ካርዲናል ችዘርንይ ኣብ ሳልቮዶር ዝተቐልቱ ኢየሱሳውያን ሰማዕታት ይዝክሩ ካርዲናል ችዘርንይ ኣብ ሳልቮዶር ዝተቐልቱ ኢየሱሳውያን ሰማዕታት ይዝክሩ 

ካርዲናል ችዘርንይ ኣብ ሳልቮዶር ዝተቐልቱ ኢየሱሳውያን ሰማዕታት ይዝክሩ

ቤተ ክርስቲያን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክትጓዓዝን ክብደት ሰብ ተሰኪማ ንናይ ድኻታት ገዓር እናሰመዐት ናይ ገዛእ ርእሳ እናገበረን በዚ ገዓር እዚ ተግባራት እናዐረይት ብሓባር ክትከይድ ኣለዋ።”

ካርዲናል ሚካኤል ችዘርንይ ኣብቲ ኣብ ሳን ሳልቫዶ ኣብ ዝርከብ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር መንበረ ጥበብ ማእከላይ ኣምሪካ ሽዱሽተ ካህናት ኢየሱስውያንን ተሓባባሪቶም ምስ ጓለን ዝተቐትልሉ ዝኽሪ መበል 32 ዓመት ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ መስዋዕቶም ዘኪሮም ቤተ ክርስቲያን ንድኻታት ብምስማዕ ገዛእ ርእሳ ብምሕዳስ ጾር ሰብ ክትስከም ከም ዘለዋ ድማ ኣጒሊሖም፥ ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ኣብ ጐድኒ ድኹማትን ሕዙናትን ስኡናትን ዝተሓረጒን ምስ ኢየሱስ ትራኸብ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ሰማእት ዝኾኑ ቦታ እተተኽለ ዝጥጥዕ ዘሎ ሰለስተ ኦም ምልክት ትንሳኤ እዩ፣ ነዚ ዝበሉ ኣብቲ ዘይንጽል ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጒዳይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝምልከት ዋና ጸሓፊ ኢየሱሳዊ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርንይ፥ ዕለት 16 ሕዳር 1989 ዓ.ም. ኣብቲ ኣብ ሳን ሳልቫዶር ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ማእከላይ ኣመሪካ ቅድሚ 32 ዓመት ሰማእት ዝኾኑላ ዕለት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቶም ሰማእታት ናይቲ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ኢግናሲዮ ኤላቹሪያ፣ ናይ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ሊቅ ኣባ ኢግናሲዮ ማሮ፣ ኣባ ሰጉንዶ ሞንተስ፣ ኣባ ኣማንዶ ሎፕቨዝ። ኣባ ዦኣኪን ሎፐዝ ይ ሎፐዝ፣ ኣባ ዅዋን ራሞን ሞረኖ ፓርዶ ተሓባባሪቶም ኤልባ ዅሊያ ራሞስን ጓለን ሰሲሊያ ራሞስ ከምዝኾኑ የዘኻኽር።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምልክት ተስፋ

ብጹዕ ካርዲናል ችዘርንይ ዕለት 16 ሕዳር ኣብ ዝኽሪ መበል 32 ዓመት እቶም ሰማዕታት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ናይቶም ሰማእታት ታሪኽ ናይቲ ኣብ መብዛሕቲኡ ክፍሊ ዓለም ዝርአ ፖለቲካዊ ጓህን ዘጨንቕ ምልክታን ዓመጽን ዝሕብር እዩ። ታሪኾም ናይ ብዙሓት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ሰማእት ናይ ዝኾኑ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዘዘኻኽር እዩ። እዚ ሰማእትነት እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ተስፋ ምልክት እዩ፡ ሰዓብትን የዕሩኽ ጐይታን ኣገልገልቲ ጐይታ ኣብ ድኻታትን እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣጸጋሚ ሕይወት ድኻታት

መዓልቲ ዝኽሪ እቶም ሰማእታት እዚ ነቲ ኣብ ኤል ሳልቫዶ ዘሎ ኵነታት ንምምርማር እጋጣሚ ዝኸፍት እዩ። እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተፈጸመ ነቶም ብለብዒ ኮቪድ - 19 ብሕሱም ድኽነትን ካብ ናህሪ ዋጋ መነባብሮን ብቑዕ መግቢ ካብ ዘይምርካብን ካብ ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ማሓድሮን ካብ ድኽነት ስርዓታት ፖለቲካን ህይወቶም ህይወት ስድራ ቤቶም ንምድሓን ዝተሰዱ “ድኻታት ስደተይናታት ኣብ መሰል ቤት ማሕቡስ ክጸንሑ ናይ ምግባር ዅነታት” ክንሓስበሉ የተባብዓና። ስለዚህ ፖለቲካን ማሕበረሰብ ቍጠባን ብኸመይ ክምራሕ ከምዘለዎ ሓባሪ መገዲ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ወሰናስ ህልውናን ከባብታትን እትርከብ ቤተ ክርስቲያን

ናይቶም ኢየሱሳውያን ዝኽሪ 32 ዓመት ሰማእትነት ብዛዕባ እቲ “ንሲኖዶሳዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ጥምረትን ተሳትፎን ተልእኾን” ብዝብል ኣርእስቲ ንኽመክር ዝተጸውዐ ሲኖዶስ ክትሓስብ እዩ ዝድርኸካ። ከምቲ ኣብ ብርሃነ ኣህዛብ እተገልጸ ጸዋዕታ ቤተ ክርስቲያን፥ ኣብ ሲኖዶሳውነት ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን ወንጌላውነት ሰብኣዊ ዕቤት ብዅሉ መዳያቱ ክሰፍሕን ናይ ሓባር ቤትና ምክንኻን የተባብዓና። ቤተ ክርስቲያን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክትጓዓዝን ክብደት ሰብ ተሰኪማ ንናይ ድኻታት ገዓር እናሰመዐት ናይ ገዛእ ርእሳ እናገበረን በዚ ገዓር እዚ ተግባራት እናዐረይት ብሓባር ክትከይድ ኣለዋ።” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

18 November 2021, 08:41