ፓሮሊን፥ ኣብ ኣፍጋኒስታን ተፈጢሩ ዘሎ ስቓይ ብዓንተውኡ ምተወገደ ነይሩ ፓሮሊን፥ ኣብ ኣፍጋኒስታን ተፈጢሩ ዘሎ ስቓይ ብዓንተውኡ ምተወገደ ነይሩ 

ፓሮሊን፥ ኣብ ኣፍጋኒስታን ተፈጢሩ ዘሎ ስቓይ ብዓንተውኡ ምተወገደ ነይሩ

ቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ህልው ሰብኣዊ ቅልውላው ቅድስቲ መንበር ብቐረባ ትከታተሎን ምስቶም ኣብዚ መዳይ እዚ ዝዓዩ ብቐጻልነት ከምእትራኸብን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኢጣሊያ ኣውራጃ ኣቨሊኖ ከተማ ሞንተቨርጂነ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ ብዛዕባ እቲ ኣብ እስያዊት ሃገረ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ኵነታትን ጒዳይ ክትባት ጸረ ለብዒ ኮቪድ - 19ን እማእኪሎም መግለጺ ከምዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ኵነታት ቀሊል ኣይኰነን - ካብ ምዕራባውያን ሓይልታት ንምውጻእ እተገብረ ውሳኔ ብስርዓትን ብዘይ እዚ ዅሉ ስቓይን ኣብ ግብሪ ምውዓል ምተኻእለ ነይሩ፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓርሊን ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ኣቨሊኖ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅድስተ ማርያም ዘሞንተቨርጂነ ኣብቲ ማርያማዊ ቤተ መቕደስ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ሰሪዖም ምስ ኣብቅዑ ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ ኣስዒቦም እቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ህልው ሰብኣዊ ቅልውላው ቅድስቲ መንበር ብቐረባ ትከታተሎን ምስቶም ኣብዚ መዳይ እዚ ዝዓዩ ብቐጻልነት ከምእትራኸብን ገሊጾም፡ እቶም ኣብ ካቡል ዘገልግሉ ዝነበሩን ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጹ እውን ድላይ ዘይነበሮም ካህንን ደናግል ደቂ ማሕበር ቅድስቲ ተረዛ ዘካልኵታን ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው ብሰላም ናብ ኢጣሊያ ንኽመጹ ተገይሩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስለዚ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጉዳይ ሕግታት ኢጣሊያ ኣደ እታውነት ከምዘይትገብር ገሊጾም - ንኻልኦትን ገዛእ ርእስካን እትከላኸለሉ መገዲ ናይ ፍቕሪ ተግባር እዩ፡ ሓላፍነት ድማ እዩ፡ በዚ ከምዚ ኸኣ ነቲ ብሰንኪ ህጹጽ ኵነታት ጥዕና ዝመጽእ ብድሆታት ብትብዓት ንኽብዳህ ቅድስቲ መንበር እተቕርቦ ምሕጽንታ አሐድስ - ቢሎም - ብዛዕባ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ድሕሪ ዝተገብረሎም ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ጥዕናኦም ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዘሎን ገሊጾም ብተወሳኺ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሞንተፈርጂነ ምብጻሕ ንኸካይዱ ዝቕረበሎም ዕድመ ናብ ቅዱስነቶም ከብጽሑ ምዃኖም ከምዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 September 2021, 09:25