ሓድሽ ሕታምን ኽትጽልይ ኣብዚ ጠውቕን ምእንቲ ሲኖዶስ ናይ ጸሎት መርበብ ሓድሽ ሕታምን ኽትጽልይ ኣብዚ ጠውቕን ምእንቲ ሲኖዶስ ናይ ጸሎት መርበብ 

ሓድሽ ሕታምን ኽትጽልይ ኣብዚ ጠውቕን ምእንቲ ሲኖዶስ ናይ ጸሎት መርበብ

“መርበብ፥ ሓድሕድ ዘራኽብን ር.ሊ.ጳ. ናብ ነፍሲ ወከፍ ልቢ ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ካልኦትን እውን ዘብጽሕ ምስ እተፈላለያ መራኸቢታትን ማሕበርሰባትን ዝያዳ ርክብ ንኽህሉ ከምኡ እውን ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ዘሰንይ

ዓለም ሓቆፍ መርበባዊ ርክብ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ማሕበር ሓድሽ ምስ ር.ሊ.ጳ. ኴይንካ ብዛዕባ ጸገማት ደቅሰብን ተልእኾ ቤተ ክርትያንን ንምጽላይ ዝሕግዝ ወግዓዊ መርበብ ከምዝደረሰን እቲ ሓድሽ መርበባዊ ሕታም ብወግዒ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ምስቲ ምእንቲ ሲኖዶስ ናይ ጸሎት መርበብ ብሓባር ከምዝቐረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምስ ር.ሊ.ጳ. መዓልታዊ ንኽትጽልይ ዘተሓባብር ንጸሎት ኣብዚ ጠውቕ ብዝብል ዘርእስቲ ሓድሽ ሕታም መርበብ ከም እተደርሰን እዚ ሓድሽ ሕታም እዚ ብሸውዓተ ቋንቋታት ዝቐርብ ቅድም ክብል ካብ 2016 ዓ.ም.  ዝቖመ ጸሎት ምስ ር.ሊ.ጳ. ብዝብል ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ማሕበር ኣብ መላእ ዓለም 2.5 ሚሊዮን ሰዓብቲ ዘለውዎ ከምዝኾነን ኣብ ዓዓመት ልዕሊ 300 ሺሕ ዝኾነ ተጠቀምቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኰይኖም ስለቲ ንሶም ዘቕርብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ብሓባር ይጽልዩ።

ኣብ ርእሲ እዚ እውን እቲ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ዓለም ለኻዊ ናይ ጸሎት መርበብ ሓበሬታ እቲ ሓድሽ ዝቖመ ምእንቲ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ንምጽላይ ዘተባብዕ መርበብ ሓበሬታ ብሓባር ዘላለዩ ናይት ዓለም ለኻዊ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት መርበብ ሓበሬታ ኣመሓዳሪ ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ መደረ ዘስምዑ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፍረደሪክ ፎኖስ ከምዝኾኑን ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ግረች እውን ብወገኖም ኣብቲ ናይ ምልላይ ስነ ስርዓት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እቲ ብዛዕባ ሲኖዶስ ንኽመክር እተጸውዐን ድሮ ዝተበገሰን ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ትርጉም ቤተ ክርስቲያን ዘበራብርን እዚ ኸኣ መደብና ዘይኰነስ መደብ ኣምላኽ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ሕታምን ኽትጽልይ ኣብዚ ጠውቕ

ምስ እተፈላለየ መርበብን ማሕበረሰብን ዘራኽብ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ህየንተ የኔታ ኣባ ሉቾ ርዊዝ እውን ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ “እቲ መርበብ ናይ ማሕበረሰብን ምድግጋፍን ጸሎትን ስፍራ” እንክብሉ ገሊጾም እቲ ሓድሽ “መርበብ፥ ሓድሕድ ዘራኽብን ር.ሊ.ጳ. ናብ ነፍሲ ወከፍ ልቢ ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ካልኦትን እውን ዘብጽሕ ምስ እተፈላለያ መራኸቢታትን ማሕበርሰባትን ዝያዳ ርክብ ንኽህሉ ከምኡ እውን ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ዘሰንይ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብር ዝተደርሰ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መደብን ቤት ትምህርትን ጸሎት

ናይቲ ንጸሎት ኣብዚ ጠውቕ መብርብ ኣህጉራዊ ኣተሓባባሪትን ከምኡ እውን ዞባዊ ዳይረክተርን ኣብ ኣርጀንቲናን ኡራጓይን ናይቲ ዓለም ሓቆፍ መርበባዊ ርክብ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ማሕበር ጸሎትን በቲና ራኤድ እቲ ሓድሽ ዝቐረበ ወግዓዊ መርበብ መደብን ቤት ትምህርትን ጸሎት እንክብላ ገሊጸን፥ እቲ ተጠቃሚ ነቲ ክጽልየሉ ዝደሊ ትሕዝቶን መደባትን ክውድቦ ኸሎ ቤት ትምህርቲ ጸሎት ንምቛምን ንምዕማቝን ዝሕግዝ ትሕዝቶ ዘቕርብ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ተመክሮ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምኡ ኣውን ካብ መንፈሳዊ ሰነዳት ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝቐርብ፥ እቲ ንምጽላይ ኣብዚ ጠውቕ ዝብል መርበብ ምስ ትሕዝቶ ናይቲ ሲኖዶስ ዝጽለየሉ መርበብ ብምትሕሓዝ ነቲ ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ንምጽላይ ዝሕግዝ እዩ። ንዅሉ ዘሰንይ ናይ ጸሎትን ናይ መንፈሳዊ ተመክሮን ገጽ እዩ ከምዝበላ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ምእንቲ ሲኖዶስ ናይ ጸሎት መርበብ

ናይ መላእ ደናግል ማሕበር ኣሕሉቕ ናይ ዝሓቁፍ ማሕበር ናይ ሓበሬታን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊት ፓትሪዚያ ሞርጋንተ ኣብ ዘስምዐኦ መደረ፥ “ነዚ መርበብ ሓበሬታ እዚ ሓሊምናዮን ከዊንናዮን” ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ምእንቲ ሲኖዶሳውነት ቤተ ክርስቲያን ዝጽልየሉን ጸሎቱ ዘካፍለሉን ዘስተንትነሉን ስፍራ እዩ። እዚ ኸኣ ንብምሉኡ እቲ ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ብጸሎት ንምስማዕን ከተስተውዕልን ዝድግፍን ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ዝበልዎ ማሕበራዊ ምስትውዓል ዘበራብር እዩ። ኵሉ ኣብ ጸሎት ክሓብርን ተሳትፎ ክህልዎን ዝገብር ኣጋጣሚ ዘቕርብ መደብ እውን እዩ” ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይቲ “ንጸሎት ኣብዚ ጠውቕ” መርብብ ውጥናት ኣመሓዳሪኹዋን ኢኛዚዮ ካስተላሮ፥ ንጸሎት ር.ሊ.ጳ. ዘጒልሕ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝቐርብ ናይ ጸሎት ሓሳብ ስእላዊ ሓበሬታ ዝህብ እዩ፥ እዚ ኸኣ እቲ ተጠቓሚ ቀንዲ ትሕዝቶ ናይቲ ጸሎት ቅልል ብዝበለ መገዲ ክርድኦን ኪረክቦን መታን እዩ። ር.ሊ.ጳ. እቲ ናይ ጸሎት ሓሳብ ንብሉኡ ማሕበረሰብ የክፋልዎን ነፍሲ ወከፍ ተጠቓሚ ድማ ምስኦም ብጸሎት ይሓብር፥ ነፍሲ ወከፍ ተጠቓሚ ሓሳባቱን ጸሎቱን ንብምሉእ እቲ መርበብ ኬካፍል ዝኽእለሉን ገጽ እውን ዝተነብሮ እዩ ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

21 October 2021, 09:24