ናብ ዝዓበየ “ንሕናውነት”፥ ንዝተጐድአ ምክንኻን

ኣብታ ሓድሽ ዝቐረጾ ክሱት መልእኽቲ፥ ሓደ ኣብ መገዲ ባልካን ንቝስሊ እቶም ኣብ ሕማቕ ኵነታት ዝርከቡን ዚነብሩ ብዙሓት ስደተይናታት ዝትክፉን ትሕቲ ቢሎም ኣብ ምእላዮም ዝርከቡ ካህን

ብመሰረት እቲ ዕለት 26 መስከረም ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን 2021 ዓ.ም. ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መርሕ ቓል ክኸውን ኣብ ዘቕረብዎ “ብሓባር ናብ ዝዓበየ ‘ንሕናውነት`” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሉ ዘበገሶ ወፈራታት ይቕጽል ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 26 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ንምብዓል ናብ እንቀራረበሉ ዘሎና እዋን ንኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓረይዎ “ንዝዓበየ ንሕናውነት ብሓባር ምጉዓዝ” ኣብ ዝብል መርሕ ቃል ዘማእከለ ብቛንቋ ፍረንሳን እንሊዝን ስፓኒሽን ቋንቋ ዳችን ጀርመንን ቅዱስነቶም ቤተ ክርስቲያን ነቶም ዝቘሰሉ ንምሕዋይን ነቶም ዝጠፍኡ ብዘይ ፍርሂ ወይ ብዘይ ሕማቕ ቅድመ ምፍራዲ ባህርይ ንምርካቦም ቀረባኦም ንምዃኖም ኣብ ጐደናታት ክትወጽእ ዘቕርብዎ ዕድመ ብሰፊሕ ዘብርህ ንነፍሲ ወከፍ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበለ ከኣ ክፍሊ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ ቤትን ሓንቲ ቤት ስድራን ኮይኑ ክስምዖ ንዘቕረብዎ ምዕዳን ብዝተፈላለየ ጐድንታት ዘብርህን ነዚ ሓሳብ እዚ እውን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርትን ቅዱስ መጽሓፍን ትዊፍትን ታሪኽ ቅዱሳትንን ቅዱሳትን መሰረት ገይሩ ብምስክርነት ኣሰንዩ ዝሓንጽ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ የመሓላልፍ ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ኣብታ ሓድሽ ዝቐረጾ ክሱት መልእኽቲ፥ ሓደ ኣብ መገዲ ባልካን ንቝስሊ እቶም ኣብ ሕማቕ ኵነታት ዝርከቡን ዚነብሩ ብዙሓት ስደተይናታት ዝትክፉን ትሕቲ ቢሎም ኣብ ምእላዮም ዝርከቡ ካህን ዝህብዎ ምስክረት ዝተነብሮ ከምዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ነቲ ዕለት 26 መስከረም ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ግምት ብምእታው ንኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ሓልዮ ስደተይናታትን ተመዛበልንት ካብቲ  ኣብቲ ከባቢ ባልካን ካብ ዘልዋ ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመናን ካብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለምን ዚቐርብ ምስክርነትን ዝተቐርጸ ክሱት መልእኽታትን ኣሳእልን ኪቕበል ድልው ከምዝኾነን እቲ ምስክርነት እውን ናብ media@migrants-refugees.va ብዝብል ኣድራሻ ክልኣኽ ከምዝሓበረ ኣፍሊጡ።

08 July 2021, 17:53