ፓሮሊን፥ እምነት ሓደስቲ ፍጻሜታት የርህው ፓሮሊን፥ እምነት ሓደስቲ ፍጻሜታት የርህው 

ፓሮሊን፥ እምነት ሓደስቲ ፍጻሜታት የርህው

እቲ ኸረን ቅድስቲ ኦዲል ዝሓረየቶ ስፍራ ከምዝኾነን ኣብኡ እውን እቲ ደብሪ ተሓኒጹን ኣብኡ እውን ኣብኡ እውን እቲ ማሕበር ሕውነት ንዘላቒ ኣስተንትኖ ቅዱስ ቁርባን ከምዝቖመን ድሮ እውን መበል 90 ዓመት ቅዋሜኡ የብዕል ከምዘሎ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብምኽንያት መበል 1300 ዓመት ውልደት ኣብ ሰማይ ቤት ኣብ ፈረንሳ ናይ ዞባ ኣልሳዚያ ሓላዊት ቅድስቲ ኦዲለ ምኽንያት ኣብ ስትራበርግ ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 3 ሓምለ ዝጀመርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዕለት 5 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ንመንእሰያት ብዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዛዘሙን፡ በዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ናይ ስትራስበርግ ሊቀ ጳጳሳት፥ ፈረንሳን ጀርመንን ስዊዘርላንድ ዘጠቓልል ሶብ ሰገር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንመንእሰያት ህልው ንምግባር ብዙሕ ይስራሕ ኣሎ እንክብሉ ከምዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ህላዌ ቅድስቲ ኦዲል ኣምላኽ ኣብ ፍጥረቱ ህልው ብምዃን ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ኣረኣእያ ናብ ሓድሽ ንምቕያርን ሓድሽ ህይወት ንምህላውን ሓድሽ ተልእኾ ክህብ ሕማም ከሕዊ ከምኡ እውን ዘይተጸበኻዮ ዓድሽ ዓይነት ኣገባብ ወንጌላውነት ከርህው ከምዝኽእል ዝምስክር እዩ” ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 1300 ዓመት ውልደት ኣብ ሰማያዊ ቤት ቅድስቲ ኦዲል ኣብ ስትራስበርግ ኣብ እተፈጸመ መንፈሳውን ባህላውን መደብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወኪሎም ንምስታፍን ንምብዓል ካብ ዕለት 4 ሓምለ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዕለት 5 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ኮረብታ ቅድስቲ ኦዲለ ኣብ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ሆሀንቡርግ እዛ ናይ ዞባ ኣልሳዚያ ሓላዊት ቅድስቲ ቅዱስ ዓጽም ኣብ ዝዓረፈሉ ደብሪ ንመንእሰያት ብዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዛዝሙ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ሕይወት ቅድስቲ ኦዲል ፍኖት ኣስፍሆተ ወንጌል ንወለዶታት
ሕይወት ቅድስቲ ኦዲል ፍኖት ኣስፍሆተ ወንጌል ንወለዶታት

ማሕበር ሕውነት ዘላቂ ኣስተንታኒ ቅዱስ ቁርባን

እቲ ኸረን ቅድስቲ ኦዲል ዝሓረየቶ ስፍራ ከምዝኾነን ኣብኡ እውን እቲ ደብሪ ተሓኒጹን ኣብኡ እውን ኣብኡ እውን እቲ ማሕበር ሕውነት ንዘላቒ ኣስተንትኖ ቅዱስ ቁርባን ከምዝቖመን ድሮ እውን መበል 90 ዓመት ቅዋሜኡ የብዕል ከምዘሎን ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዝስምዕዎ ስብከት ገሊጾም፥ እዚ ማሕበር እዚ ኣብ መንጐ ቅዳማይን ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝቖመን እቲ ቀጻሊ ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ዝብል መፍነሳውነት እውን ምእንቲ ሰላም ዝብል ምኳኑን ካብዚ ማሕበር ሕውነት እዚ እውን ጽዋዕታ ክህነትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ከምእተረኽበን ሎሚ ብጠቕላላ 2000 ኣባላት ዝሓቑፍ ዝተፈላለዩ 52 ጉጅለታት ዘጠቓልል ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም እቲ ቅዱስ ስፍራ እውን ናይ መንፈሳዊ ንግደት ስፍራ ኮይኑ ምእመናን ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ዘስተንትንሉን ምእንቲ ሰላም ዝጽለየሉን መንፈሳዊ ሱታፌ ዝምስከረሉ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ምእንቲ ሰላም ዝግበር ጸሎት ሰላም እትዕወቶ ሸቶ ዘይኮነስ ወትሩ ሕርኵትን ቆራጽን ጻዕሪ ዝጠልብ ካብ እግዚኣብሔር እንልምኖ ውህበት እዩ . . . “ ከምእዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሕይወት ቅድስቲ ኦዲል ፍኖት ኣስፍሆተ ወንጌል ንወለዶታት

እቲ ኣብዚ ኣዋን እዚ ዘሎ ኣመለኻኽታ ተጠራጣሪ እዩ፡ ብዛዕባ ተኣምራት ክንሰምዕ እንከሎና እቲ ዝንገር ተኣምራትን ተወፋይነት ክርስቲያንን ምስቲ ፈዋስን መድሕንን ዝኾነ ክርስቶስ ንኽንራኸብ እድርኸና፡ እግዚኣብሔር ብቅድስቲ ኦዲል ኣቢሉ ዓይነ ስውር ዝነበረትን ኣቦኣ ዓይነ ስውር ስለ ዝነበረት እውን ዝነጸግዋን በዛ ዓይነ ስውር እዚኣ ኣቢሉ እግዚኣብሔር ብዝፈጸሞ ናይ ፈውሲ ተኣምር ኣቢሉ ንብዙሓት ሰባትን ወለዶታትን በረኸት ወንጌላውነት ለጊሱ እዩ። ተኣምር ንተኣምር ዘይኮነስ ንእምነት እዩ። ስለዚህ መጋርያ ኣስፍሆተ ወንጌል እዩ። . . . እምነት ነቲ ዘይርአይ ነገራት ዘርእዮ ሓድሽ ፍጻሜን ንዘይተጸበኻዮ መገዲ ዘርህው ሓድሽ ኣነብብራ ዝምህር እዩ” ብምባል እውን ቅድስቲ ኦዶል ተምስክር፡ . . . ብመሰረት ተኣምራት ቅድስቲ ኦዲልን ብብዙሓት ካልኦት ቅዱሳንን ዝተጸገወ ውህበት ተኣምር ምንጪ እምነት እዩ . . . ልቢ ይልውጥን ንዕዉራት ብርሃን የጸግው ሓድሽ ሕይወት ይጽግው . . . እግዚኣብሔር ብተኣምራቱ ኣቢሉ ድማ ወልደ እግዚኣብሔር ክነለልዮን ክንራኸቦን ድሕነት ክረክብን ይደሊ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

08 July 2021, 09:14