ቱርክሶን፥ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ናይ ለውጢ ቀንደይና ተዋሳእቲ ይዅኑ ቱርክሶን፥ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ናይ ለውጢ ቀንደይና ተዋሳእቲ ይዅኑ 

ቱርክሶን፥ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ናይ ለውጢ ቀንደይና ተዋሳእቲ ይዅኑ

ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብተን ካብ 2014 ዓ.ም. 2016 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ቦሊቪያ ሳንታ ክሩስ ደ ላ ሲየራ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳሞት ሰለስተ ኣኼባታት ከምዝሓበርዎ፥ ነቶም እተነገሉ ኮይኑ ዚስምዖም ኣብ ክንድኡስ መሬትን ቤትን ስራሕን ዝብል መሰልን ክብርን ውሑስነት ኪረክብ ኣለዎ

ኣብቲ ብመረብታዊ ውሕዘት ተሰንዩ ኣብ ዝተኻየደ ራብዓይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ሕዝባውያን ምንቅስቓሳት ዝተሳተፉን መደረ ዘስምዑን ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ፥ ነቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ናይ ዘይምግብዳስ ባህሊ ክንጻረርን ብፍላይ ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሰብኣዊ ክብሪ ውሑስ ክኸውን ከምእተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምስ ፍጥረት ብስኒት ካብ ዝነብር ሕይወት ዝመጽእ ለውጢ ናይቲ ዘይንጽልን ሓቛፍን ማሓድሮ ምልክት እዩ፡ እዚ ኸኣ ንመሰላት ደቀባት ብምኽባርን ሓባራዊ ጥቕሚ ብምስትውዓልን እዩ ዝኽወን፥ ነዚ ዝበሉ ኣብቲ ዕለት 9 ሓምለ ድሕሪ ቐትሪ ብመረብታዊ ውሕዘት ተሰንዩ ኣብ ዝተኻየደ ራብዓይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ቀዳማይ ክፋል ዓውደ ኣኼባ መደረ ዘስምዑ ናይ ኵለንታዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየነተ ብጹዕ ካርዲናል ፒተር ቱርክሶን ክዀኑ እንከለዉ፥ እዚ ነቲ ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብዚ እዋን ለብዒ እዚ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ዘካይድኦ ጻርዕርን ተመክሮን ንምክፋልን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምዝታይን መልእኽቶም ምስትውዓልን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ንዝካየድ ካልኣይ ክፋል ዓውደ ናይዚ ርክብ ራብዓይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ርእየቱ ኣንቢሩ ዝተኻየደ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነቶም እተነገሉ ኮይኑ ዚስምዖም ኣብ ክንድኡስ መሬትን ቤትን ስራሕን ዝብል መሰልን ክብርን ውሑስነት ኪረክብ ኣለዎ።
ነቶም እተነገሉ ኮይኑ ዚስምዖም ኣብ ክንድኡስ መሬትን ቤትን ስራሕን ዝብል መሰልን ክብርን ውሑስነት ኪረክብ ኣለዎ።

ኵለንተናዊ ምሉእ ናይ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት፥ እቲ ዝተኻየደ ኣኼባ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣብ ልዕሊ ትሑታትንን ዝተሓረጉን ሰራሕተይናታት ዘለዎ ማሕታ እንታይ ይመስል ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሉ ከምዝዘተየን፡ ብጹዕ ካርዲናል ቱርክሶን “ተጓዓዝትን ኣብ ጐደናታት ብተንቀሳቓሲ ንግድ ሙያ ዝመሓደሩን ኣንጠረይናታትን ብሃብቲ ዓሳ ዝመሓደሩ ገፈፍቲ ዓሳን ሓረስቶቶን ነደቕትን ዓደንትን ዝብሉ ብዝተፈላለየ ኣርእስትታትን ኣብ ዝተፈላለየ ትካላት ዝሰርሑ ሰብ ሙያን ኣብተን ትካላት ዝሰርሑ ማሕበረ ክርስቲያንን ብህዝባውያን ምንቅስቓሳት ተጠራኒፎም ዝነብርዎ ሕይወት ናይ ምራኻብ ባህልን ሓባራዊ ጒዕዞ የተባብዑ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ድኻታት ምስ ምጒዳል ፍትሒ ይቃለሱ

ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብተን ካብ 2014 ዓ.ም. 2016 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ቦሊቪያ ሳንታ ክሩስ ደ ላ ሲየራ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳሞት ሰለስተ ኣኼባታት ከምዝሓበርዎ፥ ነቶም እተነገሉ ኮይኑ ዚስምዖም ኣብ ክንድኡስ መሬትን ቤትን ስራሕን ዝብል መሰልን ክብርን ውሑስነት ኪረክብ ኣለዎ። እዞም ሰለስተ ማለት መሬት ቤትን ስራሕን መሰረታዊ መለክዕታት ማሕበራዊ ፍትሒ እያቶም፣ ኣብቲ ብመረብታዊ ውሕዘት ዝተኻየደ ኣኼባ ካብ ብራዚልን ህንድን ስፐይንን ምስክርነት ንዝሃቡ ጥራሕ ዘይኮነ ብጹዕ ካርዲናል ትሩክሶን ነቶም ብዝተፈላለየ ኢፍትሓውነት ተግባር ኣብ ስቓይ ዝርከቡን ናታቶም እቲ ተነቃፊ ወጅህታቶም ዝተሓረጉን ካብቲ ዝርከብሉ ኢፍትሓውነት ንኽላቐቑ ኵሉ በቢ ዝተዋፈረሉ ኣበርቲዑ ክዓዩ ጽዉዕ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት “ቁጠባ ኣብ ኣገልግሎት ሰብ ክኽወን ሕጹጽ ስጒምቲ ክውሰድ ከምዘለዎ ዘተሓሳስብን፡ ድኻታት ዘይፍሓዊ ነገራት የጋጥሞም ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ዘይፍትሕዊ ተግባራት እውን ዝቃለሱ ከምዝኾኑን፡ እዚ ኸኣ ነቶም ዘይፍትሓዊ ተግባራት ዝወርዶም ሰባት ዝውክል ጥራይ ዘይኰንስ ግቡእ ማሕበራዊ ቍጠባዊ ስርዓት ከቑሙሎም ዝጽዕሩ ጒጅለታት እውን እያቶም” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሰራሕ ታሪኽ ምዃን

“እቲ ዘጋጥመና ብድሆታት ኣብ በይናውነትን ብበይናውነትን ዝብዳህ ኣይኮኑን፡ ምእንቲ እዚ ኣብ መንጎና ናይቲ ካብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትናን ህውልውናን ዝነቅል ህዝባዊ ባህሊ መሰረት ዝገበረ ሕብረተሰብኣዊ ምትሕብባር ምድንፋዕ የድሊ። ሓድነት ነቲ ዘይፍትሓዊ ኣሰራርሓ ሕብረተሰብና ናብ ማዕርነትን ፍትሕን ማሕበራዊ ሓድነትን ሰላምን ንምምጻእ ከም መጣበቕን መሰረታዊ ስርዓትን እዩ። ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ ዝሓበርዎ፥ ነቲ መዋቕራዊ ጠንቅታት ድኽህነትን ምጒዳል ፍታሕን ንምስናፍ እናተቓለስና ብትባዓትን ብምስትውዓልን ብጽንዓትን ብዘይ ፈንጠዝያን ብዘይ ጐነጽን ሰራሕ ታሪኽ ምዃን የድሊ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣይፋል ንናይ ዘይተገዳስነት ባህሊ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እዚ ብድሆ እዚ ንምንግጣም ናይ ነፍሲ ወከፍ መለለዪ ብምኽባር ዕማም ምክያድን ነቲ ዝድለ ሸቶ ንምስዓብ ኣብነት ፖሊየድሮ ጠቒሶም ብዝሓ ገጽ ዘለዎ ኣብ ሓደ ዝተጠርነፈ ሓደ ቅርጺ ምዃን የድሊ። በዚ ኸምዚ ከኣ “ክንየው እቲ ናይ ኣቦታት ደገፍ ከምኡ እውን ንኣባላት እቲ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ናይ ሓባር ረብሓ ኣብ ምድላይን ቀንደይና ተዋሰእቲ ንኺኾኑ ዜኽእሎም ኣብቲ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ሕንጻታትን መዋቅራትን መንግስቲ ህያው ምግባር የድሊ። ሰባት ናይ ለውጢ መስርሕ ክኾኑ ምንቕቓሕን ምትሕብባርን - ቢሎም - ነቲ ጽቡቕ ስራሕ ንጣበቐሉ ኣብቲ ማሕበረሰብኣውን ማሕበራውን ቍጠባ ብምትእትታው ፍትሓዊ ስራሕ ክንፈጥር ንጽዕር፡ እዚ ድማ ንህይወት እቶም ሓድነት ካብ መኽሰብ ንላዕሊ ዘዐምብቡ ማሕበረሰባት ዘዕቁብ እዩ። ንናይ ዘይተገዳስነት ባህሊ ንቃለስ፡ ከምኡ እውን ሰብኣዊ ክብረትና ክንስዕብ እንኰሎና ንኽብሪ ካልኦት እውን ነዕቍብ፡” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

10 July 2021, 18:51