ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ፥ ወትሩ ኣብ ጐድኒ ድኻታትን ተነቀፍትን! ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ፥ ወትሩ ኣብ ጐድኒ ድኻታትን ተነቀፍትን! 

ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ፥ ወትሩ ኣብ ጐድኒ ድኻታትን ተነቀፍትን!

ኮቪድ 19 ኣብ ናይ ግብረ ሰናይ ንጥፈታት ከቢድ ጸቕጢ ገይሩ እዩ። ካሪታስ ኢንተርንዚዮናሊስ ነዚ ቕልውላው እዚ ብኸመይ ይብድሆ?

እቲ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤትን ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ዅላዊት ቤተ ክርስቲያን ግብረ ሰናይ ማሕበራት ዝሓቁፍ ብካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዝጽዋዕ ጳጳሳዊ ተቕዋም ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 12 ታሕሳስ መበል 70 ዓመት ቅዋሜኡ ኬብዕል እዩ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ናይዚ ተቕዋም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣሎይሲዩስ ጆን ብዛዕባ ኣገዳስነት እዚ ዝኽሪ ዓመት ምስረታ እዝን ብዛዕባ ለብዒ ኣብ ዝተኸስተሉ እዋን ዘጋጠሞ ህጹጽ ብድሆታትን ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዘስዓቦ ጠለብ ሰብኣዊ ረድኤት ምላሽ ምሃብን ነቶም ግዳያት እቲ ውግእ ድጋፍ ምቕራብን፥ እዚ ናይቲ ዕለት 12 ታሕሳስ 1951 ዓ.ም. ፒዮስ መበል 12 ዘቖምዎ ካሪታስ እንተርናዚዮናሊስ ዕማማ ከምዝነበረን እቲ ኣብዘን 70 ዓመታት ካብቲ ክብገስ እንከለሎ ኣብ 13 ሃግራት ጨንፈር ዝነበሮ ተቕዋም ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ 162 ከምዝርከብን፡ ሎሚ እውን እንተኾነ ሰባት ልዕሊ ዅሉ ተንቀፍቲ ምሕረት ኣምላኽ ምእንቲ ክረኽቡ ዝብል ናይቲ ዘቕርቡ ግብረ ሰናይ ምስክርነት ዝነብር እዩ። መበል 70 ዓመት ውልደቱ ንምብዓል እውን ዝተፈላለዩ መደባት ከምዘሰናደው ሓቢሮም፥ ካብቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአይ ዘሎ ለብዒ ኣትሒዙ እቲ ማሕበር ዝጽበዮ ብድሆታት እንታይ ይመስል እንክገልጹ፥

ኣብተን ዝሓለፋ ሰብዓ ዓመታት ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣብ ኵሉ ዓበይቲ ናይ ግብረ ሰናይ ህጹጽ ኵነታት ህልው እዩ፡ ኣብዛ ቕልጡፍ ለውጢ ዝንበረላ ዓለም እቲ ዝዓበየ ብድሆ እንታይ ይመስለኵም? ካብ 1951 ዓ.ም. ኣትሒዙ እቲ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ እውን እንተዀነ ኣፈጻጽማኡ እዚዩ ተቐይሩ እዩ፡ ሎሚ ካብ ቀደም ዝተሓላለኸ ብፍላይ ተፈጥሮኣውን ሰብኣውን ቅልውላው የጋጥም ኣሎ። ፖለቲካውን ሃይምኖትውን ግጭታት ምስቲ ለውጢ ዅነታት ኣየር ዜምጽኦ ሳዕቤን ሓዊስካ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ ስደተይናታትን ኣብ ውሽጥ ሃገር ዝመዛበሉን ብዘደንጽው መገዲ ወሰኽ ገይሮም እዮም። ከቢድ ኢማዕርነትን ሓድሽ ዓይነት ድኽነትን ተነቃፍነትን የጋጥመና ኣሎ። ነቶም በዚ መከራ እዚ እተጠቕዑ ብቐጻሊ ከነግልግሎምን ከነሰንዮምን ከለና ኣብ ውሽጢ እዋናዊ ሕብረተሰብና ምሳታቶም ሓድነት ከም ዚሰፍን ምግባር ዝብል ብድሆ የጋጥመና ኣሎ። በቲ ካልእ ሸነኽ ግን ከቢድ መከራ ደቅሰብ እናጋጠመና ከነሱ እቲ ልዕሊ ኵሉ ሕጹጽ ዝኾነ ብድሆ ንምግጣም ዘድሊ ነገራት ኣብ ምውዳብ እዩ።

ኮቪድ 19 ኣብ ናይ ግብረ ሰናይ ንጥፈታት ከቢድ ጸቕጢ ገይሩ እዩ። ካሪታስ ኢንተርንዚዮናሊስ ነዚ ቕልውላው እዚ ብኸመይ ይብድሆ? ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቅልውላው እዩ ዝገጥሞ ዘሎ። ስለዚ እዩ ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ሓድሽ ብድሆ እዚ መልሲ ንምሃብ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ናይቲ ኣብቲ ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘቖምዎ ዛዕባ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዝከታተል ፍልዩ ሽማግለ ኣባል ንምዃን ተጸዊዑ እዩ። ብመሰረት ትእዛዝ ቅዱስነቶም ከምኡ እውን ምስቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ዘይንጽል ሰብኣዊ ዕብየት ንምድንፋዕ 40 ዝተፈላለዩ መደባት ግብረ ሰናይ ንምድጋፍ ዜኽእል ገንዘብ ክርከብ ገይሩ እዩ፡ ንኣብነት ኣብ ባንግላድሽ ገሊኦም ትካላት ኣባይቲ መግቢ ዝተሓባበርዎ ናይ ምግቢ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ይርከብ። በቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ለብዒ “ብዛዕባ ሓድሽ መጻኢ ምሕሳብ” እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ተተባቢዑ ሓድሽ ክውንነት ዕዮ ካሪታስ ንሕንጽጽ ኣሎና ኢሎም።

ቤተ ክርስቲያን ኣብ መላእ ዓለም ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብህግዎን ዘበገስዎን ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ንምስዓብ ቈራጽነት ገይራ እያ፡ ከም ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዝኣመሰለ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ቤተ ክርስቲያን ንሲኖዶሳውነት እንታይ ክውን ኣበርክቶ ኽገብር ይኽእል? ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ዘጠቓልል ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ብቐዳምነት ጽን ኢላ ክትሰምዕ እንክብሉ ዘጒልሕዎ ሓሳብ፡ ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ መጻኢ ናይ ምሕሳብ ክእለት ብዓቢኡ ኣብቲ ናይ ምስማዕ ምይይጥ ከምኡ እውን ናይ ማሕበረሰብ ምስትውዓል መስርሕ ዝጅምረሉ እዋን ኢዩ ዝምርኰስ። ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣብ ውሽጢ መሰረታዊ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰባት ስፍራ ኣታኽልትን ናይ ምስትንታን ኣበርክቶ ኽገብር ይኽእል እዩ፡ እዚ ድማ ቅድም ቀዳድም ምስቶም ተኣፋፍያን ምይይጥ ሓድነት ከም ዝህሉ ዝገብር እዩ ኢሎም።

እቲ ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ኵነታቱ ክግምግም ጥራይ ዘይኮነስ ዳግም መብጽዓታት ብሓድሽ መንፈስ ዘበግሰሉ እዋን እውን እዩ። ኣብ ዚቕጽል ዓመታት ኣብ እንታይ እዩ ዘተኵር? ኣብዚ ዝኽሪ እዚ ዘበግሶ ወፈረታት ኣሎ ዶ? እዚ ለብዒ እዚ ብዘይ ክንክን ደቅሰብን ፍጥረትን ኵላትና ብዝያዳ ተነቀፍቲ ክንከውን ከም እንኽእል ኣርእዩና እዩ። ሎሚ ዓለም ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣልባብን ኣእምሮን ምቕያርን ምስ ፍጥረት ምትዕራቕን የድልያ እዩ። ዕዮ ግብረ ሰናይ ክንፍጽም እንኮለና ብፍላይ ንደቅሰብን ሓባራዊ ቤትናን ፍቕርን ሓልዮትን ከምዝህሉ ንምግባር ቈሪጽና ኢና። ኣብዚ ኣብ ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ምስረት ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ክሳብ 2024 ዓ.ም. ዚቕጽል ዓለም ለኻዊ ወፈራ ከነብግስ ኢና እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

28 October 2021, 08:57