ጽባቐ ስድራ ቤት ምምስካርን ምትሕልላፍን ጽባቐ ስድራ ቤት ምምስካርን ምትሕልላፍን 

ጽባቐ ስድራ ቤት ምምስካርን ምትሕልላፍን

ናይዚ ዓውደ ጒባኤን ዓውደ ኣስተንትኖን ዕላማ ከምቲ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝብሎ ከጋጣም ዝኽእል ስግኣት ቅልውላው ከምኡ እውን ጸገም ክንየው ጽባቐ ስድራ ቤት ምክፋል ዝብል

ዕለት 29 ጥቅምቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ መስቀል ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ጓልቲየሪ ባሰቲ ዝኸፍትዎ “ጽባቐ ስድራ ቤት ምትሕልላፍ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ዓውደ መጽናዕትን ኣስተንትኖን ክካየድ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኣወጅዎ “ዓመት ስድራ ቤት ናይ ፍቕሪ ሓሴት”  ዝሳዃዕ ናብቲ ኣብ ወርሒ ሰነ 2022 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ንኽካየድ ቅዱስነቶም ዝጠለብዎ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ  ዘሰንይ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ መስቀል ምስ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ቅዋሜኡ ብምትሕሓዝ ዘነቓቐሖ ናይ ስድራ ቤት ጽባቐ ምክፋል ምብሳር ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘተኰረ መደብ ኣስተንትኖን ዓውደ መጽናዕትን ዕለት 29 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ክካየድ ምዃኑን እዚ ዓውደ ጉባኤ እዚ ኣብ መንበረ ጥበብ ቅዱስ መስቀል ኣብ ዝርከብ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ጒባኤ ኣድራሽ ንጐሆ ሰዓት 10.45 ደቓይቕ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ፐሩጃን ከተማ ፒየቨን ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ጓልቲየሪ ባሰቲ ብዘስምዕዎ መደረ ክብገስ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይዚ ዓውደ ጒባኤን ዓውደ ኣስተንትኖን ዕላማ ከምቲ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝብሎ ከጋጣም ዝኽእል ስግኣት ቅልውላው ከምኡ እውን ጸገም ክንየው ጽባቐ ስድራ ቤት ምክፋል ዝብል ኮይኑ ብጹዕነቶም ዘስምዕዎ ናይ መኽፈቱ መደረ “ቤተ ክርስቲያንን ስድራ ቤት ምንቕቓሕን” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘተኮረ ከምዝኸውን ኣፍሊጡ።

ማእስር እተማዕብል ፍቕሪ ምምስካር/ምርኻብ

ናይ ጳጳሳዊ ቅዱስ መስቀል መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ዳኔኤለ ኣራሳ፥ “ኣብዛ ንስድራ ቤት እተወፍየት ዓመት እዚኣ መበል 25 ዓመት ቅዋሜ ናይቲ መንበረ ጥበብ ምስ ኣብ እነብዕለሉ እዋን ጽባቐን ሓጐስን ስድራ ቤት ፍቕሪ ኣብ ምምሕልላፍ ክንገብሮ እንኽእል ኣበርክቶ ከነስተንትን ግቡእ ኮይኑ እዩ ዝስምዓና። ስድራ ቤት እምኒ ማእዝን ሕብረተሰብ ከም ዝዀነ ንኣምን ኢና፡ ስለዚ ኸኣ ኣብዛ ተስፋ ዘይብላ እትመስል ዓለም መልሲ ንኽንህብ ክንድግፍን ክንተባባዕን ኣሎና። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ “ናይ ፍቕሪ ሓሴት”  ሃዋርያዊ ምዕዳን ከምዘዘኻኽሩና ስድራ ቤት ማእስር ዘማዕብል ናይ ዘይንጽል ፈጣሪ ሓቛፊ መርበብ ከምኡ እውን ‘ጽኑዕ ማሕበራዊ መዋቕር ዝሃንጽ’ ፍቕሪ እዩ። ስለዚህ እዚ ናይ ስድራ ቤት ባህርይ እዚ ምምስካርን ምትሕልላፍን ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብዚ መዳይ መራኸቢ ብዙሓን ዓቢይ ግደ ኣለወን” ኢሎም።

ዕዱማትን ተጋባእያንን ዘረባ ዘስምዑን

ኣብቲ ዓውደ ጒባኤ ኣብ ዝካየድ ናይ ክቢ ጠረጴዛ ዘተ ናይ መላእ ኢጣሊያ ሰበኻታት ዜና ክፍሊ ማሕተምን ሓለፍቲ ክመዝሳተፉን ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ቪንቸንዞ ኮራዶ ናይ ሰበኻ ሮማ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኣባ ዋልተር ኢንሰሮን ናይ ሰበኻ ኖላ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊት ማሪያኣንጀላ ፓሪሲን ናይ ሰበኻ ሚላኖ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ስተፋሞ ፈሚኒዝን ናይ ጳጳሳዊ ቅዱስ መስቀል መንበረ ጥበብ ናይ ስነ መራኸቢ ብዙሓን ናይ መጽናዕቲ ጨንፈር ኣመሓዳሪ ጆቫኒ ትሪደንተን መደረ ከስምዑ ከምዝኾኑ ዜና ቫቲካን ጳጳሳዊ ቅዱስ መስቀል መንበረ ጥበብ ዝሃቦ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

22 October 2021, 09:03