ኦለት፥ ኣብ ኤቅለስያዊ ጉባኤ፡ ለብዒ ንንጥፈታት ላቲን ኣመሪካ ኣይንክዮን እዩ ኦለት፥ ኣብ ኤቅለስያዊ ጉባኤ፡ ለብዒ ንንጥፈታት ላቲን ኣመሪካ ኣይንክዮን እዩ 

ኦለት፥ ኣብ ኤቅለስያዊ ጉባኤ፡ ለብዒ ንንጥፈታት ላቲን ኣመሪካ ኣይንክዮን እዩ

“ጻማ ናይ ሲኖዶሳዊ ኪደትን እትሰምዕ ቤተ ክርስቲያን ንምዃን ዘለዎ ባህግን።” ብመሰረት ናይ ወንጌል ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን መሃዛይ ተልእኾ ወንጌል ናይ ምፍጣር ክእለት ንምትብባዕ እተገብረ ህርኵት ጻዕርን ነቲ ዝድርት ዝመስል ግን ከኣ ነቲ ኣብ ላቲን ኣመሪካ “ኣህጉራዊ ተስፋ” ማሕበራዊ መለለይን ንጥፈታትን ዚዓግት ለብዒ ብድሆ ኰይንዋ ከምዘሎ

ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጒዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተን ዛዕባ ላቲን ኣመሪካ ዝግደስ ጳጳሳዊ ሽማግለ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ማርክ ኦለት፥ ናብቶም ኣብ ከተማ መክሲኮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኤቅለስያዊ ዓውደ ኣኼባ ተጋባእያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “እቲ እተካይድዎ ዘለዅም ዓውደ ኣኼባ ሓደ ካብቲ ቤተ ክርስቲያን ምስማዕን ምስትውዓል እትመሃረሉ ብዙሕ መገድታት እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ዓውደ ኣኼባ እዚ ዕለት 21 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ኣብ ቤተ መቕደስ ቅድስት ማርያም ዘጓዳሉፐ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሚገል ካብረኾስ ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም እተበገሰን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ናብቲ ዓውደ ኣኼባ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ጻማ ናይ ሲኖዶሳዊ ኪደትን እትሰምዕ ቤተ ክርስቲያን ንምዃን ዘለዎ ባህግን።” ብመሰረት ናይ ወንጌል ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን መሃዛይ ተልእኾ ወንጌል ናይ ምፍጣር ክእለት ንምትብባዕ እተገብረ ህርኵት ጻዕርን ነቲ ዝድርት ዝመስል ግን ከኣ ነቲ ኣብ ላቲን ኣመሪካ “ኣህጉራዊ ተስፋ” ማሕበራዊ መለለይን ንጥፈታትን ዚዓግት ለብዒ ብድሆ ኰይንዋ ከምዘሎ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተን ጳጳሳዊ ሽማግለ ንላቲን ኣመሪካ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ማርክ ኦለት ናብቲ ካብ ዕለት 21 -28 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ኣብ ከተማ መክሲኮ ናብ ዝካየድ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኤቅለሲያዊ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ኣመላኺቶም፥ እዚ ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ዝዀነ ፍጻሜ እዚ ኣብ ርእሲ እቶም እተወፍዩ ሰባት እንኰላይ ኣባይቲ ስድራን ሰበ ስልጣንን ብዙሓት ተራ ምእመናን ዘዋስእ ዓውደ ኣኼባ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“ሰማዒት ቤተ ክርስትያን” ምዃን

ነዚ ሰፊሕ ተሳትፎ እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኵለን ሓሙሽተ ክፍለ ሃገር ዝብህግዎን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይ ዘበገስዎ ሲኖዶሳዊ ኪደት ዝምስክሮ ምዃኑ ብጹዕ ካርዲናል ኦለት ድሕሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኤቅለስያዊ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓቢሮም፡ “ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ኤቅለሲያዊ ዓውደ ጉባኤ ሓደ ካብቲ ቤተ ክርስቲያን ንምስማዕን ንምስትውዓልን እተመሃረሉ ብዙሕ መግድታት እዩ” ኢሎም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም ድማ፥ “ቤተ ክርስቲያን ሰማዒት ክትከውን” ጻውዒት ኣቕሪቦም እዚ ኸኣ ብግብሪ ክረአ እንከሎ “ካብቲ ጒያን ሸበድበድን ዝተመልኦ ዕለታዊ ዕዮታትና ደው ቢልና ንምስማዕ ድልው ምዃን” ማለት እዩ። ቅድም ቀዳድም “ብዛዕባ እቲ ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ዘሎ ተስፋን ቅልውላውን እምነት ነሕዋትን እኣሓትን ንስማዕ ህይወት ጒስነት ንምሕዳስ ህጹጽ ድሌት ከምኡ እውን ነቲ ካብ ጭቡጥ ኵነታት ከባቢ ዝመጽእ ምልክታ ምርኣይን” ማለት እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንእግዚኣብሔርን ኣሕዋትን ኣሓትን ጽን ምባል

“ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቝርባን በስተንትኖን ጸሎትን ምስማዕ። መብዛሕቲኡ ግዜ ሓሳባትና ንኣእምሮናን ንልብናን ይመልኦ እዩ። ዋላ እውን ተምበርኪኽና እንተሎና ውሽጣዊ ህይወትና መብዛሕቲኡ ግዜ በቲ መደባትናን ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህርያትና እተመልአ እዩ።” ኣብ ክንዳኡስ “ንኣምላኽን ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ምስማዕ ዘይተጸበናዮ ሰፊሕ ኣርኣእያ ክህልወና ይገብር።”

ገምሪ ሓፈሻዊ ምሉእ ሓምሻይ ዓውደ ጒባኤ ኣፓረሲዳ

ብጹዕነቶም ኣስዒቦም እቲ ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ከተማ ኣፓረሲዳ እተኻየደ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ሓፈሻዊ ሓምሻይ ዓውደ ኣኼባ ዘውጸኦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ሓደ ካብቲ እዚዮ ሓያል ምስትውዓል ዘለዎ ሰነድ እዩ፡ እዚ ኸኣ “እምነት ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተነጺልካ ካብ ምንባር ናጻ ዘውጽእ እዩ” ምኽንያቱ “ናብ ሱታፌ  . . . ናብ ሱታፌ ተእልኾ ወንጌልን ናብ ኤቅለሲያዊ ሱታፌን ስለ ዝመርሓና” ብርግጽ ከኣ ሲኖዶሳውነት ኣብ ሓደ ካብ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምውጻእ ንጥፈታት ዝብል ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ብዘይ ምድንፋዕ ዓሚቝ ሕብረት ኮነ ብዘይ ናይ ሓቂ ንተልእኾ ወንጌል ቀናእነት ብሱል ወንጌል ናይ ምምሕልላፍ ክእለት ኮነ ናይ ሓቂ ተልእኾ የለን። በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ከም ንጡፍ ደረት ትርኢት ናይ ሱታፌ ሓድሽ ቃል ብስራት ኣብ ውሽጢ ቀጽርታትና ዘይኮነስ ክንየው ቀጽርታትን ንኸነካፍል ሲኖዶስ ምውዕዋዕ ከም ዝህልወና ይገብር” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጐ ላቲን ኣመሪካን ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጒዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ዘሎ ምትእስሳር

ብጹዕ ካርዲናል ኦለት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጉባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካ እናዐበይ ይኸይድ ከምዘሎ ኣዘኻኺሮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናይ ላቲን ኣመሪካ ጉዳይ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ሽማግለ ዋና ጸሓፊ ንኽኾኑ ዝሸምዎም መክሲካዊ ረድሪጎ ጒወራን ከምኡ እውን ኣርጀንቲናዊት ኤሚልሰ ኩዳ ናይዚ ጳጳሳዊ ሽማግለ በዓል መዚ እንክብሉ ዝሰመይወንን ዘረጋግጾ ማእስር እዩ” ቢሎም “ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመታት እዞም ክልተ ዝተሾሙ ኣካላት ከም ምሁራትን ከም መናእሰይን መጠን ዘሕለፍዎ ተመክሮ ኣቢሎም ብፍላይ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ኣብ ምንቕቓሕ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ዓቢይ ግደ ከምዝህልዎም እተኣማመን” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 November 2021, 16:04