ክብረት ስራሕ ሕርሻ፥ ዅሉ ሕብረተሰብ ዝሓቍፍ ቍጠባ ክብረት ስራሕ ሕርሻ፥ ዅሉ ሕብረተሰብ ዝሓቍፍ ቍጠባ  

ክብረት ስራሕ ሕርሻ፥ ዅሉ ሕብረተሰብ ዝሓቍፍ ቍጠባ

ቅድስቲ መንበር፡ ሰብኣውነት ዘማእከለ ናይ ሕርሻ ዕዮ ኣገዳሲ ምዃኑን መሰላት ሰራሕተይናታት ምሕላው ብፍላይ ንነኣሽቱ ኣፍረይቲ ፍትሓዊ ድጋፍ መሰረታዊ ምዃኑን ከምእትኣምን

ሰራሕተይናታት ገጠራት ናይ ምዕቃብን ናይ ምትብባዕን ድጋፍ ንመንእሰያትን ኣገዳስነት ኣብቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብን ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዋሊ ማዕከን ንምዕባለ ሕርሻን ከምኡ እውን ኣብ ዓለም ሓቆፍ ውድብ መርሓ ግብሪ መግቢ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣብ ዘነቓቐሖ ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ከምእተሰመረሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሎሚ እውን እንተኾነ ኣብ ስራሕ ዘጋጥም ሓደጋን ስእነትን ዘላቒ ስራሕ ዘይምርካብን ስእነት ስራሕን በስገዳድ ኣብ ስራሕ ምድጓንን ዝፈጥሮ ስቓይ ከምዘይተወገደ እቲ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብቲ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ክሳብ 2030 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ኣብ ግብሪ ክውዕል ቢሉ ኣብ ዝሓንጸጾ መርሓ ግብሪ ኣማእኪሉ፥ “ክብረት ስራሕ ሕርሻን፥ ዋላ ሓደ ምእንቲ ድሕሪት ከይተርፍ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሒ ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ዘተኻየደ ኣኼባ ከምእተገልጸን፡ ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ብዙሓት ዓበይቲ ኣካላት ከምእተሳተፉን ነቲ ዓውደ ኣኼብ ዘነቓቕሑን ዝተሳተፉን ኣብ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብን ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዋሊ ማዕከን ንምዕባለ ሕርሻን ከምኡ እውን ኣብ ዓለም ሓቆፍ ውድብ መርሓ ግብሪ መግቢ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ኪካ ኣረላኖ ናይ መዕጸዊ መደረ ከምዘስምዑን እቲ ኣኼባ ነቲ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕብረተሰብኣዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ ዘመላኽቶ “ሰብኣዊ ክብሪ ሚዛን ዘለዎ ስራሕን ንዅሉ ሓቛፊ ዝኾነ ቍጠባዊ ምዕባለን” ዝብል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዝተሓረዩሉ እዋን ኣትሒዞም ደጋጊሞም ዘቃልሕዎ፥ “ሰብኣዊ ክብሪ ሚዛን ዘለዎ ስራሕን ሓቛፊ ምዕባለን” ኣማእኪሎም ብጹዕ ኣቡነ ኪካ ኣረላኖ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክብሪ ዝብል ቃል ኣብ ስራሕ ዓለም ዘለዎ ዓሚቝ ትርጉም ከምዘመላኸቱን እዚ ጉዳይ እዚ ብፍላይ ንመንእሰያት ጽቡቕ ስራሕ ንኽረኽቡ ሓድሽ ኣጋጣሚታት ከም ዝኽፈተሎም ዝገብር መስርሕ ናይ ምውጻእን ናይ ምትብባዕን ኪደት ዘሀልው እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መሰልን ክብርን ንምሕላው ኣብ ኵሉ መዳይ ማዕርነት ምትብባዕ

ንሕርሻዊ ትካላት ብምምልካት ቅድስቲ መንበር፡ ሰብኣውነት ዘማእከለ ናይ ሕርሻ ዕዮ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምእትኣምን ገሊጾም። መሰላት ሰራሕተይናታት ምሕላው ብፍላይ ንነኣሽቱ ኣፍረይቲ ፍትሓዊ ድጋፍ መሰረታዊ ምዃኑን ናብቲ ኣብ ወርሒ መስከረም “ኣገባባት ምሕርትን መግባውነትን” ኣማእኪሉ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ንኽካየድ ንዝተጸውዔ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ጭቡጥ ሓሳብ ንምቕራብን ጠመተኡ ናብኡ ገይሩን ዝተኻየደ ምንባርን ዘይንጽል ምዕባለ ሕብረተሰብ ምርግጋጽ ዝብል ሸቶ ዝገበረን ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ናይ ሕርሻ ምዕባለ ዝሓልይ ዓለም ሓቆፍ ማዕከን

ናይ ሕርሻ ምዕባለ ኣብ ዝሓልይ ዓለም ሓቆፍ ማዕከን በዓል መዚ ዶክተር ፈደሪካ ቸሩሊ ኢረሊ ናይቶም ናይ ገጠራት ኣፍረይቲ ሰራሕተይናታት ክብሪ ውሑስ ክኸውን ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪለን ኣብቲ ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘስመዐኦ መደረ፥ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ እቲ ዘላቒ ክኸውን ዘለዎ ንናይ ማሓድሮን ቍጠባን ዘላቕነት ዘተኮረ ጥራሕ ዘይኮነስ ንናይ ሕብረተሰብ ዘላቕነት ዝጨመተ ክኸውን ከምዘለዎ በስፊሕ ኣብሪሀን ኣስዒበን እውን እቲ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ተበጻሒ ክኸው ዝብል ብውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ናይ ዝተሓንጸጸ መደብ ልምዓት ሕመረት ፈልየን ብምቕራብ፥ ሕርሻ ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትትን ንብዙሓት ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ናይ ስራሕ ዕድም ዚፈጥር እውን ምዃኑ እተረጋገጸ እዩ ከምዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ሕዳሴ ግደ ደቀንስትዮ

ደቀንስትዮ መሬት ምርካብ ዝብል ሕቶ ምዕሩይን ፍትሓውን መልሲ ክረክብ ብርቱዕ ጻዕሪ ዝግብረሉ ዘሎ ብድሆ ምዃኑ ገሊጸን፥ 70 ሚእታዊ ኣብ ናይ ሕርሻ ኤክኖሚ ዝዓያ ደቀንስትዮ እኳ እንተኾና መሬት ዘለወን ደቀንስትዮ ካብ 10 - 20 ሚእታዊ ኣይበዝሓን። እዚ እውን ኣብ መዳይ ምዕባለ ዘለወን ግደን ከም ሰራሕተይናታት ግብእ ክብረን ዝድርት እዩ፡ ስለዚ ናይ ሕርሻ ምዕባለ ሓልዮ ዓለም ሓቆፍ ውድብን ካልኦት ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ትካላትን ደቀንስትዮ ንናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ሕዳሴ ቀንደይና ተዋሰእቲ ክዀና ብዙሕ ይጽዕራ ኣለዋ ከምዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ድጋፍ ንመነባብሮ ንኣሽቱ ሓረስቶት

ቸሩሊ ኢረሊ ኣብ ዘስምዐኦ መደረ፡ ኣብ ንኣሽቱ ኣፍረይቲ ሓረስቶትን ገጠራትን ምትኳር ዘለዎ ኣገዳስነት ክሕብራ፥ ንኣብነት ድዅዒ ብቐሊሉ ዘይርከብ ብምዃኑ ነቲ ክርከብ ዝኽእል ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ባህላዊ ኣጠቓቕማን ብምእዋን ንምዕቃብ ንውሉድ ወለዶ ፍልጠቶም ንምትሕልላፍ ዘኽእሎም እተፈላለዩ ዓይነት ኣትክልትን እንስሳታትን ኣብ ምዕቃብ ከተኵሩን እዚ ፍልጠት እዚ ኸኣ ምስ ለውጢ ኩነታት ኣየር ንኽላመዱ ጥራይ ዘይኮነስ ነዚ ለውጢ ኵነታት ኣየር እዚ ንምንካይ እውን ኣበርክቶ ኣለዎ ከምዝበላን፡ ኣስዒበን እውን መብዛሕቲኦም ኣብ ዓለም ዘለዉ ድኻታት ንስርሖም ዘንብሮም መኽሰብ ክርኽብሉ ዘኽእሎም መጋበርያ ዘይብሎም እያቶም፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን 50 ሚእታዊ ናይቲ ሎሚ ኣብ ዓለም ሕቶ መግቢ ዝሽፍኑ እያቶም፡ ስለዚ እዞም ሓረስቶት እዚኣቶም ናይ ሕርሻ ተኽእሎኦም ክቕርቡ ምፍቃድ ጥራይ ዘይኰነስ ካብቲ ዘፍርይዎ ነገራት ገዛእ ርእሶም ክኢሎም ንኽነብሩ ምፍቃድ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንዅሉ ዝሓቍፍ ስርዓት መግቢ

ናይ ሕርሻ ምዕባለ ዝሓልይ ዓለም ሓቆፍ ማዕከን፥ ቍጠባዊ ትካል ከም ዝኾነ ኣዘኻኺረን፡ “ኵሉ እቲ እንገብሮ ነገራት ምስተን ልቓሕ ዚቕበላ መንግስታት እተን ኣብ ጐደና ምዕባለ ዚርከባ ሃገራት ብምምይያጥ እዩ ዚፍጸም፡ እዚ ኸኣ ምስ መንግስታት ብምትሕብባር ንሰራሕተይናታት ሕርሻ ንነኣሽቱ ሕርሻ ንኸም መንእሰያት ስደተይናታት ዝኣመሰሉ ኣብ ሽግር ንዝርከቡ ኣካለ ስንኩላን ድኻታታን ደቀንስትዮን ዚዓዪ መምርሕታት ንኽንሕንጽጽ የኽእለና፡” ኢለን። ኣብዚ መዳይ እውን ኣበርክቶ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ መደብ ልምዓት ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ዘለዋ ተመኵሮ መሰረታዊ ምዃኑ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ኣመላኺቱ፥ እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ዛዕባ ኣገባብ መግቢ ንኽዝትይ ተጸዊዑ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ኣገባብ መግቢ ብዓይኒ ስራሕን በኣረኣእያ ኣመጋግባን ንዅሉ ዝሓቁፍን ንሓደ እኳ ዘይንጽልን ካብ ዓለም ስእነት መግቢ ንምውጋድ ዓለም ለኻዊ ጻዕሪ ዘተባብዕን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝድርኽ ኸውን ኣብቲ ኣኼባ ጻውዒት ከምዝቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 July 2021, 20:18