ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 18 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ዋዜማ በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 18 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ዋዜማ በዓለ ጰራቅሊጦስ 

ገደብ ዕድመ ሥልጣንን ዳግመ መረጻን ሓለፍቲ ዓለምለኸ ማሕበራት ምእመናን ዝምልከት ኣዋጅ!

ንምእመናንን ሥድራቤትን ሕይወትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስት መንበር ንኣገልግሎት መሪሕነት ዝምረጹ ሰባት ክሳብ ክንደይ ክጸንሑ ከምዝኽእሉን ንተኽእሎ ዳግመ መረጻን ዝምልከት ሓፈሻዊ ሕጊ ናብ ር.ሊ.ጳ ኣቅሪባ እንክተብቅዕ እቲ ኣገልግሎት ንሓደጋ ግላዊ ጥቅምን ዓመጽን ዝቆመ ንሕብረት ዘገልግል ክሳብ ዝኾነ ኣጽዲቀዮ ኣሎኹ ኢሎም። ንመሥረቲ ማሕበራት ግን ብያኔ ክግበር ተኽእሎ ኣሎ ይብል።

ዜና ቫቲካን!

ሽሕ’ኳ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ መራሒ ክኸውን ዘለዎ ኣገልጋሊ ናይ ኩሎም ይኹን ዝበሎ ብቃል ዝደጋገም እንተኾነ ኣብ ጉዳይ ሥልጣን ምስ መጻእካ ኣብ ዓለምስ ይኹን ኣብ ቤተክርስትያን ምስ ባህርይ ሰባት ስለዝኸይድ ቀይዲ ገደብ ክትገብረሉ ግድን እዩ። እዚ ከኣ ከምቲ እንግሊዛውያን ዝብልዎ ፍጹም ሥልጣን ናብ ፍጹም ብልሽውና የብጽሕ እዩ ነገሩ። ኣብ መላእ ዓለም ሎሚ ቀንዲ ኣርእስተ ዜና ዝኸውን ንሥልጣንን መሪሕነትን ዝምልከት እዩ።

ስለዝኾነ ከኣ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ምሉእ ዓለም ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዝቆሙ ዓበይቲ ማሕበራት ምእመናንን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ይርከብዋ። ነዘን ማሕበራት እዚኤን ዝመርሑ ከም ሰባት መጠን እቲ ኣገልግሎት ሥልጣን ከይመስሎም እሞ ከይጽገሙን ከየጸገሙን ገደብ ዕድመ ሥልጣንን ዳግመ መረጻን ዝምልከት ሓፈሻዊ ሕጊ በታ ንምእመናንን ሥድራቤትን ሕይወትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስት መንበር ረቂቁ ናብ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ቀሪቡስ ቅዱስነቶም ከምዘጽደቅዎ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ገደብ ሥልጣን መሪሕነት እንተበዝሔ ኣብ 10 ተኸታታሊ ዓመታት ከብቅዕ እዚ ከኣ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበራት ምእመናን ግላውያንስ ይኹን ሕዝባውያን ከምኡ እውን ኣብቲ ሓላፊ ዝምረጸሉ ግዜ ካብ ኩሎም ኣባላት ብዓለምለኸ ደረጃ ተሳትፎ ክረጋግጽ ወሲኑ።  እዚ ኣዋጅ እዚ ድሕሪ ሠለስተ ወርሒ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዝተወሰነ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ገሊጹ።

ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ኣዋጅ ኣብ ምምሕዳርን መሪሕነትን ካብቲ ሓደ ናብቲ ሓደ ክሰጋገር እንከሎ ቅርዑይ ምትሕልላፍ ንክህሉ ብቀንዱ ከኣ ትርጉም ሥልጣን ወይ መሪሕነት ብመንፈስ ክርስቶስ ንውህደት ቤተክርስትያን ዘደንፍዕ ኣገልግሎት እምበር ንግላዊ ረብሓን ልዕልናን ዝወሃብ ከምዘይኮነ ንምብራህ እዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

12 June 2021, 11:56