ካርዲናል ታግለ፥ ኣብ መስርሕ ሲኖዶስ እውን ብቅዱስ ዮሴፍ ንኽንነቓቓሕ ንፍቀድ ካርዲናል ታግለ፥ ኣብ መስርሕ ሲኖዶስ እውን ብቅዱስ ዮሴፍ ንኽንነቓቓሕ ንፍቀድ 

ካርዲናል ታግለ፥ ኣብ መስርሕ ሲኖዶስ እውን ብቅዱስ ዮሴፍ ንኽንነቓቓሕ ንፍቀድ

እዮም። ነፍሲ ወከፍ ጸጋ ጥምቀት ኣተቐበለ ሰብ ልክዕ ከም ቅዱስ ዮሴፍ ንድምጽን መርሕ ኣምላኽ ጽን ክብል ተስፋ እገብር። ብፍላይ ኣብ እዋን ፈተና። ብዘይካ እዚ ኵሎም እቶም እተጠመቁ ሰባት ዋላ እውን ኵሉ ሳዕ ንጹር ኣይምሰል ንመደብ ኣምላኽ ከም ዚስዕቡ ኣብ ኣምላኽ ክውከሉ ዝመርሕ እዩ

ናይ ስብከተ ወንጌል ንኣህዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ታግለ ብዛዕባ “ልቢ ኣቦ” ብዝብል መርሕ ቃል ዝተኣወጀ ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ካብ ቅዱስ ዮሴፍ ነቶም ብሕድሪ እተወሃቡና ብፍላይ ከኣ ኣብ ህይወት ስድራ ንዝወሃቡና ብፍቕሪ ምሕላው እንታይ ማለት ምዃኑ ክንመሃር ንኽእል ዝብል ሓሳብ የቃልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ዮሴፍ ንኣቦታት ጥራይ ዘይኮነስ ንዅሎም ጸጋ ጥምቀት ንእተቐበሉ እውን ፍርያም ተክክለ ሰብነት እዩ። ነዚ ዝበሉ ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለ ኣብታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት መበል 150 ዓመት ዝኽሪ ኣዋጅ ቅዱስ ዮሴፍ ሓላዊ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝኣወጅዎ ፍልዩ ዓመት ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጒሊሖም፡ ር.ሊ.ጳ. ዝጸውዕዎን ዘበገስዎን መስርሕ ሲኖዶስ ንቤተ ክርስቲያን ዘነቓቕሕ “መገዲ ምትኽኻል” ኣብ ዝሓትት ኪደት እዚ ንቤተ ክርስቲያንን ኣስፍተንፍሶ ክኸውን ዝኽእል ተክለ ሰብነት እዩ ኢሎም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንቕዱስ ዮሴፍ ንምብዓል ኣብ ዝደለይዎ ፍሉይ ዓመት ኢና ዘሎና ኵላትና ኣብዛ ፍልይቲ ዓመት እዚኣ ክንረኽቦ እንኽእል ፍረ እንታይ ይመስለኵም? ምስሊ ቅዱስ ዮሴስ ምስ ናይ ኣቦታት ተክለ ሰብነት እተተሓሓዘ እዩ። ይዅን እምበር ኵላትና በዚ ፍሉዩ ዓመት እዚ ክንጥቀም ከም እንኽእል ብትኽክል ቅዱስነቶም ኣጒሊሖምዎ እዮም። ነፍሲ ወከፍ ጸጋ ጥምቀት ኣተቐበለ ሰብ ልክዕ ከም ቅዱስ ዮሴፍ ንድምጽን መርሕ ኣምላኽ ጽን ክብል ተስፋ እገብር። ብፍላይ ኣብ እዋን ፈተና። ብዘይካ እዚ ኵሎም እቶም እተጠመቁ ሰባት ዋላ እውን ኵሉ ሳዕ ንጹር ኣይምሰል ንመደብ ኣምላኽ ከም ዚስዕቡ ኣብ ኣምላኽ ክውከሉ ዝመርሕ እዩ። ድሕሪኡ ድማ ንፉዕን ተባዕን ኣመሓዳሪ ወይ ሓላዊ ነቶም ኣምላኽ ብሕድሪ ዝህበና ህዝቢ እውን ንኸውን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ልቢ ኣቦ ብዝብል ኣርእቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቅዱስ ዮሴፍ ንናይ እዋንና ኣቦታት ዘለዎ ኣገዳስነት የጒልሑ። ብዛዕባ እዚ ሰነድ እዚ ልዕሊ ዅሉ እቲ እተድንቕዎ እንታይ እዩ? እዚ ሰነድ እዚ ብፍላይ ነቦታት ዓቢይ ህያብ እዩ፡ ብዙሕ ነገር እውን እዩ ዘቕርብ። ሓደ ካብቲ ብሓቂ ዘድንቖ ብቐዳምነት ቅዱስ ዮሴፍ ነቲ ክውንነት እተቐበለ ሰብ ዝብል እዩ። ነቲ ክውንነት ምቕባል ኪበሃልከሎ ሸለል በሃሊ ምዃን ወይ ንሓደ ነገር ዕሽሽ ምባል ማለት ኣይኮነን። ነቲ ክውንነት ይቕበሎ እኳ እንተ ዀነ ምስዚ ሓቂ እዚ ተሰማሚዑ እዩ ዝነብር። ነዚ ሓቂ እዚ ምስ ተቐበሎ ከኣ ኣምላኽ ነዚ ለውጢ እዚ ንምግባር እንታይ ክገብር ከም ዚደዮ ይርኢ። ሓድሓደ ግዜ ንኽውንት ንኸይንቕበሎ ንፍተን ኢና። ኣብቲ ዝሓለፈ እዋን ኢና እንነብር። ወይ ከኣ ገና ኣብ ዘየሎ መጻኢ እዋን ንነብር። ስለዚ ነዚ ሕጂ ዘሎ ብኸመይ ከም እንቕይሮ ኣይንፈልጥን ኢና። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ብመሰረት ልቢ ኣቦ ቅዱስ ዮሴፍ ነቲ ክውንነት ተቐበሎ በዚ ተቐባልነት እዚ ኸኣ ቃል ኣምላኽ ሰምዐ ነቲ ሓቂ ንምቕያር ድማ ብትብዓት ስጒምቲ ወሰደ።

ብዛዕባ ክውንነት ጥራይ . . . ኣብዚ ግዜና እንተተዛረብናን ናይ ምወዳእታ ቃል ዝህቡ ኣብ ምዃን ጥራይ እዩ ርትዒ ክህልወካ ዝኽእል፡ በቲ ካልእ ሸነኽግን ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ጽላሎት ብሱቕታ ኣብ ምንባር ሓይሉ ኣርኣየ፡ እዚ ኣገባብ እዚ እንታይ እዩ ዝምህረና? ሓቂ እዩ። ተመሃራይ ዘርኣ ክህነት ኣንከለዅ እቲ ዝነበርክሉ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ቅዱስ ዮሴፍ ዝብል መጸውዕ ዝነበሮ እዩ። ኣብኡ እውን ሱቕታ ሓደ ካብቲ ቅዱስ ዮሴፍ ዝነበሮ ባህርያት ምዃኑ ይንገረና ነይሩ። ንሱ ሱቕ ክብል ኢየሱስ ክዛረብ፡ ወንጌል ንቃላት ዮሴፍ እኳ እንተ ዘይመዝገበ ንቓል ኣምላኽ ብጽሞና ይሕልው ነይሩ እዩ። ንቓል ኣምላኽ ካብቶ ኪቐትልዎን ስቕ ከብልዎን ዚደልዩ ዝነበሩ ሰባት ኣዕቍብዎ እዩ። ስለዝ እዚ ትምህርቲ እዚ እዩ ዝምህረና። ቅድም ቀዳድም ንኽንዛረብ ዘሎና ባህጊ - ገዛእ ርእሰይ ድየ ወይ ቃል ኣምላኽ ኢየ ዝዛረብ? ካልኣይ ሓድሓደ ግዜ ስቕ ምባል ሓያል ዘረባ እዩ። ኢየሱስ እውን እንተዀነ ጲላጦስ ኪፈርዶ እንከሎ ሱቕታ እዩ ዝመረጸ። ሱቕ ኢሉ እንከሎ ግን መን እዩ ተፈሪዱ?  እቲ ኢየሱስ ስቕ ኪብል ከሎ እተገልጸ እቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ብልሽው ስርዓት እዩ ነይሩ። ስለዚህ ኢየሱስ ካብ ሱቕታ ቅዱስ ዮሴፍ እተመሃረ ይመስለኒ።

ቅዱስ ዮሴፍ ንስድራ ቤት ንምዕቋብ መገዱ ዝቐየረ ኣቦ እውን እዩ። እምነቱ ነታ ሕጂ ኣብ ሲኖዶስ እተጸምደት ቤተ ክርስቲያን እንታይ ይብላ? እቲ ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ብሓባር ንኽንጓዓዝ ዕድመ የቕርበልና። ቅዱስ ዮሴፍ ዘርኣየና ድማ ብእግርኻ ምኻድ እዩ። ብመልኣከ እግዚኣብሔር እናተመርሐ ምስ ማርያምን ኢየሱስን ኣብ ሓደገይና መገዲ ዝተጓዕዘ እዩ። እዚ ኸኣ ዕቝባ ማለት ጥንቃቐ ምግባር ማለት እዩ። ኣብ እዋን እቲ ሲኖዶስ ንኢየሱስ ናይ ምፍቓር ከምኡ እውን ንቤተ ክርስቲያን ናይ ምፍቓር ክእለት ከነማዕብል ተስፋ ንገብር። ዋላ እውን ወትሩ እወታዊ ዘይኰነ ርእይቶ ኣንተሎ ስም ኢየሱስ ምንእቲ ኺእወጅን ኪዕቅብን ካብ ፍቕሪ ተብገሲና ኢና ክንገብሮ ዝግብኣና።

እታ ናይ ምወዳእታ ሕቶ ቍሩብ ብሕታዊት እያ። ንቕዱስ ዮሴፍ ውፉይ ኢዅም። እዚ ውፉይነት እዚ እውን ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝገለጽክምዎ እዩ። ብዛዕባ ቅዱስ ዮሴፍ እቲ ብልዑል ዝማርኸኵም እንታይ እዩ? እዚ ተወፋይነት እዚ ኣብ እተፈላለየ ኵነታት ናብኡ ንኽንኣቱ ኣኽኢሉኒ እዩ። ብፍላይ ኣጸጋሚ ኵነታት ኪለዓዓልን ፍርሂ ክስምዓንን ከሎ “እንታይ ከም ዝገብር ኣይፈልጥን እየ” እብል እሞ ድሕሪ እዚ ኸኣ ዑቕባ ቅዱስ ዮሴፍ እጽልይ። ብፍላይ ኣብ ጽላሎት - ብትሕትና ንምቕጻል ትብዓት ከምዘድልየኒ እሓቶ። ብዙሕ እዋን ቅኑዕ መፍትሒ ዘሎካ ይመስለካ ድሕሪኡ ግን ንሓሳባትካ ኣጽርዮ እሞ “ደቒቕ ተጸበይ ገዛእ ርእሰይ ድየ ዘደንፍዕ ወይ ሰናይ እየ ዝደሊ ዘለዅ?” ትብል። ንኻልኦት ዚጠቅም እንተ ዘይኰይኑ ኣብ ጽላሎት - ኣብ ትሕትና ጸኒዕካ ኣምላኽን መልኣከ እግዚኣብሔርን ተኣምራቱ ኪገብሩ ምፍቃድ ቅኑዕ እዩ። እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

16 October 2021, 09:37