ፓሮሊን ኣብ ዋዕላ ብለንድ፥ “ሓቅነት ኤውሮጳ ኣብ ተሓባባርነታ እዩ” ፓሮሊን ኣብ ዋዕላ ብለንድ፥ “ሓቅነት ኤውሮጳ ኣብ ተሓባባርነታ እዩ” 

ፓሮሊን ኣብ ዋዕላ ብለንድ፥ “ሓቅነት ኤውሮጳ ኣብ ተሓባባርነታ እዩ”

ሃገራት ኤውሮጳ ገዛእ ርእሰን መሻርኽቲ ደኣ እምበር ከም ተወዳደርቲ ወይ ከም ገዛእቲ ገይረን ክርእያ የብለንን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ስሎቨኒያ ከተማ ብለንድ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣብቲ ብዛዕባ መጻኢ ኤወሮጳ ኣብ እተወፍየ ዓውደ ኣኼባ ተረኺቦም ብዛዕባ ምሕዝነት ኤውሮጳን ዓለም ሓቆፋዊ ምትሕብባርን ጸኣት ስደተይናታትን ለውጢ ቍጽሪ ህዝብን ዘማእከለ መደረ ከም ዘስምዑ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ምሕዝነትን ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ጸኣት ስደተይናታትን ቍጽሪ ህዝብን፥ እዚ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዕለት 2 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ስሎቨኒያ ከተማ ብለንድ፥ “ውጥናዊ ስልትን፥ ናይ ኤውሮጳ መጻእን” ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ናይ ዘስምዕዎ መደረ ማእከል ክኽውን እንከሎ፡ “ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣህጉራዊ ሕግታትን ኣህጉራዊ ውድባትን ዘሎ ምትእምማን እናደኸመ ምኻዱ ዘይካሓድ እዩ። እዚ እውን ኣብ ልዕሊ ውጥናት ኤውሮጳ እውን ሳዕቤን ዘይብሉ ኣይኮነን። ብፍላይ ነቲ ኣብ ክብሪ ወድሰብን ዓሚቝ ፍትሒ ናጽነት ትግሃት ተበግሶ ምውሳድ ስድራ ቤትን ፍቕሪ ህይወት ምኽባር ተጻዋርነት ምትሕብባርን ሰላምን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ስርዓታት ጠቢቕካ ኣብ ምስዓብ እተመርኰሰት ኤውሮጳ ናይ ምዃን ስምዒት ክትንክፎ ይኽእል እዩ። ኣብዚ  ቅልጡፍ ለውጢ ዝኣመሰሉ ጒዳያት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ መዋእል “ብፍላይ ሓባራዊ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣብ ዝጐድለሉ እዋን መንነት ምጥፋእ ከጋጥም ይኽእል እዩ” ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ሓቢሩ።

ኣብ ምእንጋድ ዘሎ ክብሪ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኤውሮጳ “ክርስቲያናዊ መበቈላን ኣድላይ ኣበርክቶ ኣቢያተ ክርስቲያንን ክትርስዖ የብላን። ብዛዕባ መጻኢ ኤውሮጳ ኽንሓስብን መንነት ኤውሮጳ ዳግም ኽንረክብን ኣብ እንጽዕረሉ ዘበለ ምስ ተወከልቲ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሃይማኖታዊ ማሕበራትን ማሕበርሰባትን ብጋህድን ብስሩዕን ምይይጥ ምግባር ንምትብባዕን ንምድጋፍን ኣገዳሲ እዩ። እዚ ማለት ከኣ ኤውሮጳ ንዋጋ እንግዶት ዳግም ክትረኽቦ ኣለዋ - ኣእንጋድነት ሕመረት ናይ ውድብ ሕብረት ኤውሮጳ ውጥን እዩ።” ኣብ ርእሲ እዚ እውን “ምትሕብባር ኣብ ዶባት ኤውሮጳ ጥራይ እተሓጽረ ክኸውን የብሉን። ከምቲ እቲ ዝተራእየ ዘፍርህ ለብዒ ኮቪድ - 19 ከምዝሕብሮ ኵላትና ኣብ ሓንቲ ጀልባ ኢና ዘሎና። ኤውሮጳ ኮነት ካልእ ኵሉ ክፍሊ ዓለም ተነቃፍን ተሰባርን እዩ” ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣፍሊጡ።

ዓለም ለኻዊ ጻዕሪ ንስደተይናታት

“ነቲ ናይዚ ግዜና እዚ ንጸኣት ስደተይናታት እተመቓቐለ መፍትሒታት ምቕራብ እዅል ኣይኮነን። ንስደተይናታት ዝሕግዙን ንባህልን ልምድታትን ሃገራት ኬኽብሩን ክወሃሃዱን ዝድግፉ ማሕበርሰባት የድልዩ እዮም። መራሕቲ ኤውሮጳ ንስደተይናታት ንደለይቲ ዑቕባን ሓንጐፋይ ኢሎም ዚቕበልዎምን ዜዕቍብዎምን ተወሃሂዶም ክነብሩ ዘኽእሎም ፖለቲካ ብንጥፈት ኬስፍሑ ኣለዎም።” ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን እቲ ተኣፋፊ ጒዳይ ስደተይናታት ኣመልኪቶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ዝጠቐስዎ ክልተ ካልእ ኣገዳሲ መዳያት እውን፥ እቲ ቐዳማይ እቲ ዝርአ ዘሎ ዋሕዲ ቍጽሪ ህዝቢ ዝቕየር ኣባይቲ ስድራ ብምሕጋዝ ምዃኑ ዘመላኽት ክኸውን እንከሎ፡ ብጹዕነቶም ከም ዝገለጽዎ “ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ ሰፊሕን ኣርሒቖም ዚርእዩ መንሰያትን ኣባይትኦምን ዘተኣማምን ስራሕን ደሕንነትን ዘውህቦም ንስድራ ቤትን ዝምልከት ፖለቲካዊ ውጥንን ከምኡ እውን ንመጻኢ ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ክቡር ዝኾነ ዕቤት ኣባይቲ ስድራ ዜድሊ ኵነታት ኪፈጥሩ ኣለዎም።” እቲ ካልኣይ ቅዉም ነገር ከኣ “ውድብ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ገዛእ ርእሱ ናጻ ዝኾነ ውጥን ምህናጽ ዝብልን እዩ፡ እዚ ከኣ ክልተ ነገራት ማለት እዩ፥ ብቐዳምነት ሃገራት ኤውሮጳ ገዛእ ርእሰን መሻርኽቲ ደኣ እምበር ከም ተወዳደርቲ ወይ ከም ገዛእቲ ገይረን ክርእያ የብለንን። በካልኣይ ደረጃ - ርትዓዊ ምምሕዳር ምስ ካልኦት ሃገራት ንዝሰፍሐ ምትሕብባር ክፉት ኰይኑ ክቕጽል ኣለዎ ዝብል እዩ” ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ሓቢሩ።

04 September 2021, 09:35