ሮማ 2022 ዓ.ም.፥ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ ሰፊሕን ብዝሓ-ኣትኵሮ ዘለዎን ሮማ 2022 ዓ.ም.፥ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ ሰፊሕን ብዝሓ-ኣትኵሮ ዘለዎን 

ሮማ 2022 ዓ.ም.፥ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ ሰፊሕን ብዝሓ-ኣትኵሮ ዘለዎን

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሰበኻታት እቲ ኣብ ሮማ ንኽካየድ ዝተወሰነ ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ብኸመይ ከም ዚካየድ ንምርዳእ ብሃንቀውታ ይጽበያ እውን እንተነበራ እቲ ብዙሓ ማእከልነትን ምስፋሕን ዝብል ሓድሽ ኣገባብ እወታዊ ማላሽ እያተን ዝህባሉ ዘለዋ

ናይ ዓለማውያን ምእመናን ኣባይቲ ስድራን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ጋብሪኤላ ጋምቢኖ እቲ ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 26 ሰነ 2022 ዓ.ም. ኣብ ሮማን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ኣብ ዝርከባ ሰበኻታትን ንኽካየድ ዝተወሰነ መደብ ፍልዩ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ስድራ ቤት ከምዘላለያን፥ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት እቲ መደብ እውን  “መላእ ኣባይቲ ስድራ ዓለም ዘሳትፍን ኣባይቲ ስድራ ኣካል ኤቅለሲያዊ ማሕበረሰብ ኮይኑ ክስምዓን ዝገብር ኣጋጣሚ እዩ” ኢለን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዝዓበየ ኣብ ሮማ ኮይኖ ብዙሕ ማእከል ዘለዎ ብዙሕ ንኣሽቱ ግና ዘይተሓተ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ሰበኻታት እውን ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ከምዝኾነን፡ እዚ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ብሰንኪ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንሓደ ዓመት ተናዊሑ ዝጸንሔ ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 26 ሰነ 2022 ዓ.ም. ክካየድ እዩ። ዕለት 2 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ዜና ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ማሕበረሰብ ሰበኻታት ነቲ ናይቲ ኣብ 2022 ዓ.ም. ናይ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት “ስድራ ቤታዊ ፍቕርን ጸዋዕታን ሕይወት ቅድስናን”  ዝብል መርሕ ቃል መስረት ብዓንተውዑ ዝተፈላለየ ተበግሶታት ኣብ መቕራብ መደብ ክነፍጥፋ ከምዘተሓሳሰቡን ብጀካ እዚ እቲ ኣብ ሰበኻታት ዝሳለጥ መደብ እውን “ህያውን ንጡፍን መሃዝነን ብዝኾነ ኣገባብ ተወዲቡ ምስቲ ኣብ ሮማ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ስኑይ ኪደት ክህልዎ ይግባእ” ከምዝበሉ ዋና ጸሓፊ ጋምቢኖ የዘኻኽራ።

ናይ ዓለማውያን ምእመናን ኣባይቲ ስድራን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ጋብሪኤላ ጋምቢኖ
ናይ ዓለማውያን ምእመናን ኣባይቲ ስድራን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ጋብሪኤላ ጋምቢኖ

ዞባዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንኣባይቲ ስድራ ዘተባብዕ እዩ

“ኣብ ዞባታት ንዚርከቡ ኣባያቲ ስድራ ንምክንኻን ዜነቓቕሕ ሰበኻታት - ር.ሊ.ጳ. ከምዝገለጽዎ - ነቲ ሰበኻ ሮማ ዜዳልዎ ዘሎ ምልክታት” ኪጥቀማሉ ተዓዲመን ኣለዋ፡ ገለ ካብዚ ከኣ እቲ ዕለት 2 ሓምለ ብወግዒ ዝቐረበ ናይቲ ኣብ ሮማ ናይ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ወግዓዊ ጸሎትን መለልይን ምስልታትን መለለዪ መዝሙርን” ንምጥቃስ ዝከኣል ምዃኑ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ኣባይቲ ስድራን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ጋምቢኖ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት ይሕብራ።

ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ዚቕጽል ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ፥ “ብዙሓ-ማእከልነትን ሰፊሕን” ዝብል ቀምሪ ክህልዎ ስለምንታይ ወስኪንኵም፥ እቲ ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ድሕሪ እቲ ለብዒ ዘስዓቦ ኸቢድ ፈተና እንደገና ናይ ምውላድ ፍልዩ እዋን ክኸውን ዝድርኽ እዩ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኵላትና ከም ዘደንቕ ኣጋጣሚ ንኽንነብሮ ዘተሓሳስብ ይኸውን። እዚ ኣጋጣሚ እዚ ኸኣ ኵለን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣባይቲ ስድራ ዘሳትፍ ብቕዓት ዘለዎ ሓልዮት እግዚኣብሔር ዝወፍየልና ኣጋጣሚ ምዃኑ ግምት ብምሃብ ከምዝኾነ የብርሃ። ስለዚህ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵሉ ናይ ምስታፍ ዕድል ክህልዎን ነቶም ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ናብቲ ኣብ ሮማ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ብቐጥታ ኣብ ሮማ ተረኺቦም ንኽሳተፉ ዘይኽእሉ ንኽሳተፉ ባይታ ምፍጣር ይግባእ እንክብሉ ንዝገለጽዎ ባህጊ መሰረት ብምግባር እውን እዩ። ከምቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤታት ኣባይቲ ስድራ ክሳብ 35 ሺሕ ዝግመቱ ተጋባእያን ዝሓቁፍ ጥራሕ ዘይኮነ ማሕበርሰብ ኣባይቲ ስድራ ሰበኻታት ብንጥፈት ኪሳተፉ ኣጋጣሚ ዝኸፍት እዩ ይብላ።

ካብ ሰበኻታት ድሮ ምላሽን ሓሳባትን ይቐርብ ኣሎ ዶ? እዚ ሓድሽ ኣገባብ እዚ ኣብ ዞባታት ዝረኸቦ ተቐባልነት እንታይ ይመስል? ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሰበኻታት እቲ ኣብ ሮማ ንኽካየድ ዝተወሰነ ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ብኸመይ ከም ዚካየድ ንምርዳእ ብሃንቀውታ ይጽበያ እውን እንተነበራ እቲ ብዙሓ ማእከልነትን ምስፋሕን ዝብል ሓድሽ ኣገባብ እወታዊ ማላሽ እያተን ዝህባሉ ዘለዋ። እተን ኣብ ሰባኻታት ዝርከባ ኣባይቲ ስድራ እውን ምስቲ ናይ ሮማ ጉባኤ ብዘሰማምዕ መደባት ተበግሶታት ምእንቲ ክሓብራ ብዝያዳ ህያዋንን ንጡፋትን ብመሃዝነት ኣገባብ ክሳተፋ ዝሓትት እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ ነዚ ዕድመ እዚ ብመሃዝነት ዝተቐበለኦ ምዃነን ዘረጋግጽ እዩ። ኵሉ ከከም ናይ ጒስነት - ሓዋያዊ ግብረ ኖልዎ መደባት ክውንነታቱ ማለት ከከም ዓቕሙ ገዛእ ርእሱ ክውድብ እዩ። እቲ ቐንዲ ዘገድስ ነቶም ነቲ ብውሳኔ ር.ሊ.ጳ. ዝተጸውዐ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ገዛእ ርእሶም ስንድዋት ክገብሩን ከወፍዩን ባህጊ ክሓድሮም እዩ። ስለዚ ነቲ ህልው ኩነታቶም ክውንነቶምን ግምት ዝህብ ጭቡጥ ናይ ምርኻብ ኣጋጣሚ ምቕራብ የድሊ ኢለን።

እቲ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ብወግዒ ዝቐረበ ናይት ናይ 2022 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ መለለይኡን መደባቱን ብሓጺሩ ከተብርሃልና ዶ ምኸኣልክን? እቲ መለለይኡ ነቲ ኣብ ሮማ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓቍፍን ዝርእን ንስድራ ቤት ብዝውክል ግደ ኣዴታትን ኣቦታትን ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ውሉዳትን ብዙሓት ንኣሽቱ ገጸ-ባህርያት ዘመላኽት እዩ፡ ከምቲ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ነቲ ቤተ ክርስቲያን ከም ስድራ ቤት ኣባይቲ ስድራ እንክብል ዝገልጾ ሓሳብ መሰረት ስድራ ቤት ቀጻሊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓይሊ እዩ እዚ ኣምር እዚ ናብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምስግጋር ይድሊ። እዚ ኣምር እዚ ስድራ ቤት ንቅድስና ዝተጸውዔት ምዃና እዩ ዘነጽር፡ ብኻልእ ሸነኽ ኣብቲ መለለዪ ናይቲ ጉባኤ፥ ግዳማዊት እትመስል ንእሽቶ ስድራ ቤት ኣላ፡ እዛ ስድራ ቤት እዚኣ ኸኣ ነቶም ገና ክፍሊ ቤተ ክርስቲያን ዘይኮኑ ግን ከኣ ነቶም ናብ ቤተ ክርስቲያን ክኣትዉ ዝደልዩን ተልእኾ ናይቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ኣባይቲ ስድራ እንታይ ምዃኑ ዝሕብር እዩ፡ ኣብነትን ምስክርነትን። ብሓፈሻ ስድራ ቤት ንቕድስና ዝተጸውዔት ምዃናን ሸቶ ኣባይቲ ስድራ ቅድስና ምዃኑን ዘብርህ ኮይኑ፡ ናብዚ ቅድስትና ንምባል ንኽርስቶስ ኣብ መዓልታዊ ሕይወትን ምምሳል ዝሓትት፥ እቲ ፍሉይ ዝመስል ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ዝንበር ተራ - ምግባር ናይ እግዚኣብሔር ዘደንቕ ተግባር ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ምንባርን ምብሳርን ማለት እዩ እንክብላ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

ሮማ 2022 ዓ.ም.፥ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ ሰፊሕን ብዝሓ-ኣትኵሮ ዘለዎን
08 July 2021, 09:18