘየጸባርቑ ዘቕረብዎ ናይ ኣዋጅ ሰነዳት ምሁራን ነዚ ኣዋጅ እዚ ከም ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰረተ ትምህርቲ እምነት ገይሮም ዘቕርብዎ፡ ጌጋ ምዃኑ ዝሕብር ነቲ ኣዋጅ እውን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰረተ ትምህርቲ እምነት ከም ዘይኮነ ዘብርህ ምዃኑ ኣነጺሮም እዚ መግለጺ እዚ ንመሰላትን ናጽነትን ደቀባት ዝድግፍ እዩ ቢሎም . . . ኣብዚ ቀረባ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ልዕሊ ደቀባት፥ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብዝፈጸምዎ እከይ ይቕረታ ሓቲቶም እዮም” ከምኡ እውን እቶም ደቀባት ብዛዕባ እቲ “ጠመቕ ርኽበት” ክዘራረቡ ብዘሕደርዎ ሓያል ባህጊ ቅድስቲ መንበር ነቲ ዝተወርሰ መሰላት ደቀባት ኣፍልጦ ዘይህብ ዝኾነ ንኣመለኻኽታ ምሉእ ብምሉእ ጌጋ ቢላ ትኽሕዶ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመርካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እቲ ናይ ትምህርትን ባህልን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብሓባር ምስ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዕለት 30 መጋቢት 2023 ዓ.ም. ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ ዛዕባ “ጠመቕ ርኽበት” ብምምስጋን፥ “ብሰንኪ መግዛእቲ ዓቢይ ስቓይ ከም ዘጋጠመን ነቲ መግለጺ መሰረት ዝገበረ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ለክነቓቓሕ ተማሕጺኑ፥ “ኣምላኽ ንኹሉ ሰብ ዝሃቦ መስላትን ክብርን” በዚ መሰረት ድማ ነቲ “ጉጉይ ትምህርቲ ብምግጣም ኣብ ልዕሊ ደቀባት ዝተፈጸመ በደል ይቕረታ ብምሕታት፡ ንሕና እውን ይብሉ ብጹዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ “ዓሚቑ ሓዘንን ጣዕሳን ንገልጽ፡ ንድኻታትን ተቓላዕትን ዝከላኸል መምርሕታ ክድግፉ ምዃኖም ነቶም ዝቃለሱ ዘለዎ ደቀባት ኣባይቲ ስድራ ሓገዝ ዝህብ መምርሕታት ንድግፍ” ከም ዝበሉ ዝሓብረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥  “እቶም ኣብ ክትዕ ዝኣትዉ ዘመናት ታሪኽ ዝተሓላለኸ ኮይኑ እቲ “ጠመቕ ርኽበት” ዝብል ቃል ዝተፈላለየ ሕጋውን ፖለቲካውን ክወሃቦ ዝጸንሔን ዝተወሃቦን ዝወሃቦ ዘሎ ታሪኻዊ ኩነት መጽናዕትን ምርዳእን ይግብኦ” ምስ በሉ ናይ ካናዳ ከምእ እውን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት፥ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ታሪኽ ስነ ፍልጠት ሽማግለ ምስ ምሁራት ደቀባትን ዘይደቀባትን ኮይኑ ብዛዕባ “ጠመቕ ርኽበት” ዝያዳ ታሪኻዊ ርድኢት ንምዕማቑ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተባብዓሉ መገድታት ክምርምር ንላበው” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

01 April 2023, 16:54