ቅድስቲ መንበር ኣብ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ሓለዋ ጥዕና ቀዋሚት ኣባል ኮይና ቅድስቲ መንበር ኣብ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ሓለዋ ጥዕና ቀዋሚት ኣባል ኮይና 

ቅድስቲ መንበር ኣብ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ሓለዋ ጥዕና ብቀዋሚ ኣባል ትውከል

ቅድስቲ መንበር ኣብ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ጥዕና ቀዋሚ ተዓዛቢ ክህልዋ ምግባር ነቲ ውድብ ዘኽብርን ተወሳኺ ሓይልን ክቡር ዋጋታት ክብ ዘብልን ኣብ መላእ ዓለም ንመንፈስ ሓድነት ዘደድልን ንዅለን ሃገራት ዓቢይ መተባብዒ እውን እዩ”

ዕለት 31 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ውድብ ጥዕና ኣብ ዘካየዶ መበል 74 ክፍለ ኣኼባ ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ውድብ ዘይ-ኣባል ሃገር በዓልቲ ቀዋሚ ተዓዛቢ መሰል ዝብል ውሳኔ ብልዕሊ 70 ኣባል ሃገራት ድጋፍ ረኺቡ ይኹንታ ከምእተወሃቦን፡ ካብ ዕለት 31 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ኣትሒዛ ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ጥዕና ብቀዋሚ ተዓዛቢ ክትውከል እያ። ነዚ ውሳኔ እዚ ኣመልኪቶም ናይ ኢጣሊያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ዲ ማዮ “ቅድስቲ መንበር ንብዙሓት ዓቢይ ኣስተንፍሶ ከምእተኸውን ዘየጠራጥር እዩ” እንክብሉ ርእይቶ ከምዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ስድራ ቤት ሃገራት ብዘተን ብዓለም ዓቆፍ ምትሕብባርን ኣቢለን ነቲ ንደቅሰብ ዘሳቕዮም ዓለም ለኻዊ ናይ ጥዕና ጸገማት ንኽገጥማ ዝኣተወኦ ቆራጽ መብጽዓ” ንምምስካር ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ጥዕና ዘሳልጦ ዕዮታት ከም ተዓዛቢት ዘይ ኣባል ሃገር ትኹን ዝብል ውሳኔ ከምተመሓላለፈ ዝገልጽ ሓሳብ ኣብቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ተመልኪቱ ከምዘሎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ውሳኔ ንገዛእ ርእሱ ቅድስቲ መንበር ካብ 1953 ዓ.ም. ኣትሒዛ ምስቲ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ዘለዋ ርክብ ዘንጸባርቕ እዩ። ኣብቲ ውድብ ብቀዋሚ ተዓዛቢት ክትውከን ብዙሕ እዋን ካብ ርሑቕ ኣትሑዙ በቲ ውድብ ክትዕደም ከምዝጸነሐትን ኣብቲ ናይቲ ውድብ ዓውደ ጉባኤታት እውን ንኽትሳተፍ ትዕደምን ትሳተፍን እውን ከምዝነበረት የዘኻኽር።

71 ሃገራት ይዅንታ ዝሃባሉ ውሳኔ

እቲ ናይ ውሳኔ ሓሳብ ናብቲ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ጥዕና ዘቕረበት ኢጣሊያ ክትከውን እንከላ፥ ነቲ ናይ ኢጣሊያ ሓሳብ 71 ሃገራት እውን ናተን ገይረን ከምዝደገፈኦን ንሳተን እውን ኣልባኒያን ኣልጀርያን ኣንዶራን ኣንጐላን ሱዕዲ ዓረብን ኣርጀንቲናን ኣርመንያን ኦስትሪያን ባሕረይንን ባንግላድሽን በልጂምን ቦትስዋናን ብራዚልን ቡልጋርያን ኬፕ ቨርደን ቺለን ኮሎምቢያን ኮስታ ሪካን ክሮኣሽያን ቄጵሮስን ኤኳዶርን ምስርን ኤል ሳልቫዶርን ሕቡራት ኢሚራት ዓረብን ኤስዋቲኒን ፊሊፒንስን ጀርመንን ጃፓንን ግሪኽን ጓቲማላን ሓይቲን ህንድን ኢንዶነዢያን ኣየርላንድ ኢጣሊያን ከንያን ክዋይትን ላቲቭያን ሊባኖስን ሊትወንያን ማዳጋስካርን ማልታን ሞሮኮን ሞናኮን ሞንተነገሮን ማዛምቢክን ናሚቢያን ኒካራጓን ዖማንን ፓኪስታንን ፓናማን ፐሩን ፖላንድ ፖርቱጋልን ቓጣርን ረፓብሊክ ቸክን ረፓብሊካዊት ዶመኒካን ረፓብሊካዊት ኮርያን ሩማንያን ሳን ማሪኖን ሰነጋል ሰራ ልዮንን ሲንጋፑርን ስሎቫኪያን ደቡብ ኣፍሪቃን ስሎቨኒያን ስሪ ላንካን ቱርክመኒስታንን ዩክራይንን ሃንጋሪን ቫንቷንን ከምዝኾና ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ኢጣሊያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ዲ ማዮ፥ ቅድስቲ መንበር ተወሳኺ ክቡር ዋጋ ትህብ

ናይ ኢጣሊያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ልዊጂ ዲ ማዮ፥ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዓውዲ ግብረ ሰናይን ሓልዮ ጥዕናን ብፍላይ ከኣ ኣብተን ኣብ ጐደና ምዕባለ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ከምቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንምብዳህ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ እተቕርቦ ዘላ ዓቢይ ድጋፍ ኣገዳስሲ ምዃኑን ኣብ መዳይ ክንክን ጥዕና ኣበርክቶኣ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣፍልጦ ዝሃበ ውሳኔ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅድስቲ መንበር ብማሕበራት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣቢላ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ቢሚሊዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ንሓያሎ ዓመታት ክትሕግዝ ዝጸንሐትን እትሕግዝ ዘላን ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ጥዕና ቀዋሚ ተዓዛቢ ክህልዋ ምግባር ነቲ ውድብ ዘኽብርን ተወሳኺ ሓይልን ክቡር ዋጋታት ክብ ዘብልን ኣብ መላእ ዓለም ንመንፈስ ሓድነት ዘደድልን ንዅለን ሃገራት ዓቢይ መተባብዒ እውን እዩ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

03 June 2021, 00:15